Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ የመንን ተቓወምቲ ሕቱን ብርቱዕ ኵናት ይካየድ ከምዘሎ ኣሾሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ካብ ትማሊ ሰንበት ኣትሒዙ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ኣከባቢ፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ የመንን ተቓወምቲ ሕቱን ብርቱዕ ኵናት ይካየድ ከምዘሎ ኣሾሸይትድ ፕረስ፣ ንጸጥታዊ ምንጭታት የመን

ካብ ትማሊ ሰንበት ኣትሒዙ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ኣከባቢ፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ የመንን ተቓወምቲ ሕቱን ብርቱዕ ኵናት ይካየድ ከምዘሎ ኣሾሸይትድ ፕረስ፣ ንጸጥታዊ ምንጭታት የመን ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቶም ምስ መንግስቲ ይኹን ተቓወምቲ ጸግዒ ካብ ምውሳድ ተቖጢቦም ዘለዉ ምንጭታት ክብል ዝጠቐሶም ምንጭታት፣ እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ምትሕብባር ናይ ኣመሪካን ምሓዙታን ዘለዎ ሽርክነት፣ ነቶም ደገፍቲ መንግስቲ ሞክሓ ናብ ዝተባህለት ኣብ ከባቢ ናይቲ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዘእቱ ኣዝዩ እስትራተጂካዊ መጻብቦ እትርከብ ከተማ መንገዲ ንኽጸርገሎም ነቲ ውግእ የካይዶ ከምዘሎ ይገልጹ።

እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሽዓውያን ተቓወምቲ ሑቱ ነቲ ከባቢ ንሓያለ ኣዋርሕ ተቖጻጺሮሞ ‘ኳ እንተጸንሑ፣ እንጻር ‘ቲ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ የመን፣ ከምኡ ‘ውን ንደቡብ የመን ክንጽልዎ ዝደልዮ ዕጡቓት ምልሻታት ናይቲ ከባብን ጥሩፋት ተኸተልቲ ሱኒን ኣብ ከቢድ ውግእ ተጸሚዶም ከምዘለዉ እቲ ዜና ይሕብር።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፣ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝተወግአ ኣባላቱ ኣብ ጀርመን ሕክምና ክወሃቦ ድሕሪ ምጽንሑ ከምዝሞተ ብወግዒ ገሊጹ።

ነፈርቲ ናይቲ ብስም ስዑዲ ዓረብ ዝጽዋዕ ዘሎ ምሕዝነት ካብቲ ኣዝዩ ቀረባ ርሕቀት ዘለዎ ወደብ ዓሰብ እናተበገሳ ነተቓወምቲ ሑቱ ይድብድባኦም ከምዘለዋ ይጥቀስ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Suleiman Salim October 5, 2015

    “ብኢራን ዝድገፉ ሽዓውያን ተቓወምቲ ሑቱ ”

    ኣብዚ ሰዓት እዚ ብኢራን ይሕገዙ እዮም ኢልካ ምዝራብ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ሑሲይን ሺዓውያን እዮም ዝብል ኣበሃህላ ቅኑዕ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ንሳቶም ብሃይማኖታዊ እምነቶም ካብ ናብ ሺዓ ናብ ሱና ይቐርቡ። ብፖለቲካዊ ኣራኣእያኦም ግን ኣብዚ መጨረሽታ ግዜ ናብ ኢራን ገጾም ይዛዝዩ ከም ዝነበሩ ዝሳሓት ኣይኮነን። እዚ ክንብል እንከለና ግን ብወታሃደራዊ ይኹን ዋላ ቁጠባዊ ሸነኽ ካብ ኢራን ብዙሕ ረብሓ ረኺቦም ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ካብ ኢራን ናይ ብሓቂ ሓገዛት ይረኽቡ ኔሮም እንተ ዝኾኑ ገለ ካብ እዘን ለይትን መዓልትን ድቃስ ዝኸልኣኦም ዘለዋ ነፈርትን ሄሊኮፕተራተን ከውድቑ ምስ ከኣሉ ኔሮም።

  • Suleiman Salim October 6, 2015

    ትርጉም ናይ ” ባብ ኣል-መንደብ ” ብትግርኛ ” ፍቕያ ሓዘን ” ኢለ ዝጸሓፍክዎ ምስ እዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ ርክብ እንከለዎ ስለምንታይ ደምሲስኩሞ? ባብ ኣል-መንደብ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ናይ ሓዘንን ንብዓትን ቦታ ኢዩ ኔሩ። ሕጂ ድማ እነሆ ደም ምፍሳሰን ምቅትታልን የርእየና ኣሎ።

    ናይ ኣስማት ትርጉም ካብ ኣልዓልና ” ሰዌዝ ካናል ” ብትግርኛ ” መትረብ ስዌጽ ” ከም ትባሃል ትፈልጡ ዶ ? ንሳ ግን ኣይ ከም ባብ ኣል-መንደብን– ሕማቕ ፋል የብላን።

  • lilay October 7, 2015

    ማስጣ እቲ ብሰንጢን ካራን ዝሓርድዎ ዝነበሩ ንጹህ ኤርትራዊን ኢትዮጵያዉን አዩ ዝወርዶም ዘሎ። ኢዚኦም ሲ ልሕስ ይበሉ። ን ኹሉ ኣብ ጊዚየኣኡ ፈጣሪ ከም ዝቐጽዖ ክርደኦም ዩ።

POST A COMMENT