Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 ብዛዕባ ህ.ግ.ደ.ፍ እንታይ ክትጽሕፈሉ፡ እንታይ ከ ክትዛረበሉ፡ ኩሉ ነገራቱ ከምዘይሓልፍ ተቐሊዑ እዩ ዝብሉኒ ሰባት ኣለዉ። ኣይተጋገዩን። ብዛዕባኡ ዘጽሕፈኒ ዝያዳ፡ ብዝክኣለኒ ዓቕሚ ከቃልዖ ኢለ ዝፍትን፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት ግና፡ ጸላእየይ ከይርስዕ እዩ። ከምኡ እውን ንዕኡ ብዙሕ ኣይትውቀሶ ኣይትህረሞ ዝብል ርእይቶ እሰምዕ። ዝሃርሞ ዝወቕሶ ዝነቕፎ ከኣ፡ ክዕረ ኢለ ኣይኮንኩን። ፈሪሱ ክጒሓፍ ስለዝደልዮ እዩ።

alenaብ 1991 ጋማ ናጽነት ክትኣስር፣ ኣኽሊል ሓርነት ክትጉምጎም Gobyeዝተጸበናያ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን20 ዓመታት ክርዳድ ፈርያ። ህዝቢ ኤርትራ ንዕስራ ዓመታት ብከንቱ መብጽዓታት ንከንባሁቕ ተገዲዱ።

ኪዳንሚርያም፡ ኣየ ገባር፡ ናጽነት ኮ ናይ መግዛእቲ መወዳእታ ምበር ናይ ቃልሲ መወዳእታ ኣይኮነትን። ከምዚ ሕጂ ናጽነት ዝናር ዝዓጠቑ ተጋደልቲ ዘድልዩዋ፡ ሽዑ ኸኣ፡ ምበር ምእንቲ ምዕባለ ኣእምሮኦም ፈልጠት ዝዓጠቐ ሃነጽቲ ከድልዩዋ ኢዮም ‘ዛ ሃገር።