ኣስማት ፍሥሓየ መብራህቱ © Copyright 2003 ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ ብዝብል ምስላ መተንብህ ኣስማት ጀመርና ክንረቍሕ ክንሓሪ ክንቈርሕ ካብ ባህሊ ርሒቕና ተስፋ ሓጎስ ነጋሽ ደስታ ባህታ ድሑር ኣስማት ቆጺርና ሓርነት ናጽነት ማሕታ ወጋሕታ ዓወት ድፋዕ ፈንቅል ብድሆ ዝብልውን ሓረና መግለጽ ቅልጽም ጕብዝናና ኣይሽዑንድዩ ዝሓከለ ልባትና ዝረሓቐ ካብ ናይ ወለድና ዝኾብለለ ካብ ባህልና ቅሳነት ጸዊዑ ኣይቀሰነ ልዋም ኣውጺኡ ኣይኖመ ሓሊማሉ ድሙዕ ኣይኣለመ ራህዋ ስኢኑ እነሆ