Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ኣብ 18 ኣዋርሕ ከምዝድረት ከምዝገበረ ዝዘርግሖ ወረ ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑ፣ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ መስኪሩ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ከምዝድረት ከምዝገበረ ብፍላይ ንዲፕሎማሰኛታት ንምትላል ዝዘርግሖ ወረ ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑ ከምዘረጋገጸ፣ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ 57 ገጻት ዘለዎ ሰፊሕ ጸብጻብ መስኪሩ። ኣሚኒስቲ ኢንተርናሺናል፣ ካብ መፋርቕ 2014 ንደሓር

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ከምዝድረት ከምዝገበረ ብፍላይ ንዲፕሎማሰኛታት ንምትላል ዝዘርግሖ ወረ ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑ ከምዘረጋገጸ፣ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ 57 ገጻት ዘለዎ ሰፊሕ ጸብጻብ መስኪሩ።

ኣሚኒስቲ ኢንተርናሺናል፣ ካብ መፋርቕ 2014 ንደሓር ናብ ስደት ምስ ዝመጽኡ ልዕሊ 72 ኤርትራውያን ኣብ ዘካየዶ ቃለመጥየቓት ተመርኵሱ ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ፣ ኣብ ንውሓት ግዜ ይኹን ምረት ስቅያትን መከራን እቶም ተገዲዶም ዝተዓስከሩ ዜጋታት ዝተራእየ ዋላ ሓደ ለውጢ ከምዘየልቦ ኣገንዚቡ። ኣብ ቃለመጠየቓቱ ሰብኡተን ወይ ድማ ኣንስቶም ኣብ ኣገልግሎት 20 ዓመት ዝገበሩ ግዳያት ከምዝረኸበ ‘ውን ጠቒሱ።

እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታት ብሰንኪ ‘ቲ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይቲ ስርዓት ዝወርድ ዘሎ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣደራዕ ይቕጽል ኳ እንተሎ፣ ገለ መንግስታት ኤውሮጳ ንመደናገሪ መግለጺታት ናይቲ ስርዓት ብምእማን፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ኣምሲሎም ከናፍሱዎ ንዝጸንሑ ሓሶት ዘቃልዕ ምዃኑ ‘ውን እቲ መግለጺ ብተወሳኺ የብርህ።

እቲ ብሰንኪ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት መዕገቲ ተሳኢኑዎ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ከም ኣካል ናይቲ ዓለማዊ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣቓልቦ ተዋሂቡዎ፣ ንኤርትራውያን ኣህጉራዊ ዑቕባ ክወሃቦም ከምዝግብእ ‘ውን ኣትሪሩ ጸዊዑ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ደሞምን ረሃጾምን ኣብ ዝኸዓዉሉ መሬት ዓደቦኦም መሰረታዊ መሰላት ምንባር ነፊጉ ዘንፈጾም ኤርትራውያን፣ ማሕበረሰብ ዓለም ዑቕባ ከይህቦም ብምጽዋዕ ካልኣይ ግዜ ክቕጽዑ ቀጻሊ ጎስጓሳት ከካይድ ጸኒሑ እዩ። እዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ከምዝተደረተ ኣምሲሉ ብፍላይ ን ወጻእተኛታት ንምድንጋር ዝገበሮ ናይ ሓሶት ዘመተ፣ በዚ ናይ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽን ምስክርነት ምቅልዑ ድማ ነቶም መዓልቦኦም ጠፊኦም ከርተት ዝብሉ ዘለዉ መሳኪን ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓቢ ደገፍ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • aron December 3, 2015

    nay behaki enquie alemat feleteo nazi sereat amet metse mebetsea ketegber nay hasot netom desededu deleu eshelat meneseyat okba nekeywehabom zegeber delo genzeb nekerekeb elu u benedeb mehesaw tetehahezewo yerekeb

  • abrham December 4, 2015

    Atum sebat ezom kabzi tetekisu zelo kutsri(72)sebatsi neti lieli50ziedmien anistin 79ziedmiom sebutin mietack ayreayun aysemun malet dyu?higdef hasiu endatekatees nihna kea haki nimngar hafirna.Walas kab zihatenakum hanti netbi kytiwsku elemom.ERITRAWI MKUAN KIHASIM

  • kesete December 4, 2015

    ዝገርም እዩ እቲ ሓቂ ኣውጺኦሞ ጋዜጠኛ ቮይስ ኦፍ ኣመሪካ ደኣ እንታይ ክብል እዩ ሕጂ ኣቶ ተወልደ ወልደገብሪኤል በዚ ኣጋጣሚ እዚኦም ከ እንታይ ክትብሎም እካ ኪብሎ መደለኩ ዘለካ ሞያ ድማ ክትቅይሮ ሚመከርክዎ መኪንያቱ ሓቂ ስለ ዘይቲመልቆ

POST A COMMENT