Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምጽናት ዓሌት ተኸሲሶም ንሕልፈትን ሞትን ተፈሪዶም ካብ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ደርግ 16 ነጻ ከም እተለቁ ጋዜጣታት ኢትዮጵያ ገሊጸን። ብምጽናት ዓሌት ተኸሲሶም ንሕልፈትን ሞትን ተፈሪዶም ን20 ዓመታት ኣብ ማሕቡስ ካብ ዝጸንሑ 23 ላዕለዎት ሰበስልጣን ደርግ 16 ትማሊ ሓሙስ 6 ጥቅምቲ ነጻ ከም እተለቁ ጋዜጣ ሪፖርተር ናይ

READ MORE

ክቡር ኣቶ መልስ ዜናዊ ቀዳማይ መኒስተር ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ረፓብሊክ ኢትዮጵያ ዝዓዘዘ ሰላምታ ድሕሪ ምቕዳም፡ ብምኽንያት መስዋእቲ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ፖሊስ ኦርክስትራ ትግራይ ኣብ መንግዲ ቆቦ - ሆርሞት ብዝጋጠማ ሃንደበታዊ ሓደጋ ምግልባጥ መኪና ብስም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ፡ ንህዝቢ ትግራይን ዝተሰመዓና መሪር ሓዝና ንገልጽ። እዞም

READ MORE

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ንተልእኾ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሶማልያን ኣጽኒዑዎ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ እገዳ ዝከታተል ሞኒተሪን ግሩፕ ብምሉእ ደምጺ ንሓደ ዓመት ኣናዊሑዎ።

 

ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት (2011) ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ቡምባ መጥቃዕቲ ንምክያድ፡ በቲ ምስ ኣልቓዒዳ ርከብ ከምዘለዎ ዝጥርጠር ኣሸባብ ኣብ ዝተወጠነ ውዲት ኢድ ከምዘለዋ ከምዘፍለጠ ሮይተርስ ሓቢሩ።

UNICEF ዘይውህስነት መግቢ ብዘስዓቦ ድኽነት ንዝተጠቕዑ 1.5 ሚልዮን ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ዓጸቦ ብዘስዓቦ ጉድለት መኣዛታት ተጎዲኦም ንዘለዉ ህጻናትን ኣዴታትን ንምሕጋዝ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ካልኦት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መሻርኽቱን ተሓጋጊዙ ይሰርሕ ከምዘሎ ካብ መርበብ ሓበሬታኡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሶማልያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው መግቢ ደርቂ ምዃኑን በቲ ሓደጋ ጥምየት ሚልዮናት ህዝቢ ተጠቒዑ ከምዘሎን ሎሚ 20 ሓምለ ብወግዒ ገሊጹ።

South Sudanዕለት ምእዋጅ ነጻነቱ ብሃንቀውታ ክጽበ ዝጸንሐ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዋና ከተማኡ ጁባን ካልእ ቦታታትን ‘ታ ሓዳስ ሃገር ብዓቢ ሓጎስን ፈንጠዝያን የምዕሎ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ካብ ደቡብ ሱዳን ሓቢሮም።

Ed እቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣሸባብ ከይለኸፈና ኸሎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጸቕጢ እናተገብረ ምዕረ-ማዕሪኡ፡ እተን ዝደጋገፋኦ ሃገራት ‘ውን ክግጠማ ኣለወን፡ ድሕሪ ምባል ከኣ፡ ‘ብዛዕባ’ቲ  ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ትጻወቶ ዘላ መዕነዊ ተራ ጭቡጥ መረዳእታ ኣለና’ ኢሉ። ኤርትራ ከም ሓብሓቢት ግብረሽበራ ክትርቋሕ ከምዘለዋ ‘ውን ኣገንዚቡ።

 

UNSCትማሊ ዕለት 6 እቲ ንእገዳ ኤርትራ ዝግምግም ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ክካየድ ምዃኑ ብዝነበረና ሓበሬታ መሰረት፡ ብዛዕባ ህልው ምዕባሌታቱ እዋናዊ ሓበሬታ  ከነቕርበልኩም ምክትታል ክንቅጽል ጸኒሕና፡

Migrantsካብ ሰዋኪን፡ ሱዳን ተበጊሳ ቀይሕ ባሕሪ ብምቕራጽ ስደተኛታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምስግጋር ንኣርባዕተ ሰዓታትድሕሪ ምጕዓዛ ቃጸሎ ዘጋጠማ ጃልባ ተሳፊሮማ ዝነበሩ 200 ስደተኛታት ብዘይካ ሰለስተ፡ ኩሎም ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሃለቑ ‘ዘ ጋርድያን’ ዝተባህለ ጋዜጣ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ።

Shababስርዓት ህግደፍ ኣብ ሶማል ንዝነጥፉ ከም ኣሸባብ ዝኣመሰሉ ብግብረሽበራ ዝጥርጠሩ ጉጅለታት ብዝህቦ ደገፍ ተወሳኺ እገዳ የንጸላለውሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኬንያ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብ ተጠንቀቕ ምህላወን Daily Nation ዝተባህለ ጋዜጣ ኬንያ ገሊጹ።

ደርቂሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ቫለሪ ኣሞስ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ጅቡቲ፡ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ፡  ከንያ፡ ኡጋንዳ ዝርከባኤን ሃገራት ዘይልሙድ ከቢድ ደርቂ ኣንጻላልዩዎ ከምዘሎ ብምግንዛብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብኣግኡ ነቲ ዞባ ንምርዳኣ ግብራዊ ስጉምታት ክወስድ ጸዊዑ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሃለዋት ናይቶም ኣብቲ ወጥሪ ዘለዎ ንሰሜንን ደቡብን ሱዳን ዘዋስን ከባቢ ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ዝነበሩ ‘ሞ ብሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ተገዲዶም ካብቲ ቦታ ዝለቐቑ 7 ሽሕ ሲቭል ሱዳናውያን ከምዘሻቀሎ ምግላጹ ኣሾሼይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

Beshir Kierፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ምኽትል ፕረዚደንት ሱዳንን መራሒ ደቡብ ሱዳንን ሻልቫ ኬርን ነቲ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ሰፊኑ ዘሎ ምትፍናን ንምጕዳል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክራኸቡ ምዃኖም ደይሊ ቪዥን ዝተባህለት ጋዜጣ ሱዳን ገሊጻ።