Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸገም ህዝብና ክንፈትሕ እምበር መንነት ኢሳያስ ከነጻሪ ግዜና ኣይነባኽን

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንኤርትራን ህዝባን ከጥፍእ ከምዝዓጠቀ፡ ሓራዲ፡ ዘማዊ፡ ሰኽራም፡ ቂምተኛን ገባትን ምዃኑ ብተግባር ንዕዘቦን ኣብ ነብስና ማእለያ ዘይብሉ ኣደራዕ ይወርድ ስለዘሎን መስካሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ናትና ቀዳምነታትን ኣድህቦን ድማ ኣብ ምርግጋጽ ክብርና፡ መንነትና፡ መሬትናን መጻኢ

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንኤርትራን ህዝባን ከጥፍእ ከምዝዓጠቀ፡ ሓራዲ፡ ዘማዊ፡ ሰኽራም፡ ቂምተኛን ገባትን ምዃኑ ብተግባር ንዕዘቦን ኣብ ነብስና ማእለያ ዘይብሉ ኣደራዕ ይወርድ ስለዘሎን መስካሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ናትና ቀዳምነታትን ኣድህቦን ድማ ኣብ ምርግጋጽ ክብርና፡ መንነትና፡ መሬትናን መጻኢ ዕድልናን እምበር ኣብ ምጽራይ ወለዶን መንነትን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወርቃዊ ግዜናን ገንዘብናን ከነጥፍእን ንሓድሕድና ክንወናጀልን ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ሰንካም ፖሊሲታትን ጋሕማጥ ኣሰራርሓን ስርዓት ህግደፍ’ውን ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት ብተግባር ስለዝተዓዘብናዮ ብዛዕባኡ መዓልትን ለይትን ከንኮማስዖን ከም ብዕሪር ክንሕይኾን ግዚኡ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ተግባርና ንህዝብና ዘሕዝን ንጸላኢና ድማ ዝያዳ ክረግጸና ዕድል ዝህብን’ዩ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብዛዕባ ምቅያር ባጤራ ናቅፋን ኣብ መንጎ ኢሳያስን መሰልቱን ተኸሲቱ ዘሎ ምፍጣጥን ቅልውላውን ዘብርህ ጽሑፍ ምስ ወጸ፡ ገለ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ምስቲ መበቆላዊ ጽሑፍ ዝተኣሳሰር፡ ማለት ስለምንታይ ባጤራ ናቅፋ ምቅያር ኣድለየ፡ ብምቅያር ባጤራ ናቅፋ’ኸ መን’ዩ ዝረብሕን ዝጉዳእን፡ ጠንቂ ምፍጣጥ ኢሳያስን ኣማሓደርቲ ባንኪ ኤርትራን ካልኦትን’ከ እንታይ’ዩ ኢሎም ኣብ ክንዲ ርእይቶታት ዝህቡ፡ “ኢሳያስ ኤርትራዊ ድዩ ኢትዮጵያዊ” ኣብ ዝብል ሕንቂልሒንቂሊተይ ነጥቢ ብምድሃብ ክትዕ ኣካይዶም። ምክታዕናን ዝተፈላለየ ርእይቶ ምሃብናን ክተባባዕ ዘለዎ ምዃኑ  ዘማትእ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ንዓና ኤርትራውያን ኣብዚ እዋን’ዚ ዝያዳ ዘገድሰና ዕማም፡ መንነትን መበቆልን ናይዚ ዘሳቅየናን ሃገርና ዘዕንዋን ዘሎ መራሒ ወይ በዓል ስልጣን ዘይኮነ፡ ንዕኡ ምውጋድን ኣብ ቦቱኡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ስልጣን ምትካልን’ዩ። ንዓና ኤርትራውያን ዝያዳ ከሕፍረናን ከሻቅለናን ዝግብኦ፡ ጸላኢ ህዝብና ተሰኪምና ንጓዓዝ ምህላውና’ዩ። ብዘይ ኤርትራዊ ዜጋ ንግዛእ ምህላውና ፈሊጥና እንተሊናን ምስኡ ምድቃስናን ድማ ስንፍናና ኢና ንገልጽ ዘለና። መንነትን መበቆልን ኢሳያስ ኣጻሪናን ፈሊጥናን እንታይ ኢና ክንረክብ? ኤርትራዊ ኣይኮንካን ኣጎዛኻ ጠቅሊልካ ናብ ዓድኻ ኪደልና ዲና ክንብሎ ንኢሳያስ ዋላስ ካልእ ረብሓ ኣሎና? ስለምንታይ ኢና ፍታሕ ሕሰምና ኣብ ምንዳይ ዘይነተኩር? ርኡይ እዋናዊ ጸገማትና ጠንቂ ስደት፡ ሞት፡ ጥሜት፡ ሕማም፡ ስእነት ፍትሒን ሰላምን፡ ምፍልላይ፡ ካልእ ተመሳሳሊ ጉዳያትን ምዃኑ ስለምታይ ይስወረና ወይ ስለምንታይ ንጎድኒ ንድርብዮ? መንነት ናይ ኢሳያስን ምስኡ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ፈተውቲ ነብሶምን ቦጅባጃትን ምጽራይ ንዓና ዘርብሓናን ፈታሒ ጸገምናን ኣይኮነን። ብኢሳያስን መሰልቱን ብልሙስ ተግባርናን ልሕሉሕ ሓድነትናን ንከዓብ ከምዘሎና ክንፈልጥ ኣሎና። ልዕሊ ኹሉ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩን ተዓፊኑን ዘሎ ሓፋሽ ህዝብና ተስፋ ከምዝስእን ንገብሮ ኣለና። ስለዚ ጸገም ህዝብና ክንፈትሕ እምበር መንነት ኢሳያስ ከነጻሪ ግዜና ኣይነባኽን ሞራል ህዝብና ኣይነውድቅ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሕዳር 29 2015)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Wedi Zere December 1, 2015

    My Dear Tsilal,
    Tseba sitey, you said it right and said it all. I couldn’t agree more. It has been a tragic quarter of a century since the shifta leader and his cronies came to power with an intent of harming the poor nation and its pathetic people. He did it in a way that the whole nation feels it. His unpredictable and immeasurable atrocities has no boundary and hit every household. From mass incarceration to execution, torture, disappearances NEVER ending slavery and systematic rape of our young girls have been done as a social experiment in front of our naked eyes and sadly we don’t seem to do anything about it. Instead, we are so busy focusing on his temperament, origin and non other pressing issues. What difference does it make whether he is from Tigray, Eritrea or Kenya if he is not a good leader.MAKE NO MISTAKE that we all hailed from Tigray and his origin shouldn’t be held against him but rather its character. These are the things that consume our energy, time and make us keep our eyes off the ball. For me,these are the sign of failure, cowardice and emasculation of a society. No wonder, the world is taunting us for our inaction and cowardice.

  • A H December 2, 2015

    ጽላል፡-
    ኩሉ ዝተባህለ ቲመሪር ሓቂ ስለ ዝኾነ ክብሪን መጎስን ንጠቓሲኡ ይብል።
    በዚ ጉዳይ’ዚኮ ሓሪርና፡ መራሕቲ ተቓውም ኣብ ምዝናይ ግዚኢም እንሕለፉ ህዝብኖ ክሳብ ዝጸንት ይጽበዩ ዘለው ኪይኑ ይስመዓኒ። ኩሎም መራሕቲ’ዚ ውድባት ናይቲ ሰውራና ነበር ኮይኖም፡ ገሊኦም ናይቲ ከዳዕ ሕብእቲ ሰልፊ፡ ገሊኦም ናይቲ ናይ ሓሶት መሪሕነት ነበር፡ ገሊኦም ድማ ናይቲ ናይ ሓቂ ህ ግንብርን ናይ ት ሓ ኤን ዝነበሩ’ዮም። ዓብለልቲ ግን ቶም ክልተ ቀዳሞት ከይኮኑ ኣይተርፉን። ቅድም ዝበልኩዎ ሕጂውን ክደግሞ እመርጽ፡ ሰማዒ ግን ስኢነ’ለኹ።

    ንሕና ሓደ እግርና ኣብ ጉድጛድ ዝኣተወ፡ ሎሚ ከነመሓድር ዕቕሚውን እንተሎ ሰማዒ ኣይክንረክብን ኢና ምንትምንታይሲ ሕሉፍ ታሪኽና ስለ ተበለለ። ክሳብ ሕጂ ዝኣኽለና ፈቲና ሕጂ ግን ንደቅና ነመሓላልፎ፡ ተሎ ንበል ግዜ ንሕልፈት ከይፈረደና፡ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ኣየእቱ ኣየውጽእ የግዳስ የብርስ። ገበናትና ክንሽፍን ንኸውን፡ ሃገር ከነጥፍእ ድልየት ከምዘይብልና ርድእ ይኹንምበር ኣኻሊ ኣይኮነን፡፡ መንእሰያትና ነበግስ፡ ሓላፍነት ነሰክሞም፡ ብዕቕምና ምርኩስ ንኹኖም፡ ድልድል ተኺልና ንሓብሮም፡ ኣብ ዓለም ነራኽቦም፡ ስራሕ ኣምባሳደርን መዓድትን ኣማኸርትን ንኹ፡ኖም፡ ዝተረፈ ግን ንዐኡም ነረክቦም ንሳቶምውን ዕማሞም ብዘይ ስክፍታ ከራግፉ፡፡
    መንእሰያትና ውን ተበጊስኩም ኣለኹም ግን ኣብ ሓደ። ብዘይ ዝንባሌታት ተጠራነፉ፡ መራሓትኹም ምረጹ፡ በትርኹም ከም ዘንጊ ሙሴ ኣንውሑ፡ ብዘይ ፍልልይ ንቕድሚት መርሹ፡ ዓወትና ኣቀላጥፉ።
    እንተ ማርሾ በናና ኤሱ ዝረግጾ እናተጸበየዩ፡ ሸታሕ ዝብለሉ ተሲኢኑ ግን ሂወት የብሉን፡፡ እንተ ሃገር ማለት ግን ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ክሳብ ስምዒትና ኤሪትራዊ ዝኸውን ብመንነት ሃገራውያን ኢና፡፡ መለለይና ስምዒትና ስለ ዝኾነ፡ ግብርናውን ነጸብራቕ ናይ ስምዒትናዩ፡፡ መን ካብ መን ምልላይ ንዳሕራዩ ተሓርቢቱና ንርኢ በሃላይ’የ። በሉስከ ተብተብ፡ ንበል ግዜ ከይ ዘረየ።

  • ወዲ ኣይተ December 2, 2015

    በቲ ዝተጠቅሰ ሙዕዶ ጽላል ይሰማማዕ ኢየ።ኮይኑ ግን፡ ኢሳያስ ማለት፡መንነቱ ብዘየገድስ፡ ቀንጻሊ፡ ጠላሚ፡ትዕቢተኛ ብሙኻኑ አሪትራዊ ዘብሎ ነገር የለን።ይኹን’ምበር ከም ሓደ ኣምላኽ ዚኣምንዎ ኢንዳሃለዉ መንነት ኢሳያስ ክፍለጥ ቀዳማይ ሕቶ ኢንዳኾነ መጺኡ ኣሎ።ከመይ’ሲ፡ ናይ ብሓቂ ኢትዮጵያዊ ኢንተ ኮይኑ ገና ኣብ ትሕቲ ግዚኣት ኣለና ማለት ኢዩ።ኢወ፡ኣብ “ምድረ-ሓበሻ” ናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ ዝብል ጥቅሲ ኢቲ ዝበለጸ ፖለቲካ ብሙዃኑ መንነቱ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

  • AHMED SALEH December 2, 2015

    Tselal
    I admire and enjoy reading your articles .
    Regardless Issayas origin we are in denial to admit that Eritreans
    are responsible for succeeding his wicked agenda . Hagos Kisha ,
    Yemane Monkey and others few are powerless in comparison with our
    corrupted politicians and military high rank officials where all
    of them hail from Eritrean origins .
    I agree , we should focus to eradicate evils regardless which origin
    they belong to . At same time we must recognize comments that seem
    destructive from suspicious intruders .

POST A COMMENT