Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ – ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡

ምልክን ምልካዊ ስርዓትን ብስሙር ህዝባዊ ሓይሊ ካብ ስሩ ቦርቚቕካ ከልግስ ዘለዎ እምበር ብለግቦ፡ ለጋግቦ ኣቢልካ  ዝሕሰብን ዝህቀንን ከንቱ ፈተነታትን፡ ንዘላቒ ፍታሕ ህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል ኣይኮነን። ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡ ኣብ ከተማ

ምልክን ምልካዊ ስርዓትን ብስሙር ህዝባዊ ሓይሊ ካብ ስሩ ቦርቚቕካ ከልግስ ዘለዎ እምበር ብለግቦ፡ ለጋግቦ ኣቢልካ  ዝሕሰብን ዝህቀንን ከንቱ ፈተነታትን፡ ንዘላቒ ፍታሕ ህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል ኣይኮነን። ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡

ኣብ ከተማ ደንቨር (ኮሎራዶ)፡ ሕዳር 29, 2015 ዝተሳናደአ ህዝባዊ ኣኼባ ብዓወት ተሳላሲሉ። (1) ሃገርና ኤርትራ፡ ካብ ኣትያቶ ዘላ ናይ ሓደጋ ሃለዋት ንምድሓን ኩሉ ዓቕምታትና ንመላኽን ዓፋንን ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ስርዓት ኢሳያስ ንምልጋስ ክቐንዕ (2) ንግዝኣተ-ሕጊ ዘዐቁብ ዲሞክራሲያዊ፡ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ዱልዱል ባይታ ዘሳናድእ ህዝባዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ቃልሲ ዕማማት ክተኣታቱው (3) ድሕሪ ምልጋስ ስርዓት ህግደፍ፡ ከጋጥም ንዝኽእል ሃገራዊ ቅልውላው ወይ ዘይምርግጋእ ዝብድህ ህዝባውያን ትካላት ኣቚምካ ምጽናሕ (4) ነዚ ክቡር ዕላማታት ክዉን ንምግባር ብደረጃ ዞባን ኣህጉርን ስሙር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንክሐይል ግዲኡ ክገብር ተሰማሚዑ።

ምልክን ምልካዊ ስርዓትን ብስሙር ህዝባዊ ሓይሊ ካብ ስሩ ቦርቚቕካ ከልግስ ዘለዎ እምበር ብለግቦ፡ ለጋግቦ ኣቢልካ  ዝሕሰብን ዝህቀንን ከንቱ ፈተነታትን፡ ንዘላቒ ፍታሕ ህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል ኣይኮነን። ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡ ብደረጃ ዞባን ኣህጉርን፡ ንናይ ሓባር ተመኩሮታትናን ሃገራዊ ተረድኦታትናን መሰረት ጌርና፡ ንህዝብና ብምልዕዓልን ብምውዳብን ሓያል ህዝባዊ ማዕበል ክረጋገጽ ይቃለስ። እዚ ናይ ዓወት ሃገራዊ ስትራተጂ`ዚ ከኣ፡ ካብ ህዝብን ብህዝብን ወይ ከኣ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝቐንዐ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኣቢልካ ዝትግበር እዩ ኢሉ ይኣምን።

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡  ነቲ ኣብ ቅድሜና ንዘሎ ህዝባዊ ብድሆታት ንምግጣም፡-

  1. ምስ መርማሪት ኮሚሽን እትደጋገፍን ሓይሊ ዕማም ምቛም ውዓል-ሕደር ዝባሃሎ ጉዳይ ኣይኮነን። ዝቖማ ሓይሊ ዕማማት ኣብ ገጊዜኡ ክቀያየራ ይኽእላ። መስርሕ ምርግጋጽ ብያኔ ፍትሒ ኣብ ውሱን ጊዜ ተፈጺሙ ዘይውዳእ ስለዝኾነ፡ ንቀጻልነቱን ዘላቕነቱን ዘውሕስ ብቅርጽን ብትሕዝቶን ዝተማለአ ህዝባዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህልዎ የድሊ ።
  2. ነቲ ጠንቂ ናይ`ዚ  ኩሉ ሕሰመ-መከራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ብህዝባዊ ቃልሲ ንምልጋስ  ብከተማ/ስተይት ብዞባን ኣህጉርን ብህዝባዊ ምልዕዓላት ናይ ሓባር ቅልጽም ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪታት ሓያል ኮይኑ ክወጽእ፡ ንስራሕ እተወሃህድ ሽማግለን ሓይሊ ዕማምን መሪጹ ኣኼብኡ ደምዲሙ።

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ታሕሳስ 2 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT