Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ብኢሳያስ እትምራሕ ኤርትራ ንከባቢን ዓለምን ሓደገኛ ከምዝኾነት ገሊጹ፡፡

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ መበል 70 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኤርትራ ንከባብን ዓለምን ሓደገኛ ከምዝኾነት ገሊጹ፡፡ ንሱ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝጋባእ ዘሎ ዋዕላ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ 2008 ሰሜናዊ

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ መበል 70 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኤርትራ ንከባብን ዓለምን ሓደገኛ ከምዝኾነት ገሊጹ፡፡ ንሱ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝጋባእ ዘሎ ዋዕላ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ 2008 ሰሜናዊ ግዝኣት ሃገሩ ድሕሪ ምውራሮም ነቲ ውጥረት ንምእላይ ብተደጋጋሚ ጥርዓን ከምዘቕረበ ኣመልኪቱ፡፡ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፡ ሃገሩ ነቲ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕበራት ሃገራት ዓረብ፡ እስላማዊ ጉባኤን ሕቡራት ሃገራትን ምሕጽንታ ብምቕራብ ዘካየደቶ ፈተነ ኤርትራ ጸማም እዝኒ ከምዝሃበቶ ገሊጹ፡፡ ነቲ ዶባት ክምልከትን ብኤርትራ ዝተታሕዙ እሱራት ክፍትሑን ብኣሚር ቐጠር ዝተገብረ ጻዕሪ ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ከምዝዓንቀፈቶ ሓቢሩ፡፡ ፕረዚደንት ዑመር ገለ ኣስዒቡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2009 ከምኡ እውን 2011 እቲ ወጥሪ ክፍታሕ እሱራት ክልቀቑ ውሳኔ ከምዘሕለፈ ኣዘኻኺሩ፡፡ እቶም ብኤርትራ ተታሒዞም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣምሊጦም ቃለምስክርነቶም ድሕሪ ምሃቦም እውን እንተኾነ ፡ ኤርትራ ዛጊት ንተግባራታ ከምዝኸሓደት ኣፍሊጡ፡፡ ሃገሩ ሰላም ንምስፋን ኣብ ዘተን ምርድዳእን ከምእተኣምን ብምርግጋጽ ድማ፡ ንልኡላውነት ሃገሩ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘየእቱ ኣጠንቂቑ፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • yitbarek October 13, 2015

    ብጣዕሚ ዘሕዝን ግን ኤርትራውያን ብናይ ኢጣልያን መርፍእ ዝተበረዙ ምዃኖም ክሳብ ሐዚ ካብ ኣተሓሳስባ ናይ ጣልያን ዘይምውፃእ ብጣዕሚ የሐዝን
    ስለ ተምቤን ምንጋር እንታይ ኣምፅኦ ራእሲ ኣሉላ ካብ ጣልያንን ግብፅን ክትናገፉ ይዋገአልኩም ነይሩ
    ስየ ኣብርሃ ድማ ካብ ደርጊ ክትናፉ ይዋገአልኩም ነይሩ ዘክሩ ሳለ ህወሓት ኢኹም ክሳብ ሐዚ እነኹም እምበር ኣብ ኢትዮጰ ያ ዘለው ተቛወምቲ ስለ ነፀነት ኤርትራ ዘይኣምኑ እዮም ኣብ ሳሕል ደርጊ ንህዝባዊ ግምባር ኣብ መንቀርቀር ከእትዎ ከሎ ኮ እቲ ሐዚ ቁፅሪ ሓደ ፀላኢና እትብልዎ ህወሓት እዩ ካብ መንቀርቀር ዘናገፈኩም እዚ ታረክ ባዕለኹም ኣፅቢቅኩም ትፈልጥዎ ኢኹም ኣብ እዋን ቃልሲ ናብ ትግራይ ክንሕግዝ ክንመፅ ዝብል ዝነበረ ህዝባዊ ግምባር ክሕግዝ ዘይኮነስ ብረት ክመቐል እዩ ዝመፅእ ዘነበረ፣ እዚ ሓቂ ኣብ ኩናት ሽረ ባዕሎም መራሕትኹም ብረት ሃብና ኢሎም ዝናገሩ እዮም
    ሰለዚ ትግራይ ኣይትፅረፉ ከም ተግባርኩም እንተዝኸውን ነይሩ መሬት ትግራይ ምውሓጠትኩም ነይራ ኣሻሓት ስደተኛታት ኣይምተቐበለትን ነይራ

POST A COMMENT