Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“እንቋቁሖይ ኣጉላ”

እስኪ ፍልይ ብዝበለ ኣቀራርባ መልኽተይ ኣነጺረ ንባዕለይ ተረዲአ፣ ንኻልኦት ከም ዝርድኦም ገይረ ከቕርቦ ክፍትን። ከምቲ ምስላ፡ ነቲ ዝሓለፈ ክትቅይሮ ዘይትኽእል ግን ንመጻኢ ክትልውጦ ትኽእል “You can’t undo the past but you can change the future”

እስኪ ፍልይ ብዝበለ ኣቀራርባ መልኽተይ ኣነጺረ ንባዕለይ ተረዲአ፣ ንኻልኦት ከም ዝርድኦም ገይረ ከቕርቦ ክፍትን። ከምቲ ምስላ፡ ነቲ ዝሓለፈ ክትቅይሮ ዘይትኽእል ግን ንመጻኢ ክትልውጦ ትኽእል “You can’t undo the past but you can change the future” ከም ዝበሃል፣ ንሕና ኤርትራውያን ከአ ኣብቲ ዓመታት ዘሕለፈ ድኹም ኣሰራርሓ ምትኳር ገዲፍና፣ ናብቲ ቅንዑን ጊዛውን ሕቶ ከነተኩር ምእንትን ኩላህና ብኽፉት ኣእምሮን ድሌትን፣ ኩነታትናን ኩነታት ሃገርና ብምስትውዓል ንመርምር።

ኣብዚ እዋን ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተጸሚዱ ከሎ፣ ስለምንታይ ናብ ድሕሪት ተመሊስና ነቲ ኩሉ ዝተገብረ ጌጋታት ክንጸባጸብን፣ ንነብስና ነጻ ንምውጻእ ተዋሳእቲን ኣበርከትን እቲ ዝሓለፈ ታሪክ ከምዘይነበርና ኮይና ክንቀርብ ንደሊ። እንተኾነ ጌጋ ብምፍላጥ ኮነ ብዘይ ምፍላጥ ዝተገብረ ኩሉ መምሃሪ ክኸውን አለዎ እምበሪ፣ ነቲ ናይ ሐደ መጋነኒን መወንጀልን፣ ንናይ ናትካ መሕቢኢን መኾወሊን ክንጥቀመሉ የብሉን። እቲ ሓቂ ሎሚ እንታይ ተራ እጻወት አለኹ? ንምዕባለ ወይስ ንዕንወት ዝገብሮ ዘለኹ ወሳናይ ጊደ ንጽባሕ ስለዝህልዎ፣ ናይ ሎሚ ዲሌትና ኣብ ቅርሕንታን ቂምታን ዝተመርኮሰ ወይ ብቕንዕና ካብ ንሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዝነቐለ ኢዩ። ነብስና ንሕተታ። እንተዘይኮነ ኩልና ብኻልኦት መንነትና ዝፈልጡ ከምንሕተት ኣይንዘንግዕ። ብሽም ፍትሕን ማዕርነትን ንህዝቢ ኣደናጊርካ ምንባር ንግዚኡ ክሰርሕ ይኽእል ይኸውን ኣብ ውሽጢ የዋሃት ተሰኩዕኻ።

ከምቲ ደርሆ (ኤርትራ) ዋናኣ (መራሒ ህዝባ) መመሪጹ ጥዑይ እንቋቁሖ (ወከልቲ ኩሉ ሕብረተሰብ) ዘሕቁፋን ኣድላዪ ምክንኻን ዝገብረላ ምእንቲ ጥዑያት ጨቛውቲ (ዜጋታት) ክተፍረሉን ዝጽዕር ከም ኣብነት ንረኣዮ። ሃገርናን ህዝብናን ግን ብሰንኪ እቲ ኩሉ ግብሩ ኣንጻር ጽቡቕ ዘቕንዐ መራሒን ሰዓብቱን፣ ንድሕሪት ክትከይድ እምበር ንቕድሚት ምዕባለ ከተርኢ ኣይተዕደለትን። እዚ ኸአ ብሰንኪ ሕማቕ መራሒን ደገፍቱን፣ ህዝባ ክበታተን፣ ድኽነት ከስፋፍሕ ካብ ንዕዘቦ ነዊሕ እዋን ኣቑጹሩ። እቶም ብሽም ተቛወምቲ ኣንጻር እቲ ስርዓት ኢሎም ዝንቀሳቀሱ ከአ ካብቲ ናይ ድሑር ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ክናገፉ ስለ ዘይከአሉ ኣብ ነንሕድሕዶም ምምንጫት ዓመታት ኣቑጺሮም። ሓዲሽ ሽምን ምትእኻብን መፍትሒ ባዕሉ ዝኸውን እንዳመስሎም ይመስለኒ ካብ ምጭጫሕ ውድባት ዓዲ ኣይወዓሉን። ምትእምማን ዘይብሉ ስራሕ ከአ ናብ ሕንፍሽፍሽ የምርሕ እምበር ካልእ ፋይዳ የብሉን። ካብዚ ዓይነት ድኹምን ዘይሓላፍነታውን ስራሕ ከአ ህግደፍ ይዕወተሉ እምበር ንህዝቢ ዘርብሕ ውጺኢት ኣይርከቦን። ስለምንታይ እንተበልና ካብ ሕሉፍ ጌጋኦም ክመሃሩ ድልዋት ስለዘይኮኑ ክደጋግምዎ ይግደዱ።

ሕጂ ግን ዝኾነ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ካብ ጽሬት ኣባላቱ ክልካዕን ብሓላፍነት ክሕተትን እንተኾይኑ፣ ንስርዓት ህግደፍ ምቁዋም ጥራይ ባዕሉ ከም ደላይ ፍትሕን ደሞክራሲ ገይሩ ከቕርበካ ከምዘክእልን፣ ብሕሉፍ ግብርኻን ምንቅስቃስካን ተገምጊሙ በቶም ኣብ ኣካባቢኻ ዘለው ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ተቐባልነት ክህልወካ ከድሊ ኢዩ። ክሳብ ሎሚ ዝተቓጸለ ዕድል ብሰንኪ ዘይሓላፊነትዊ ምትእኽኻብ ዝፈጠሮ ቅልውላው ኣልጊስና ንቕድሚት ክንጋዓዝ እንተኾይና እቲ መለክዒ ኣብ ግብሪ ክውዕል አለዎ። ከምቲ ሐደ ሓረስታይ ንደርኾታቱ ክሕቁፈን ከሎ፣ መመሪጹን ጡዕይነት እቲ እንቛቁሖ ዝኣጎለ ከይህልዎ ኣረጋጊጹን ብውሕላለ ዝገብሮ፣ ንሕና ኤርትራውያን ከአ ንገብሮ ምትእኽኻብ ብንጹር መምርሕን ንእደናገርትን ተበለጽትን ቦታ ዘይህቦምን ዝነጽግን ክኽውን አለዎ። ሽዑ እቲ ምትእኽኻብ ከድምዕ ከአ ይኽእል።

ምስዘይ መሳርሕትኻን መካይድኻን ምሕባር ማለት ግን ሰሰሪሕካ ምብታን ምኻኑ ዝተማህርናሉ ይመስለኒ። እቲ ብልጫ ናይ ደሞክራሲ ከአ ነቲ ናትካ ድሌትን ዕላማን (Interest and Principle) ዝጻረር ብግሁድ ኣየዋጻእንን ክትብል መሰላካ ምኻኑ ክንፈልጦ አለና። ኤርትራውያን ብስምዒት ሃገራውነት ጥራይ ንህዝብና ካብ ዘልዎ ዓዘቕቲ ስቓይ ከነናግፎ ኣይንኽልን ኢና። ብዕላማ ተጠርንፊናን ብቕንዕና እንተሰሪሕናን ግን ዘይንዕወተሉ ምኽንያት የሎን። ከምቲ ሓረስታይ ዝኣወለ እኽሊ ንዘርኢ ኢሉ ዘይሕዞ ወይ ዝደስከለ እንቛቁሖ እንዳፈለጠ ንደርኾታቱ ዘይሕቁፈን፣ ንሕናም ምስ መን ክንሰርሕን ክንዕወትን ፈሊጥና ሕብረትን ጥምረትን ብዘልዎ ንጹር ኣጀንዳ ክንቃለስ አለና። ትማሊ ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ ሎሚ ክምልሰለይ እንተተጸብዮ ሳዕቤኑ ዝገደደ እምበር ዝሓሸ ኣይከውንን። ስለዚ እቱይ ክርዳድ ክሳብ ዘይተአረየ ካብቲ ጽሩይ እኽሊ ንበልዖ ኩሉ ንቐሓር እምበር ንጥዕና ኣይኮውንን። ህዝብና ናይ ጽርየት መራሕቲ እዩ ተሓሪሙዎ ዘሎ እምበር ኣይኮነን ናይ ኣደናገርትን ናይ ስልጣን ህሩፋት ከምዘይኮነ ክንፈልጥ አለና።

“እንቋቁሖይ ኣጉላ”

እንቋቁሖይ ኣጉላ ከይተፍሪ

ብሕማቕ ሓሳብን ግብሪ

ሓላዊ ሲኢና ተቖርቋሪ

ተባዕ ጠፊኡ ነዳሪ

ፍትሒ ጎዱሉዋ መስካሪ

ገቢቱ ሒዙዋ ጠላም ሕድሪ።

 

እንቋቁሖይ ቢሂገ ዝተንከባከብኩዋ

ከይትወድቕ ከይትስበር ዝሓቖፍኩዋ

ከይትቆርር ከይትኣጉል ዘማመቅኩዋ

ጽቡቕ ዘይምነ ኣንጻር ህዝቢ ራህዋ

ከይትጭጭሕ ጨቛውቲ ከይዓብይዋ

ብጽልኢ ዝዘቕበበ ተስፋይ ኣምኪኑዋ

ግፈዐኛ መንጢሉ ወሲዱ ሰይሩዋ።

 

አነስ ነይሩኒ ተስፋ ዕብየት ናዕቢ

ካብ ኩሉ ዝለዓለ ጥቕሚ ህዝቢ

ተመንየላ ሃገረይ ኣፍቅረያ ብልቢ

መጻኢ ወለዶ ክኾርዓላ ብዓይቢ

መንእሰይ ኤርትራ ዓሲሉ ከምንህቢ

ክኸውን ጺዒሩ ታሪኽ ኣመዝጋቢ

ካብ ስደት ሪሒቑ ሃገሩ ከዕቢ

ንሕጊ ለቢሱ ሰላም ፍቕሪ ጋቢ።

 

እንቋቁሖይ ብሂገ ዝተንከባከብኩዋ

አነስ ካብኣ ተባዕታይ ደርሆ ተጸብያ

ኣርሓ ክኾነለይ ንሓቂ ዝነቆየ

ስዓት ጊዜ ክነግረኒ ክትንስእ ኣንጊሀ

ደቂሰ ከይሰንፍ ንምዕባለ ተጋይየ

ጠላም ህዝቡ ከይብሃል ዝተጋግየ

ንሕድሪ ሰማእታት ከተርጉም ዝጋየ

ንፍትሒን ሕግን ንጥቕሙ ዘይጠውየ

ትዕቢት ዘይዓመቶ ግፍዒ ዘይጠመየ

ምቕሉል ተኣዛዛይ ንህዝቡ ዝዕበየ

ነይሩ እቲ ተስፋይ ቀደም ተመንየ።

 

እንቋቁሖይ ብሂገ ዝተንከባከብኩዋ

ኣነስ ተጸቢየ ኣንስታይ ጫቑት ጫጭሓ

ብዙሓት ክትወልደለይ ብተስፋ ኣምሪሐ

ቀልበይ ልበይ ሂበያ እንቋቁሖይ ኣስቢሐ

ጽቡቓት ከተፍረለይ ምሩጻት ዘርኢ

በላሓት ክትዕበለይ ንመጻኢ ዝርኢ

ንጥመየት ንድሕረት ብስሩ ጸላኢ

አደ ክትኮነለይ ናይ ምዕባለ ራኢ።

 

እንቋቁሖይ ብሂገ ዝተንከባከብኩዋ

ክትኮነለይ ኣብነት ንደቃ ሓቓቑፋ

ብሰላም ብፍቕሪ ንጸባብነት ጉሒፋ

ባህልና ዓቂባ ንጽቡቕ ኣትሪፋ

መጻኢ ወለዶ ክነብር ብኽብሪ ብተስፋ

ነይሩ እቲ ባህገይ ደርሆይ ቅድሚ ምጽዳፋ

ብስሱዓት ህግደፍ ተሓሪዳ ተበሊዑ ሰለፋ።

 

እንቓቑሖይ ኣጉላ ደስኪላ

ኢለ ኣየጥፍእን ዝነበረ መሓላ

ተስፋ ኣይቆርጽን ሎሚ ተዓብሊላ

ሽግራ ስለዝበዝሐ ብህግደፍ ጉሒላ

ብዘይ ስርቅን ሓሶትን ካልእ ዘይዘርኣላ

ጽባሕ ግን ካልእ’ዩ ታሪኽ ንደግመላ

ኤርትራዊ ጀግና ተበራበር ሓዲኡ አላ

መንጢልካ ክተውጽኣ ካብ ዝጠሓለቶ ዒላ

ሓቢርና ንበገስ ኣንጻር ጋንታ ዕዋላ

እንቋቁሖና ክትጭጭሕ ሰላም ክዕብልላ

ብጽልኢ ቅርሕናታ ደጊም ኣይንበድላ።

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 11/30/2015”

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Berhe Tenesea December 2, 2015

    Yes the egg or pfdj is rotten, and anything that is rotten must be thrown to the garbage.
    Iseyas and his yes men are rotten inside out and they are causing the people dangerous sickness , that is life threatening.
    Eritrea must get rid it self of these dangerous epidemic sooner than later. It has caused the death and disappearance of hundreds of thousands, and the Ebola or Iswyas must be eradicated.

POST A COMMENT