Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊስን ምሕደራን ትምህርቲ፡ ዓውዲ ትምህርቲ ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናጽነት ፍረ-ኣልቦ ከምዝነበረ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምዕባል ካሪክለምን ምስትምሃርን ዝነጥፉ ዝነበሩ ክኢላታት፡ መማህራን ዩኒቨርሲትን ተሳተፍትን ትማሊ 13 መጋቢት ኣብ ለንደን፡ ዓባይ ብሪጣያን ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።

wegብመጀመርያ ካብቲ ስጋ ሰብ ለበስ ኣራዊት ስርዓት ህግደፍ ብሰላም እንቓዕ ወጻእካ ክብለካ ይፈቱ ብምቕጻል አቲ ኣራዊታዊ ባህርያት ህግደፍ ብጭብጥታት ኣሰኒኻ ብምቕላዕካ ምስጋና ይግብኣካ:: እዚ ድማ ሓደ ዓቢ ነገር አዩ:: ኮይኑ ድማ እዚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ምዃኑ እዩ ምኽንያቱ ኣብ ዓለም መንግስታት ይኹኑ ውልቀሰባት ሎሚ ውሃ ዘበለ ብዓይነቱ ብዓይነት ኣባላቱን ቤት ትምህርትታት ክሰርሑ ድቓስ ዘይብሎም ይሓድሩ ኣለዉ ኣብ ኤርትራ ድማ ውሃ ዘበለ ኣብያተ ማእሰርትታት ክሰርሑ ከይደቐስካ ምሕዳር እዩ:: እቲ ኢሰብኣዊን ጨካን ኣተሓሕዛን ድማ ብኡ መጠን ይዛይድ ግና ይንዋሕ ይሕጸር ካብ ተሓታትነት ከምዘይሃድሙን ፍረ ዕብዳኖም ድማ ክሓቕፉ ምዃኖም ጊዘ ባዕሉ ከርእየና እዩ::

እቶም ንነብሶም ከም ፈጠርቲ ኤርትራ ዝርእዩዋ ውልቀመለኽቲ፡ ኣብ ነጻነት ካብ ዘፍረዩዎ ዘዕነዉዎ ስለዝበዝሐ 'ኣብ ጥርሙዝ ቴለቭዥን ብቕያን ታሪኽን ናይቶም ዝሓለፉ ጀጋኑ ክምልክዑ ሒዅ ይብሉ 'ኳ እንተለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ናይቲ ትማሊ ዘሐብን ታሪኽ፡ ካብዚ ናይ ሎም ዘሕንኽን ዘስገድግድን ተግባራቶም ዝነፊ ልቢ ኣለዎ።