Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወለድና ከም ለባማትን ብተፈጥሮ ከይተማህሩ ምሁራትን ምንባሮም ካብ ዘራጋግጸልና ሓቅታትን ጭብጥታትን ኩሉ ዝመሰለዎ ካብ መዓልታዊ መናባብርኦምን ካብ ዘጋጥሞም ዝነበረ ዓብላልን ትምክሕትን ጽበትን ፈተነታት ብምብጋስ ይምስልዎ ምንባሮም እነሆ ካብ ወለዶ ንወለዶ ክንምሃረሉን፡ ክንምህረሉን፡ ክንእረመሉን፡ ክንእርመሉን፡ ከነማሓድረሉን፡ ክንምሓደረሉን፡ ዘልኣለማዊ ነባሪ ርስቲ ኣውሪሶምና ምሕላፎም ክብርን ሞጎስን ንዐኦም ይኹን ኣሜን።

Kinijitተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት ዕለት 15/02/2010 ኣብ ናይ ኢትዮጵያውያን ፓል-ታልክ ሩም Ethiopian review.com on line ብኤልያስ ክፍለተመሪሑ፡ ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን ደገፍትን ወከልትን መንግስቲ ኤርትራ ከም ዶክተር በርሀ ሃብተጊዮርጊስን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ፓል-ታልክ ልዕሊ 200 ሰባት ሰሚዕዎ።

ርጉም ዉላድ ኣይወለድ ፡ እንተተወልደኸ ማይ ይለድ።ሓደ እዋን ደርሆ ያኢ ከምቲ ኩሉ ፍጡር እግዝኣብሄር ዝሰርዓላ ቛርፍ ወይ(ዕለታዊ ምግባ) እናማእረረት ሰላማዊ ናብራአ ትሕልፈሉ ኣብ ዝነበረት ጊዜ ወደይ ኢላ ትንየተሉ ዝነበረት በቲ ሰላማዊ ናብራአ ዘይታሓጎሰ ዉላዳ፡ሰላማዊ ናብራአ ንምዝራግን ንምኹላፍን መጺኡ እተን ኣምላኽ ዝዓደላ መናፍራ ነጽዩ ቆርበታ መሊጡ ሰደዳ። ወያ ዶርሆ እዚ ኩሉ መግፋዕትን ጭካነን ኣብ ነብሳ ወሪድዋ ክንሳ ዝዉር ኢላ እንደገና ናብኡ ተመልሰት።

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ከምዝተቐስናዮ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብጥምየት ኣመኽንዩ ንህዝቢ ካብቲ ንዘበናት ዝነበረሉ፡ ኣብያተ ክርስትያኑን መሳጊዱን ዑና ኣቦታቱን ዝተተኽሎ ዓድታት ብግዴታን ምትላልን ከፈናቕሎ ዝሓንጸጾ ውጥን ህዝቢ ይቃወሞ ‘ኳ እንተሎ ብወለንታ ኣምሲሉ ከተግብሮ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ከካይደሉ ጀሚሩ ‘ሎ።

Eመንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ሰላም ኣልጀሪስ ንኹሉ ወይ ብኸፊል፡ ንግዚኡ ወይ ንሓዋሩ ክስርዞ ይሓስብ ምህላው፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዘፍለጦ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።