Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ፡ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራ ሃገራት እገዳ መገሻ ዝተገብረሎም ከምኡ ‘ውን ህጹጽ ኣዋጅ ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ስልጣን ኣመሪካ ዝውግዞም ወጻእተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ኣዋጅ ከምዘውጽአ ካብ ‘ዋይት ሃውስ’ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣገንዚቡ።

 

ግብጻዊ ኦፕሬተር ሳተላይት ፡ ‘ኣራብሳት’ ን14 መስመራት ቴለቭዥን ሊብያ ደው ከብለን ብናይ ካይሮ ቤትፍርዲ ከምዝተኣዘዘ ‘ራፒድ ቲቪ ኒውስ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

 

ዋና ሓላፊ ጸረ-ግብረሽበራ ‘ዋይት-ሃውስ’ ጆን ብሪናን፡ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት የመን ብምርካብ ኣመሪካ ኣብ የመን ቅልጡፍ ምስግጋር ስልጣን ክግበር ድሌት ከምዘለዋ ከምዝገለጸሉ ኣሾሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።


US_Pakistanመንግስቲ ኣመሪካ ‘ፓኪስታን ኣብ መኸተ ግብረሽበራ ቁልፊ መሓዛ ‘ያ’ ብምባል ነታ ሃገር ክህቦ መዲቡዎ ዝነበረ $800 ሚልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበሎ ካብ ‘ዋይት ሃውስ’ ዝተዋህበ መግለጺ ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።

chavezጥረ ካንሰር ካብ ኣካላቱ ከምዝተወገደሉ ብሃንደበት ዝገለጸ ፐርዚደንት ቬንወዝዌላ ሁጎ ቻቬዝ፡ ኣብ ኩባ ዝግበረሉ ዘሎ ሕክምናዊ ክንክን ዋላ 6 ወርሒ እንተወሰደ ነታ ሃገር ብማዕዶ ክመርሓ ሕጊ ከምዘፍቅደሉ ምክትል ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ከምዝገለጸ ነው ዮርክ ታይምስ ሓቢሩ።