Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ – 3ይ ክፋል

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ ታደሰ ኪዳነ                   በርሚንግሃም 3ይ ክፋል                   08/12/2015   ኣብ 2ይ ክፋል ከምዚ ክብል ኢየ ተፋንየኩም “እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ፡ ገለ ካብ ኩነታት ተጋደልትን ሓለፍትን ህዝባዊ ግምባር ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኢዩ። ብውሑዱ ድማ፡ ነቲ

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ

ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ

ታደሰ ኪዳነ                   በርሚንግሃም

3ክፋል                   08/12/2015

 

ኣብ 2ይ ክፋል ከምዚ ክብል ኢየ ተፋንየኩም

“እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ፡ ገለ ካብ ኩነታት ተጋደልትን ሓለፍትን ህዝባዊ ግምባር ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኢዩ። ብውሑዱ ድማ፡ ነቲ ንተጋደልቲ ከም ሓደ ቀጸላ ናይ ሕ/ሰብና ምስ ህዝቢ ከባእሶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ቁጠባ`ውን ኣጸቢቑ ክሃስዮም ብፖሊሲ ደረጃ ይሰርሓሉ ምንባሩ ንምንጻር እኹል ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎንኒ። እዞም ሎሚ ናብ ምሽምጋል ገጾም ዝኸዱ ዘለዉ ተጋደልቲ፡ ሕጂ`ኸ ህሉው ኩነታቶም እንታይ ይመስል ኣሎ ምርኣዩ`ውን ኣገዳሲ እመስለኒ። ነዚ`ውን ብሕጽር ዝበለ ኣብ 3ይ ክፋል ክገልጾ ክፍትን ኢየ።”       3ይ ክፋል ድማ እነሆ ይቅጽል

 

ህሉው ኩነታት ተጋደልቲ ኣብ ውሽጥን ወዳእን

ብመንጽር`ቲ ኣብ ተራ ዕላላት ኮነ፡ ኣብ መርበባት ፓልቶክ፡ ስም ተጋደልቲ እናኣልዓልካ ዝግበር ምንእኣስ፡ እቲ መንግስቲ`ውን ብዓቢኡ ናቶም (ናይ ተጋደልቲ) ምዃኑ እንሰምዖ ዕላላትን መደረታትን፡ ህሉው ኩነታት ተጋደልቲ ምርኣይ`ውን ኣገዳሲ ኢዩ። እቶም ኣብ ዘይኣምኑሉ ናይ ሓላፍነት ጽፍሕታት ዝተጸፍጸፉ ተጋደልቲ፡ ውሑዳት ገዲፍካ፡ ኣብ ዘዝተዋህቦም ናይ ሓላፍነት ጽፍሕታት ንስለ`ቲ ጉዕዙይ ፖሊሲታት ህግደፍ ክውፈዩ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምሽምጋሎም ኣብ ሒመታን መረረን ኢዮም ተጸሚዶም። እቲ ስርዓት’ውን ነቶም ኣመና ዘይምእዙዛት ዝበሎም ተጋደልቲ ካብ ምጭዋይን ምስዋርን ደው ኣይበለን። ብዙሓት ዕድል ዝረኸቡን ነብሶም ዝጠርጠሩን ተጋደልቲ ድማ ኣብታ ደሞም ከፊሎም ክውንቲ ዝገበርዋ ሃገሮም ክነብሩ ስለ ዘይከኣሉ፡ ዕረ እናጠዓሞም፡ ብሓጻውን ዝተበጣጠሰ ኣካላት ሒዞም፡ ከይፈተዉ ንስደት ኣምሪሖም። ሎሚ እቶም ብህይወት ዝተረፉ፡ ናጽነት ኤርትራ ከዉን ዝገበሩ ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ተጋደልቲ፡ ርእሶም ኣድኒኖምን ንኩሉ ሽግራት እናተጻወሩ “ካብ ከርስኺ ኣይንለቅቕን” ይብሉዋ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ፍትሒ ስለ ዝሓተቱ ጥራይ “ጠላማት” ተባሂሎም ምእንታኣ ከም ዘይደመዩ፡ ኣማዕድዮም ይርእዩዋ ኣለዉ። ሎሚ ናይ ተጋደልቲ ህይወት ብሕጽር ዝበለ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

 

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ፡ – እዚኣቶም፡ እቶም ትማሊ ብደሞምን ብኣዕጽምቲ ብጾቶምን ነዲቖም ክውንቲ ዝገበርዋ ሃገር፡ ተመሊሳ ክትደምን ከተእውን ህዝባ ክበታተንን ብዓይኖም እናረኣዩ “ኣሕ” እናበሉ ዝነብሩ ዘለው ኢዮም። በዘይካ`ቶም ጸግዒ ናይቲ ስርዓት ዝሓዙ፡ ኣብ ማእከል`ቲ ጥሙይ ህዝቢ – ጠሊሎም ዝረኣዩ ውሑዳት፡ ዳርጋ ኩሎም በቲ ስርዓት ስለ ዘይእመኑ፡ ካብ ስራሕ ተባሪሮም (ደስኪሎም) ኣብ ባራትን ላተርያታትን ዝውዕሉ፡ እቲ ብመንግስቲ ብስም ደሞዝ ዝወሃቦም ገንዘብ ስለ ዘይኣኽሎም፡ ተጸበይቲ ናይ ኣብ ደገ ዝነብሩ ቤተ-ሰቦም ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ውርደት ድማ፡ እቶም ኣብ ግዜ ገድሊ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ናይቲ ሰራዊት ተሰዂዖም መዓስከራት ዝደምሰሱ ምኩራት ተጋደልቲ፡ ሎሚ ኣብ እርጋኖም፡ ጭራሽ ወታደራዊ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ተራ ሰብ፡ ንጉሆንጉሆ ዘይሰርሕ ጠመናጁን ኣባትርን ሒዞም ናብ ሓደስቲ ተዓለምቲ ተቐይሮም፡ በባትር እናተኾብኮቡናዕሪት!ይባሃሉ ምህላዎም ኢዩ። ወታደራዊ ጥበብን ክእለትን ስለ ዘይብሎም ኣይኮኑን። እቲ ኣብ ህልኽ ዝነብር ስርዓት ተገምጢሉ፡ ኣብ ቁጠባዊ ሃስያ ከይተሓጽረ፡ ኣጸቢቑ ብሕልና ክሃስዮም ስለ ዝደለየ ጥራይ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገርም ድማ፡ ነቲ ኣብ እዋን ገድሊ ዝፈጸምዎ ጅግንነት፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን እናደጋገመ ዘስምዖም ምዃኑ ኢዩ፣

 

ኣዚኣቶም ካብቲ ስርዓት ፈጺሞም ዝበተኹ ንለውጢ ሃረር ዝብሉ`ኳ እንተኾኑ፡ ብሰንኪ ሽምግልና፡ ኣካላዊ ድኻምን ክቱር ድኽነትን ወይ ዘይውሑስ ቁጠባዊ ህይወት፡ ካብ ጭውያን ማእሰርትን ክድሕኑ፡ ርእሶም ኣድኒኖም ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ተመሳሲሎም ክኸዱ ዝመረጹ ኢዮም። ተስፋ ዘለዎ ናይ ለውጢ ዕድላት ኣብ ዝረኣየሉ ግን፡ ቀዳሞት ተዋሳእቲ ንሳቶም ኢዮም። ዝኾነ ንለውጢ ዝሓስብ ኮነ፡ ብሃገራውነቱ ዝሕበን ዜጋ፡ ንዓታቶምን ታሪኾንምን ከኽብር እምበር፡ ሽሞም እና ኣልዓለ ክዝንጥሎም ኮነ ንታሪኾም ከናሽው፡ ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን ኢዩ። ገለ ነቲ ክቡር ታሪኽ ገድልን ተጋደልትን ዘናሽዉ ውልቀ-ሰባት፡ ኣብ መርበባት ፓል-ቶክ፡ ሰማዕቲ ረኺቦም ኣፎም መሊኦም ክዛረቡ ክትሰምዕ ከለኻ `መርኣያ ጥፍሽናን ዘይርጉእ መንፈስ ናይዚ ሓድሽ ወለዶ ዶኾን ይኸውን` ትብል።

 

ኣብ ስደት ዘለዉ ተጋደልቲ፡ – እዚኣቶም`ውን እቲ ኣብ ስደት ዝነበረ ኤርትራዊ ወገን፡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ብሰላም ክነብርን ሃገሩ ከማዕብልን ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ከፊሎም ክንሶም፡ ንባዕሎም ናብ ቦታ ስደት ዘምርሑ ኢዮም። ናይዚ ጉጅለ`ዚ ኩነተ-ህላዌ ድማ፡ ካብቲ ህዝባዊ ግምባር ብመንገዲ`ቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ሓፋሽ ውድባቱ፡ ኣብ ልዕሊ`ቶም ነቲ ውድብ ራሕሪሖም ዝሃድሙ ዝነበሩ ኣባላቱ ዘውርዶ ዝነበረ ተነጽሎን  ፖለቲካዊ ቅንጸላን ዝፍለ ኣይኮነን። ዝኾነ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍቓድ፡ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ፡ ኣብ ደገ ክነብር ዝወሰነ ተጋዳላይ፡ ክልተ ምርጫታት ጥራይ ኢየን ጸኒሐንኦ። ንሳተን ድማ – ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈትን ኤምባሲታትን ናይቲ ውድብ ከይዱ ልኡም ኣገልጋሊ ናይቲ ስርዓት ኮይኑ ክቕጽል፡ ወይ ድማ ብውሽጢ ውሽጢ ዘይበሎን ዘይወዓሎን ወረታትን ቀንጻሊ ዘመተታትን እናዘርጋሕካ፡ ካብቲ ህዝቢ ነጺልካ ተሰማዕነት ከም ዘይህልዎ ጌይርካ ተነጺሉን እናተሓምየን ከም ዝነብር ምግባር ኢዩ።

 

እዞም ኣብታ ምሉእ ግዜኦምን ንእስነቶምን ሂቦም ዘረጋገጽዋ ሃገር ምንባር ሸጊሩዎም፡ ናብ ስደት ዘምርሑ ተጋደልቲ ዝተፈላለየ ጸገማት ኢዩ ኣጋጢሙዎ። ገለ ካብኡ

 

  1. ሓደ ካብኡ፡ እቲ ንኩሉ ስደተኛ ዑቕባን ናይ መንበሪ ፍቓድን ንምርካብ ዝሓልፎ መስርሕ ኢዩ። ንሳቶም`ውን ከም ሰቦም ኣብ ፈቐዶ እንዳ ጠበቓን ኣብያተ-ፍርድን ናይ ካልኦት ሃገራት ዑቕባን ዜግነትን ንምርካብ ኮለል ክብሉ ነይሩዎም። በዚ ድማ ተኽፈልቲ ናይቲ ንኹሉ ስደተኛ ዘጋጠሞ ጸገም ኢዮም።

 

  1. ካብ ወታደራዊ ህይወት ናብ ሲቪላዊ ናብራ ምስግጋር፡ – ኣብ ንቡር እዋን፡ ሓደ ኣብ ተሪር ወታደራዊ ሕጊ ክእለ ዝጸንሐ፡ ኣብ ሕሜታን ወረን ዘይኮነስ፡ ዝከኣልን ዘይከኣልን መምዩ፡ ኣብቲ ዝከኣል ጥራይ ዝዛረብን ዝዝትን ዝነበረ ሰብ፡ ካብቲ ወታደራዊ ሞያ ወጺኡ ናብ ሲቪላዊ ህይወት ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፡ እንተኾነ ናይ ክኢላታት መኽሪ፡ እንተወሓደ ድማ ናይ ቤተ ሰቡን መቕርቡን ሓገዝ የድልዮ ኢዩ። እዞም ናብ ሓተትቲ ዑቕባ ዝተቐየሩ ተጋደልቲ ድማ ናብቲ ካብን ናብን፡ ክዉንን ዘይክዉንን ዘላግዕ፡ ሕሜታታትን ቤላ-ቤሎውን ዝበዝሖ ሲቪላዊ ህይወት ክጽንበሩ ጸጊሙዎም ኢዩ። ብዙሓት ካብ መጀመርያኡ ነብሶም ዘግለሉን ጥንቑቕ ኣካይዳ ዝመረጹን እኳ እንተነበሩ፡ ዳርጋ ንኹሎም ከከም ኩነታቱ ዝፈላለ ሽግራት ኣጋጢሙዎም ኢዩ።

 

  1. ተጻብኦታት ህግደፍ፡ – ኣብቲ ናይ ገድሊ ዕድሜኦም፡ ከከምቲ ዝጸንሕዎ ዓመታትን (ግድምና) ዝነበሮም ናይ ሓላፍነት ጽፍሕን ዝፈላለ፡ ሕማቕን ጽቡቕን ናይቲ ዝነበርዎ ውድብ ኮነ፡ ናይቶም ሕጂ ኣብቲ መንግስታዊ ጽፍሕታት ተሰዂዖም ዘለዉ ሓላፍቲ ዝፈልጡዎ ኣለዎም። እዞም ናብ ሓተትቲ ዑቕባ ዝተቐየሩ ተጋደልቲ እምበኣር፡ “ህዝበይን ሃገረይን (ብኻልእ ኣዘራርባ `ውድበይ`) ኣይከዳዕኩን” ኢሎም፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈትን ኤምባሲታትን ናይቲ ስርዓት ከይዶም፡ ኣፎም ክዓጽዉ ወይ ምስቲ ሓዲጎሞ ዝመጹ ስርዓት ክተሓባበሩ ምዃኖም እንተዘይገሊጾም፡ ከም ቀንዲ ጸላእቲ ክረኣዩ ጸኒሖም ኢዮም። ብዙሓት ካብዚኣቶም፡ ቀንዲ ግዳያት ናይታ፡ ናይ ህግደፍ ናይ 03 ናይ ቅንጸላ መርበብ ኮይኖም ኢዮም። ኣብ ገለ`ውን በቲ ኣንጻር ህግደፍ ብዝነበሮም ተሪር መርገጺ ጥራይ፡ ብተገላቢጦሽ “ህግደፍ ዝከኣኾም ኢዮም” እናተባህሉ ብውሽጢ ውሽጢ ክሕመዩን ክዝለፉን ጸኒሖም። ብኣጠቓላሊ ክረአ ከሎ እምበኣር፡ ህግደፍ ነቶም ካብ ኢዱ ዘምለጡ ተጋደልቲ፡ ብፍሉይ ተጻቢኡዎምን ይጻብኦምን ኣሎ።

 

ተጋደልትን ዝጽበየና ዕማማትን

እቶም ድሕሪ ናጽነት ኣብ ደሓን ዝኾነ መነባብሮን ርጉእ ሲቪላዊ ህይወትን ክንነብር ዝተጸበና ተጋደልቲ፡ በቲ ብደምናን ኣዕጽምትናን ዝተተኽለ ብልሽው ስርዓት፡ ብፖሊሲ ደረጃ ኣብ ድኽነትን ውርደትን ክንነብር ኢዩ ተፈሪዱና። ዩኒቨርሲቲ ኣቲና ክንመሃር፡ ምስቶም ንነዊሕ እዋን ዝተፈለናዮም ስድራ-ቤትና ኣስተርሒና ከነዕልል ይኹን ዝጠመዩ ደቅናን ወለድናን ክንዕንግል ኣይተፈቕደናን። ብኣንጻሩ ጸባን ሓሩጭን ክንልምን፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ክንስጎጉ፡ ዓገብ ንዝበሉ ብጾትና ድማ ድራር ጥይት ክኾኑ ኢና ተዓዚብና። ገለ ኣብነት ናይዚ ዳሕረዋይ ንምጥቃስ፡ – ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ ናጽነት – ኣብ ገንፈሎም ብገርሆም ይጓዓዙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብጾትና ዝተገብረ (ዝፈሸለ) ድብያ፡ ከበባ ሓይልታት ክ/ሰራዊት 52 ኣብ ዓላ፡ ድሕሪ ፍጻሜ 20 ግንቦት 1993 ዓ.ም ዝነበረ ጭውያን ማእሰርትን፡ ቅንጸላ ስንኩላን ማይ ሓባርን ክጥቀስ ይከኣል። ኩሉ`ዚ እቶም “ንግስነት ስርዓት ኢሰያስ ናትኩም ኢዩ” እናተባሃልና እንዝለፍን እንሕመን ተጋደልቲ፡ ቀዳሞት ግዳያት ስርዓት ህግደፍ ምንባርና ኢዩ ዘረጋግጽ። ማዕረ-ማዕሪኡ ግን እዞም ኣብ ስደት እንነብር ተጋደልቲ፡ እዞም ንውርደትን ሕስረትን ዝተፈረድና ተጋደልቲ ፋሕ ዝበለን ዝተነጻጸለን እንተዘይኮይኑ፡ (ብፍላይ ኣብ ስደት) ክብርናን ታሪኽናን ንምዕቃብ ይኹን ኣብ ልዕሊ`ቶም ብደምና ዝሰወዱ ጓሓሉ ዝወሰድናዮ ጥርኑፍን ኣድማዕን ስጉምቲ የለን።

 

ገለ ካብቲ ምኽንያታት ኣብቲ ኣብ ስደት ዝጸንሐ ዘይንቡር ከፋፋሊ ኣተሓሳስባታት ኣቲኻ ምጭምላቕ ምስ ክብረቶም ዝኸይድ ኮይኑ ስለ ዘይረኸብዎ፡ ስቕ ምባል ዝመረጹ ተጋደልቲ ብዙሓት ምዃኖም ኢዮም። እቲ ስቕታ ግን ዝያዳ ሃጓፍ ፈጢሩ፡ ነቲ ስም ተጋደልቲ እናልዓልካ ዝወርድ ዘለፋን ምንእኣስን ዝያዳ ክዕብዮ እምበር ክህድኦ ኣይተራእየን። ህግደፍ`ውን እንተኾነ፡ ብስም`ቶም ቀቢርናዮም ዝኣተና ስዉኣትን ደቆምን ይመጻደቕን፡ ጀጋኑና ኣሲሩ ከብቅዕ ብውዕሎኦም ይንየትን ኣሎ።

 

ኩልና፡ ነታ ናብ ስደት ዝጠመትናላ ቀዳመይቲ መዓልትን፡ ነቲ ናብኡ ዝደረኸና ተጻባኦን ንዘክር። ኣብታ መዓልቲ`ቲኣ፡ ኣብታ ሃገርና ንድሕሪት ገዲፍና ንስደት ዝጥመትናላ መዓልቲ፡ ኣብ ሕልናና ዝተፈጥረ ክልተ ባህርያትን ዝነበረ ውሽጣዊ ሙግትን፡ ልብና ካብ ውሽጢ ዝነብዓሉ ህሞትን ንዘክር። እዚ ዘሎ ውዱዕ ኩነታት እምበኣር ክብረትናን ታሪኽናን ንምዕቃብ ጥርኑፍ ግብረ-መልሲ እንህበሉ፡ ከም ቀንዲ ግዳያቱ መጠን ድማ፡  ኣብቲ በብከባቢኡ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ኣኼባታት ተረኺብና፡ ነቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር ተቓውሞታት ከነበራብሮ ይግባእ። ኣብ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ ፍልልይ ክህልው ከም ቅቡል ወሲድና፡ ኣብቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር ቀንዲ ጉዳይ ግን፡ ናይ ሓባር ቅልጽም ከነልዕል መድረኻዊ ሕቶ ኢዩ። ምግድዳዕ ከብቅዕ ኣለዎ።

 

መደምደምታ፡ -ኣብዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ዝተጾምቈ መግለጺ፡ ተጋዳላይ  ግዳይ እምበር፡ ጠንቂ ናይ`ዚ ዘሎ ጉዕዙይ ፖሊሲ ህግደፍ ከም ዘይኮነ ብሩህ እመስለኒ። እቲ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዘሎ መረረ ግን መንቀሊኡ ምርኣይ`ውን ዘድሊ ኢዩ። ብርእይቶይ መንቀሊ ናይዚ ኩሉ፡ -እቲ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝነበረ ክብርን፡ ኣብ ልዕሊ`ቲ ውድብ (ህዝባዊ ግምባር) ዝነበረ ልዑል ትጽቢትን ምስቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ ዘይንቡር ኩነተ-ህላዌ ስለ ዘይተጠዓዓመ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎንኒ። ምኹኑይ ዘምስሎ ነገር እንተልዩ፡ ምንጻሩ`ውን ጽቡቕ ይመስለኒ። ንሱ ድማ ጠስምን መዓርን ሒዙልካ ክመጽእ ዝተጸበኻዮ ዓቢ ሓውኻ ወይ ውላድካ፡ ዕረን መርዝን ሒዙልካ እንተ መጺኡ`ሞ እንታይ ዘይበሃል! እቲ ንስኻ ዝረኣኻዮ ዕረ፡ ንሱ`ውን ቅድሜኻ ልዕሊ ዓቕሙ ብዝኾነ መንገዲ ወይ ከይፈለጠ ተሰኪሙዎ ዝመጽአ እንተነይሩ ግን፡ ንሱ ንጽቡቕካ እናሓሰበ ከሎ፡ ኣብ ጉዕዙኡ ዝተበላሽወ ነገር ምንባሩ ክስቆረካ ይግባእ። እቲ ፍታሕ ድማ ነቲ ዝተበላሸወ ነገር ኣለሊኻ ምእላዩ እምበር፡ ናብ ዶግማ ተለዊጥካ “ዕረ ሒዝካለይ መጺእካ!” እናበልካ ከተማርር ምንባር ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን። ንሱ`ውን “ኣነ መዓር እምበር ዕረ ኣየዳለኹልካን። ኣብ ጉዕዞ ግን ነቲ መዓር ናብ ዕረ ዝለወጡ ሰባት ኣለዉ`ሞ፡ ኣነ እፋለሞም ኣለኹ። ንስኻ ከኣ ንዓ ሓግዘኒ፡ ምሳይ ስመር” ክብለካ ከሎ ጽልእኻን ሕርቃንካን ናብ ሕራነ ተለዊጡ፡ ኣብ ጎድኑ ምስላፍ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ኢዩ። ስለዚ ንኹሉ ኣብ ሓንቲ ጀምቢል ኣእቲኻ፡ ነቲ ክቡር ሃገራዊ መንነት ዘዕተረካ ተጋዳላይ ስሙ እናኣልዓልካ ክዉንን ዘይክዉንን ምዝራብ ፋይዳ የብሉን።

 

ሎሚ ኣብ ኤርትራ መንግስታዊ በትረ-ስልጣን ሒዙ ዘሎ ህግደፍ ኢዩ። መንግስታዊ ስልጣን ድማ ፖለቲካዊ ስራሕን ፖለቲካዊ ረብሓን ኢዩ። ንሱ ድማ ብዘይውልውል ቁጠባዊ ረብሓ ኢዩ። መብዛሕትኦም እዞም መንግስቲ ኣቚሞም ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ድማ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ዝነበሩ ምዃኖም ዘካትዕ ኣይኮነን። ንሳቶም ግን ብቚጽሪ እቶም ዝወሓዱን፡ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ማዓርን ጠስምን፡ ብሰላሕ መላሕ ኣብ ጉዕዞ ናብ ዕረን መርዝን ዝለወጡ ገበነኛታት እምበር፡ ነቲ ምእንቲ ሰናይ ግብሪ ዝተቓለሰ ተጋዳላይ ዝውክሉ ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ እቶም ብቊጽሪ ኣዝዮም ብዙሓት ተጋደልቲ፡ ቀዳሞት ግዳያት ናይቲ ብስዉር ዝተዳለወ መርዚ ኮይኖም ዓዲ ኣርሒቖም። ዝተረፉ ድማ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ዝወረዶም ኢዮም። ብዙሓት ካብዞም ዳሕረዎት ሕርቃኖም ናብ ሕራነ ተለዊጡ፡ ምስቶም ኣትማን ይተሓናነቑ ኣለዉ። ተመሊሶም ናብ ስልጣን ክመጹ ስለ ዝደለዩ ግን ኣይኮኑን። ነቲ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ዝተመጻብዕዎ ግዝኣተ- ራዕዲ ዝመለለይኡ መግዛእታዊ ስርዓት ኣሊኻ (ስርዓት ኢትዮጵያ`ውን ናይ ራዕዲ ፖሊሲ ኢዩ ነይሩዎ) ኣብታ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር፡ ብተሳትፎ ናይ ኩሉ ህዝቢ ግዝኣተ ሕጊ ምርግጋጽ ኢዩ።

 

ግዝኣተ-ሕጊ ዝረጋገጽ ድማ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሓቢሩ ምስ ዝሰርሕ ጥራይ ኢዩ። ህግደፍ ኣብ ውሽጡ ተጋደልትን ዘይተጋደልትን፡ ዓበይትን ናእሽቱን ኣለዉዎ። ንዕኡ ብዘገልግል መንገዲ ድማ ካብ ኩሉ ወገናት ኤርትራ ወከልቲ ክህልዉዎ ይጽዕር ኢዩ። ብኣንጻሩ `ፍትሒ እደሊ ኣለኹ` እናበልካ ተጋደልትን ዘይተጋደልትን፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣውራጃን ብሀርን ክትፈላሊ ግቡእ ኣይኮነን። ሎሚ ኣንጻር ተጋደልቲ ካብ ለፍለፍካ፡ ጽባሕ ኣንጻር ካልእ ቀጸላ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ምጽራፍ ዘሕፍረካ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ እምበኣር፡ ንኹለን ብሀራት፡ ንክልቲኡ ሃይማኖትን ንኹሉ ከባቢታትን ብዘሳትፍ መንገዲ፡ ንጹር ዘስርሕ ሕግታት ኣውጺእካ ምስራሕ ኢዩ። ፍልልያትና ኣብ ፖለቲካዊ ኣጠማምታና ጥራይ ክሕጸር ይግባእ።

 

ማዕረ-ማዕሪኡ ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ፡ ካብ ህግደፍ ዝበተኹ ኣባላት ህዝባዊ ግምባር`ውን ዝብሎ ኣሎንኒ። እዚ ሃገርን ህዝብን ዝብትን ዘሎ ኢሰያስ ዝመርሖ ስርዓት፡ ንታሪኽና ሰሪቑ ብዋጋ ደምናን ንእስነትናን ኢዩ ዘውዲ ደፊኡ። ሰቲ ክቦቕሎ ዝተመነናዮ መሬት ኤርትራ፡ እሾኽ ተዘሪኡዎ ዘዝተወልደ ጠንጢኑዎ ይጠፍእ ኣሎ። ነዚ እናረኣኻ ዓይንኻ ዓሚትካ ትም ምባል ማለት ድማ ሞት ኢዩ። ስለዚ ነቲ ኣድቂቕና እንፈልጦን ዘሳቐየናን ኣዕናዊ ፖሊሲታት ህግደፍ ምቅላዕን፡ ህዝቢ ነቲ ሓቂ ፈሊጡ ካብ ህግደፍ ከም ዝርሕቕ ምግባር ከድልየና ኢዩ። ኣብ ኣገባብን ስልትን ፍልልይ ክህልወና ባህርያዊ ኢዩ። ስልጣን ናብ ህዝቢ ክምለስን ንቅዋማዊ ምሕደራ ዘለንና ድሌትን ግን ዝፈላለ ኣይኮነን። ስለዚ ግዳያት ናይቲ ትማሊ`ውን እንፈልጦ ህግደፍ ዘተኣታተዎ ናይ ምፍልላይ፡ ራዕድን ፍርሕን ፖሊሲ ክንከውን ኣይግባእን። ትማሊ ንህዝቢ ኣሚንና ተቓሊስና። እቲ እምነት ሕጂ`ውን ኣብ ቦትኡ ይሃሉ።

 

 

 

 

 

፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨ ፨

 

 

 

ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ክጽሕፍ ከለኹ፡ ነቲ ዝበዝሐ ብቅኑዕ ሕልና ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ዝተቃለሰ ተጋዳላይ፡ ካብቶም ከም ቫይረስ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ናይ ሓላፍነት ተሰዂዖም፡ ደም ንጹሃት ዝመጽዩ ዝነበሩ፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት በቲ ዝበዝሐ ሓፋሽ ተጋዳላይ ከይተፈልጡ ወይ ኣደናጊሮም፡ ብውሽጢ ውሽጢ ነዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና እኩይ ተግባር ጠንቂ ዝኾኑ ውሑዳት ፈልዩ ዝርኢ ኣዒንቲ ይሃልወንና ንምባል ኢዩ። ካብቲ ቀንዲ ዕላማና ኣውጺኡ፡ ማእዝንና ኣስሒቱ ናብ ሸንኮለል የእትወና ስለ ዘሎ። ካብዚ ዝሓለፈ ብዙሕ ርእይቶታት ግን ሓደ ከነጽሮ ዝግበኣኒ ነገር ከም ዘሎ ኢየ ተረዲአ። ስለዚ ድማ ኢየ፡ ሓንቲ ክፋል ወሲኸ፡ ኣብ 4ይ ክፋል ገለ ነገር ከብርህ ዝደለኹ።

ኣብ 4ይን መወዳእታን ክፋል የራኽበና

 

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
56 COMMENTS
  • Genet-Orginal December 12, 2015

    Lilay
    If there were two types of Tegadlties, who was responsible to tell the Eritrean people?

POST A COMMENT