Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣኼባ መድረኽ፡ ስለምንታይ ኣብ ከንያ?

ብመሰረቱ ኣብ ሓደ ሃገር ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ እንተ-ተኻኢሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክኸውን ዝምረጽ ኢዩ። ከም ስርዓት-ህግደፍ ዝኣመሰለ ህልም ዝበለ ዲክታተር ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ንኽካየድ ስለ ዘየፈቅድ ግን፡ ኣብ ሓደ ጎረቤት-ሃገር ክካየድ ናይ ግድን ይኸውን።ኣብቲ ዝሓለፈ

ብመሰረቱ ኣብ ሓደ ሃገር ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ እንተ-ተኻኢሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክኸውን ዝምረጽ ኢዩ። ከም ስርዓት-ህግደፍ ዝኣመሰለ ህልም ዝበለ ዲክታተር ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ንኽካየድ ስለ ዘየፈቅድ ግን፡ ኣብ ሓደ ጎረቤት-ሃገር ክካየድ ናይ ግድን ይኸውን።ኣብቲ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልስና’ውን ብዘይካ ሓገዝ ጎረቤት ሱዳን ናጽነት “ኣይምተረኽበን” እኳ እንተ-ዘይበልና ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምኾነ ነይሩ። ግደ ጎረበት-ሃገር ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ዕዙዝ ኢዩ ክብል ስለ ዘደለኹ ኢዩ።

ባይታን ደገፍን ጎረበት-ሃገር ኣብ ሓደ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ስተራተጂካዊ ኢዩ።

ሀ) ኩነታት ዉጹዕ ህዝብኻ ብቐረባ ምክትታል ይከኣል

ለ) ሰብኣውን ነገራውን ሓገዝ ብቐሊሉ ክርከብ ይከኣል

ሐ) እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ካብ ጎረቤት ዓዲ ናብ ውሽጢ ብቐሊሉ ይልሑኽ

ምስ ኤርትራ ዝጓራበታ ሃገራት መነ-መን ኢየን? ብመሬት ምስ ኤርትራ ዝጓራበታ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ጂቡትን ኢየን። ጂቡቲ ኣቶ ኢሳያስ እንተደለየ ዝጎብጣ እንተደለየ ዘፋራርሓ ንእሽቶ ሃገር ኢያ። ብዓይኒ ኤርትራ ኣብ ጂቡቲ ኮንካ ምቅላስውን ልሙድ ኣይኮነን።ሱዳን ኩላትና ከም እንፈልጦ ምስ ኢሳያስ ተሰማሚዓ ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ማዕጾኣ ዓጽያ ኢያ። ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ከም ጎረበት-ሃገር ዕድል መቃለሲት ባይታ ዘለቶም ኢትዮጵያ ጥራይ ኢያ። ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንንውሕ ዝበለ ዘመናት ከም ሓደ ህዝቢ ሓቢሩ ዝነብር ዝነበረ ህዝብታት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብስጋ’ውን ተዛሚዱ ኢዩ። ብኣማኢት-ኣሽሓት ኤርትረውያን ተቐማጦ ይርከቡ። ልዕሊ ኩሉ ግን እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግሰቲ ኣንጻር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ እዚ ድማ  ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ሰናይ ኢዩ።እቲ ኩነታት ከምዚ ሰለ ዝኾነ ኢዩ ድማ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ዳርጋ ን15 ዓመት ዝኣክል ኣብ ኢትዮጵያ ባይታ ረኺቦም ዝቃለሱ ዘለው።ብርግጽ ኩሉና ተቓወምቲ ብማዕረ ኢትዮጵያ እትገበሮ ሓገዝ ዘይከዕገበና ይኽእል። ገሊና “ ኢት ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይና ኢድ ተእቶላ” ንብል። ገሊና’ውን “እትበና ሓገዝ እኹል አይኮንን” ንብል። በዚ ኮየኑ በቲ ግን እቲ ድኽመት ተቓወምትና ንወሰን ገዲፍና ኢትዮጵያ ስጋብ ሕጂ እቲ ትኽእሎ ትገብር ኣላ።ኣነ ብወገነይ ዝተኻፈልኩዎ’ኳ ምሕዝነት ከም ዝቐውም ጌራ። ዋዕላ ሃቃቂ ተኻየዱ ኮሚሸን ቆይሙ። ጉባኤ ምሁራት ኤርትራውያን ተኻይዱ። ጉባኤ ሃዋሳ ተኻይዱ ባይቶ ቆይሙ። ክልተ ግዜ ጉባኤ ምንእሰያትና ኣብ ደብረዘይትን መቐለን ተኻይዱ። እዚ ዘይካሓድ ብሓገዝ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ኢዩ ተኻይዱ።ብተናጸል ብዝተፋላለያ ውድባትን ሰልፍታትን ዝካየድ ጉባኤታት’ሞ ቁጽሪ የብሉን።

ከንያ ብጂኦገራፊ ምስ ኤርትራ ኣይትዳወብን።ተቓወምቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን የብላን።ንተቃወምቲ ኤርትራውያን ጸጥታ ዝምልከትውን ምችእቲ ኣይኮነትን። ህዝብን መንግስትን ከንያውን ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብቀረባ ዝፈልጦ ኣይመስለንን።

እሞ ስለምንታይ ድኣ ኣባለት መድረኽ ጉባኤኦም ኣብ ናይሮቢ ክኸውን ወሲኖም? ናይዚ መልሲ ሓንትን ሓጻርን ኢያ። ኣኼባኦም ኣብ ኢትዮጵያ ክገብርዎ ስለ ዘይደለዩ ኢዮም። ስለምንታይ ኣብ ኢትዮጵያ ክገበርዎ ኣይደለዩን? ንዝብል ሕቶ ግን መልሱ ኣገዳሲ ይመስለኒ።ገለ ውድባት ብፍላይ ከኣ መድረኽ “ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ምቅላስ ህዝቢ ኤርትራ  ይቃወሞ ኢዩ” ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ስለ ዘለዎም ኢዩ፡ ይመስለኒ።ፖለቲካ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተለዋዋጢ ኢዩ።ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣርኣእያ ካብቲ ብግዜ ኢትዮ-ኤርትራ ኵናት ዝነበሮ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኢዩ።ኣብቲ ግዜቲ ብስርዓት ህግደፍ ፕሮፖጋንዳ ዝሰኸረ ህዝቢ፡ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ጸላኢት ሃገር ኢያ ትረአ ዝነበረት። ሎሚ ግን ርግጸኛ ኢየ ግቡእ መጽናዕቲ እንተ ዝግበር ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም ኣብ ኢትዮጵያ ኮንካ ምቅላስ ዝቃወሙ። ነዚ መረጋገጺ እትኸውን ሓንቲ ኣብነት ከቕርብ። ምትእኽኻብ ጉጅለ ቦሎኛ ካሊእ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘይብላ “ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ምቅላስ ምቅዋም” ኢዩ።ኣባላት መድረኽን ካልኦት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾረዩ ባእታታትን ዝዋስኡላ መድረኽ ኢያ። እንተዘይ ተጋግየ ካብ ትጅመር ገለ ሰለስተ ዓመት ኮይኑ። እመኑኒ፡ ዓመት ዓመት ካብ ሙሉእ ዓለም ተዋጺኦም ዝእከቡ ካብ ሚኢይቲ ኣይበዝሑን። ኣይረድኦምን’ምበር እዚ ዘረድኣካ ነቲ ዝእከቡሉ ዓላማ ህዝቢ ስለ ዘይድግፎ ኢዩ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ምሰዚ ኣተሓሒዘ ሓንቲ ዋዛ ምስ ቁምነገር ከዕልለኩም። እዛ ዛንታ’ዚኣ ቅድሚ ሕጀ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ጠቒሰያ ነይረ። ሕጂውን እንተ ደገምኩዋ ሕማቕ ኣይኮነን።

እቲ ማእከላይ ወደይ መዋእል ይበሃል። ንእሽተይ እንከሎ፡ ነቲ ዝደልዮ ነገር ብብኽያት ኢዩ ዝረኽቦ። ግደፍ እንተበልካዮ ይበኪ። ንሕና ድማ ብኽያት ስለ እንጸልእ ቀልጢፍና እቲ ዝደልዮ ንገብረሉ። ሓደ ግዜ ግን በጋጣሚ መፍትሒ ረኺብናሉ። ኣብ ናይ በልጁም ተለዢቨን ናይ ቆልዑት ፕሮግራም፡ ሓደ ጨጓር ከልቢ ዝመስል እንስሳ ነበረ’ሞ ንዕኡ ክርኢ እንከሎ ስለ ዝፈርሕ “ኣጥፍእዎ” ይብለና። ቡፍ-ቡፍ ኢሉ ድማ ይሰይሞ። ካብ ሽዑ ጀሚርና ፡ ክበኪ እንከሎ፡ “ቡፍ-ቡፍ” መጸካ እናበልና ስቕ ነብሎ ነበርና። ኮይኑ ግን ሓደ ግዜ ነቲ ዓቢ ሓው ሐንቲ ቀላል ናይ ገለ ሓደ ሰዓት እተወስድ ኦፐረሸን ክገብር ናብ ሓደ ክልኒክ ወሰድናዮ። መደንዘዚ ስለ ዝገብርሉ ከይሪኦ’ሞ ከይስንብድ ኢልና፡ ንሓደ ሓውና ኣብቲ ኣካባቢ ኣጽንሓልና በልናዮ። “ግን ናብ ኣቦይን ኣደይን ውሰደኒ ኢሉ እንተበኸየ፡ ቡፍ-ቡፍ መጸካ በሎ” በልናዮ። ቈልዓ ሆየ ብዙሕ ከይጸንሐ  ዘይኸውን ነገራት “እዚ ግበረለይ-እዚ ፈጽመለይ” እናበለ ምስ ኣሸገሮ። “ቡፍ-ቡፍ መጸካ ቡፍ-ቡፍ መጸካ” እናበለ፡ ብዙሕ ግዜ ምስ ደጋገመሉ “ኪድ ጸዋዓዮ፡ ቡፍ-ቡፍ ክሪኦ እደሊ ኣሎኹ” ብምባል ኣብይዎ ናበቲ ዘለናዮ ቦታ ሒዝዎ መጸ። “ኣታ ሞጎስ ውዲ መርሓኖ እንታይ ድኣ ኮንካ ናብዚ ተምጽኦ” እንተ በልክዎ።”ዋእ! እታ ዝነገርኩምኒ መፈራርሒት ኣይሰርሔትን ። እንታይ ድኣ ክገብር በለኒ።

ሕጂ ድማ ስርዓት ህግደፍ ዝጥቀመላ ዝነበረት መፈራርሒት ህዝቢ ኤርትራ “ጸላኢኻ ወያኔ መጸካ” እትብል ክትሰርሕ ኣይከኣለትን። ህዝብና ሎሚ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ዘሎ  የግዳስ “ወያኔ መጺኡ እንተ ዝገላግለና” ዝብል ውሑድ ኣይኮነን።ከምኡ ሰለ ዘኾነ ኢዩ ድማ ስርዓት ህግደፍ “ወያኔ ጸላኢኻ ኢዩ” እናበሎ ኣብ ዶብ ዘሎ ዑሱብ ሰራዊተ እውን እናተኮሰሉ ብሚኢትታት ኣሽሓት ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዘሎ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኮታ ኣብ ሙሉ ዓለም ዘሎ ህዝበብና በሽሓት ከም ካልኣይቲ ሃገሩ ብምውሳድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዘሎ ህዝቢ፡ ኣባላት መድረኽን ናይ ህግደፍ ዑሱብ ዝኾነ ወናኒ መሰከረምነትን መጺኦም ክሪእዎ ንዕድሞም።

ካሊእ “ኢትዮጵያ ዶብ ምሕንጻጽ ስለ ዝኣበየት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኮንካ ምቅላስ ኣየድልን” ዝብሉ ኣለው።ኣብ ዓለም ብዙሓት ሃገራት ናይ ዶብ ሽግራት ዘለወን፡ ግን ከኣ ንግዜኡ ናይ ቁጣባዊ ዝመድናታት ከም ዘለወን ብሰናይ ጉረብትና ይነብራ ከም ዘለዋን ንዕዘብ ኢና።ምኻን ኳ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩዎ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ሽግር ዶብ ዘይኮነስ ሽግር ፍትሕን ደሞክራስን መሰልን ኢዩ። ዶባትና ምሕንጻጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምስ ተኸልና ነርክበሉ ኢና። ንሕና ህዝቢና ይጠፍእ ኣሎ፡ ህዝቢ ነድሕን፡ ሃገርና መንእሰይ ኣልባ  ሃገር ትኸውን ኣላ ንብል። ስርዓት ህግደፍ ኣሊና፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ነረክብ ንብል።”ቀዳምነት ዶብ ምሕጻፅ ኢዩ” ይብሉና። ኣነ ግን እዚ ኣበሃህላዚ ካብ ኣበሃህላን ኣተሓሳስባን ስርዓት ህግደፍ ዝፍለ ኣይኮነን።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ከቐርብ እንከሎኹ ንስለ ምቅዋም ኢለ ኣይኮንኩን። እዚ ኣኼባዚ ኣብ ከንያ ምግባር ትርጉም ስለ ዝሰኣንኩሉ ኢዩ። ንኣኼባ ዝተዓደሙ ኩሎም ኣባላት ውድባትን ሰልፍታትን ካብዚ ካብ ኣዲሰ ኣበባ ኢዮም ከይዶም ። ፖለቲካውን ቁጠባውን መኽሰብ ክርከቦ ዝኽእል ኣብዚ ኩሎም ውድባትን ሰልፍታትን ዘለውዎ ቦታ ምስ ዝግበር ኢዩ ነይሩ።ውጽኢቱ’ውን ዲሒረ ከም ዝሰማዕኩዎ ሹዱሽተ ወይ ሸውዓተ ውድባት ከም ዘይተኻፈልዎ ኢዩ። ቀጺሉ እዚ ኣኼባዚ ካብ ሲቪክ ማሕበራት ከምዘየካፈለ ኢዩ።በዘን ክልተ ነጥብታት እዚኤን ጥራይ መድረኻዊ ኣኼባ ናይሮቢ ጉድለት ከምዝነበሮ የረድእ።

 

ኣድሓኖም ፍትዊ

03-12-2015

Comment: a.fitiwi1993@kpnmail.nl

aseye.asena@gmail.com

Review overview
33 COMMENTS
  • noch December 7, 2015

    You’re right when we say about the strategic struggle based on Neigbouring countries, but as you mentioned Sudan has closed its door to Eri-opposition groups since 2008 & Ethiopia is playing a jock by distabilising our Unity & they are practicing thoroughly to change our Nationalism to ward Tigrainism. All in all Ethiopia also is not our first & strategic place, solong we do not have a strong Eri-Unity.

  • Futwi December 10, 2015

    ኢትዮቭያ ናያ ብሐቂ ነዚ ስርዓት ክእለይ ይደልዩ ድዬም ?
    ሐፈሻዊ ኩነታት አዕሚቅና እንተ ተንቲንና ክልቴኦም ስርዓታት ናይ መትከል ብጾት እዬም ። ክልቴኦም ክበጽሕዎ ዝደልይዎ ዕላማ አሎ እንታይ ኮን ይኸውን ? ዳግማይ ረፈረንደም ?

    • Keren December 11, 2015

      If there is no credible threat from Eritrea, the Ethiopians do not need to sacrifice their army and resources in Eritrea. A destructive change in Eritrea dominated by extremists as shown in Somalia, Yemen, Libya or Syria is not good to Ethiopians.
      Changing the regime in Eritrea is not Ethiopia’s responsibility.

POST A COMMENT