"በረኸት ሃብተስላሰ ዝጸሓፎ ቅዋም ንየው በሎሎሎ!!!!!!!!"
ይቅረታ ብሓደ ስግንጢር ዝመስል ኣርእስቲ ጀሚረልኩም።ግን ብሓቂ ከም ቁምነገር ተሓሲቡ ዝተዘርበ እዩ።። ብኻልእ ዓይነት ቋንቋ ዝተዘርገሐ ቤላ-በለው ዓይነት ኮይኑ ከይስምዓኩም ብወረጃታት ማዕዶ ብቋንቋ ዓድናዝተዘርበ አዩ።እዚ ዘረባ እዚ ክዛረብ ዝኽእል ፍጡር ፡ብገለ ኣጋጣሚ ጎፍእንተ ኢሉኩም የተንፍስ ምህላዉ ክትጠራጠሩ ኢኹም እሞ፡ ቆንጢኹምሰብ ምዃኑ ኣረጋግጹ ።ሃይ እንተበለ፡ እሕሕሕ ወስኸሉ በልዎ። ውሕሕሕእንተበለ ግን ፡ከምዘይናትኩም ገዲፍክሞ ዓዲ እንተ ኣተኣተኹም ሓላልስለዝኾነ፡ ግልጽ ኢልኩም ኣይትርኣይዎ።ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰብ"ተመሊስካ እትረድኦ'ስ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ' ዝብል ምስላ ወለዲ ኣይሰርሕን አዩ።ብነብሱ እውን ፍጥረት ህዝብና መሃይምነት ዝዕንድረሉሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዝተናፈሰ ወረ ክመሚ ዓቅሚ ይውሕዶጥራሕ ዘይኮነ ፡በቲ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ፣ ንረብሓ ረገጽቲ ዘገልግል 03፡መሽረፈት ከም ዘቀብል ገይሩ ከይፈተወ ክውደብ ስለዝተገብረ ኣብ ክሳዱገመድ ይጥምጥም ምህላው ክርድኦ ሓያለ ግዜ ክወስድ አዩ።
ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ህዝቢ ዝደርበዮ ዱቦላ፡ ኢደ-እግሪሩ መትሓዚ ዘይነበሮ፡ ንለባም ዘይሓደሶ፡ ንዓሻ ግን መለሳ ኮይኑ ዝተሰምዖ መደረ፣ወርሕን ፈረቃን የሕሊፉ ኣብ ዘለወሉእዋን ፡ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣትየ፡ ምስ ሓደ ኣቀዲመዝፈልጦ ሻሂ ክንሰቲ ምስ ተኣለና፡ ዘረባ ዘረባ ዘምጸኦ ሃንደበት "ብበዓልዶክተር በረኸት ዝተጻሕፈ ቅዋም ንየው በልዎ "ዝብል ዱቦላ ዘረባ ምስሰማዕኩሉ ፡ቅንጥው እንተበልኩዎ ሃይ ስለዘይበለ ፡ብድድ አለ ቀልቀለይከምዝደርበኹ ጠንጢነዮ ዕዝር በልኩ።እታ ዘረባ ግን ከም ተራ ዘረባ ጌረክርዳኣ ኣጸገመትኒ እሞ ፡ምስቲ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ኢሰያስ ኣፈወርቂዝመደሮ ከተሳስራ ፈተንኩ። ከመቅጽበት ፡ብዘይካ ናይ ኣሰዃኹዓ ቃላትፍልልይ፡ መንፈሰን ሓደ ምዃነን ክርደኣኒ ግዜ ኣይወሰደለይን።ለከ ጥሪት'ሲካብ ዓበይቲ የብሉ ካብ ን ኣሽቱ በልኩ።ንሱ "ድሕሪ ካብ ማእለያ ዘየብሎም ተጻብኦታት ተሞክሮ ምቅሳምና መጻኢ መንግስቲ