ተባዕ ቢተወደድ፡ ከማኻስ ኣይሓድ! (ግጥሚ - ቅድሚ 10 ዓመት) ኣንታ ሕቡእ ጅግና መን ቀበረካ ብህይወትካ ገና፡ ንስኻ ኣብ ማዕቡጥ ምስ ምሉእ ልቦና ሃገርናስ ቓዚና ዓሪቑ ዝባና ንዓኻን ከማኻን ስኢና። ብሽመት ዘይጥበር ብፍርሒ ዘይሽደድ ብግዜ ዘይቅደም ብገንዘብ ዘይእበድ፡ ተባዕ ቢተወደድ ከማኻስ ኣይሓድ ሽሕ ኮይኑ ይወለድ! ምስ ተጋዳላይ ጎያዪ ምስ መንእሰይ ተላሃዪ ምስ ምሁር ዘታዪ፤ ኣብ ኵናት ኣላዪ ኣብ ዋዕላ ዘይመናሕሰዪ ጠዋር-ሰላም ጎብለል ሓዊ። ጣቋኻ ዲዩ ተጸሊኡ ወይ ድፍረትካ መሊኡ ዓይኒ