Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካልኣይ ምዕራፍ መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ብዛዕባ ድርብ ኪዳን ናይዝጊ ክፍሉን ኢሳይያስን  ኢዩ ኣስፊሩ ዘሎ፣  “ኣቦይን ኣደይን ነንበይኑ ጸሎቶም” ከም ዝበሃል ድግም። ኣብ ጉዳይ ገበነኛ ናይዝጊ ክፍሉ ጸሎትናን ጸሎት ኢሳይያስን ነንበይኑ ኢዩ ጸኒሑ፣ ሕማም ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ንዝክረሉ ዝነበርና ግዜ። ‘ከቢድ ሕማም ካብ ሞት ነይሓልፍ’

READ MORE

   “…ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዘዐወተና ረቛሒታት ምዕቃብ ምስጢር ኢዩ። ስለዚ ምስጢር ክትዕቅቡ ኣለኩም። ኣነን ኢሳይያስን እንፈልጦ ናይ ሳሕል ምስጢር ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝንገሮ፣ ብሙሉኡ እዚ ህዝቢ’ዚ ምተጸለለ ነይሩ።” ቃል ናይዝጊ ክፍሉ ሚኒስተር ዜና ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንኣኼባ ሓለፍቲ እቲ ሚኒስትሪ ካብ ዝበሎ። ሞት ገበነኛታት ህግደፍ ክቕጽል ኢዩ።

READ MORE

“ዱላ ግርም መድሃኒት ኢያ! ደርግ ብዱላ ምስ ተደሰቐ ኢዩ እሺ ሐራይ ኢሉ ኣብ ኣትላንታ ዝተባህለት ከተማ ብሰላም ንክዘራረብ ተቐሲቡ። ሕጂ’ውን ክሳብ መንግስቱ ሃይለማርያም ስዩም ዝብልን ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝኸውንን ብዱላ ክዝበጥ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እቲ ምንታይ ሰላም ንደርግ መዘናግዒ ገበጣ’ምበር መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝጀመሮ ጉዳይ

READ MORE

ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2012 ንኩሉኹም ተኸታተልቲ ጽሑፋት ደምበ ኣለና። ንኣመንቲ ክርስትና ኤርትራውያን ከኣ ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልኩም!! ከምቲ ነፍስ-ሄር ኣቦና ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ናይ ቀደም መጽሓፎም፦ ‘ቂም-ቂም ሰዓት ኣኺላ’ ዝበልዎ፤ እነሆ ድማ ሎሚ መዓልቲ ምስ መዓልቲ፣ ሰሙን ድማ

READ MORE

ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘለኹም ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። እነሆ እምበኣር እቲ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ከምኡ’ውን ‘ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ’ ብዝብል ኣርእስትታት ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተጀመረ፤ 35 ክፋላት ጽሑፋት ‘ኣለና’ ናብ መደምደምታ በጺሑ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኩላቶም ኣብ መርበባብት ኢንተርነት ብተገዳስነት ዝሰቐልዎ፤ ብረድዮታት

READ MORE

ብሰንኪ ሕንቃቐን ምሒር ጥንቃቐን፣ ዝናን-ባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢኖም ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ፣ ኣብ’ዛ ኤርትራና ወሪዱ፣ ንአኮኖሚ ፖለቲካን ማሕበራውን መዳያትና ልቡን ቀልቡን ኣጥፊኡሉ ዘሎ ቅልውላው ብዓቕመይ ከንጸባርቕ ዝፍትነሉ ዘለኹ ጻዕሪ’ዩ። እወ እቲ ጸገም ኣበይ’ዩ ዘሎ መፍትሒኡ ሃሰስ ምእንቲ ክንብሎ’ዩ እቲ ጻዕሪ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ዓውድኻ

READ MORE

ብሰሙኑ! ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዓቢ ውራይ ኢዩ ክቕኒ፤ ውራይ ሃገራዊ ጉባኤ። ሃገራዊ ጉባኤ ፍረ ሃገራዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ስለዝኾነ፣ ንውጽኢቱ ብሃንቀውታ ክንጽበዮ ባህርያዊ ኢዩ። ንዝጎዓዞ መንገዲ ሽግ ክንውልዓሉ፣ ንዝበጽሖ ደረት-ትርኢት ድማ እምነ-ኩርናዕ ከነቐምጠሉ ዝግባእ’ኳ እንተኾነ፣ ማዕረ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንክሰርሕ ማዕጾ ኮሚሽን ካብ ዝኹሕኳሕ

READ MORE

ርሑስ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣልሙባረክ! ህዝቢ ኤርትራ ናብ መጋርያ ጥፍኣት ኣብ  ዝተሰንደወሉ ግዜ፣ ንሕልና ኣዴታት ዝድብስ ሰብ ኣብ ዝተሳእነሉ ዘመን ኣካሒዳ፤  “እዚ ውን ይሓልፍ!”ዝብል ማህሌት፣ ኣብ ጽላት ምድረ-በዳ ሲናይ ኣንቢብና። እዚ ማህሌት’ዚ ኣብ መወዳእታ ምፍናው ሂወት፤ ብደም ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተጻሕፈ ናትና ቃላት ኢዩ። ትሩፍ ድሕሪ ደጊም!

READ MORE

ኩላትና ኤርትራ ኢዩ ድምጽና። ንግሆን ምሸትን ጸሎትና፣ መኣዲና ክንጅምር ክንውድእ ኤርትራ ኢና እንብል። እወ እቲ ምንታይ ንሳ ዝለዝኾነት ውርሻና። ኦ…መኮንናት ኤርትራ! ዕድመ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምንዋሕ፣ ነታ ሰባብ ኤርትራውያን ዘጽነተት በትረ ስልጣኑ ንምሕላውን ስቓይ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝብኹም ንምኽዕባትን፤  ‘ተር ከም ዓተር’ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተተቲዕኩም

READ MORE

ሰላም ተኸታተልቲ ጽሑፋት ዋዜማ ዘመነ ቅብጸት ኢሳይያስ! ቁሩብ ስራሕ ስለዝጸዓቐኒ ዝግ ኢለ ቀንየ’ሞ እነሆ ተኸታታሊ ጽሑፍ ደምበ ኣለና። ቅድም ቀዳድም ነቶም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሙሉእ ዓለም “ስመር” ብዝብል ቴማ ብሰላማዊ ሰልፊታት ዝምክቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ኤርትራውያን መንእሰያት ድማ ብፍላይ ክብሪ ይወሃቦም። ንህዝቢ ኤርትራ ጸባ

READ MORE

ዝኸበረ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ነቲ ስለ ናጽነት ሃገር ክብል ንሰላሳ ዓመታት ሱባኤ ኣትዩ ፍረ-ጻማ ናጽነት ዝረኸበን፤ ክብርታቱን መሰላቱን ብህግደፍ ዝተጨውየን ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ኤርትራ።

እለናብትኽክል ምግምጋም ካብ ጌጋን ባዕላውነትን ዘድሕን ጥበብ ኢዩ። ደምበ ኣለና ከም ህዝብና ብዝቐሰምናዮ ግብራዊ ተመኩሮ፣ ሓባራዊ ጉዕዞ ስንጭሮታትን ተረተር ሳሕልን፣ ንነፍስ-ወከፎም እዞም ሎሚ ኣብ ዘመነ-ኣካሒዳ ብመንፊት ኢሳይያስ እናተመመዩ ዝመጹ መራሕቲ ህግደፍ፤

alenaኣብ ናይ ሎሚ ርክብና፣ ንኩላትኩም ብምቛም “ሃገራዊ ምንቅስቓስ ደምበ ኣለና” ዝተሰመዓኩም ሓጎስ ንምግላጽ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ዝሰደድኩም ብሓበራ፤ ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ሃይማኖት ክልቲኡ እምነታትና፣ ውድባት፣ ሰልፊታትን ሓለፍቲ ብሄራዊ ምንቅስቓስን ብልቢ አመስግነኩም። እቶም ብዛዕባ ጉዳይ መጽሓፍ ዝሓተትኩም ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብተደጋጋሚ ዝበልኩዎ፣ ኣነ ኣዳልየ ካብ ዝውደኣ ሓያሎይ ኣዋርሕ ገይራ ኣላ።

ጀርመን ኣብ ኣርበዓታት፣  ኤርትራ ኣብ ዘመነ-ሚለንየም!

Alenaብድሕሪ ኲናት ባድመ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ሚለንየም ጉሒላ ኢሳይያስ ‘ተንኮለኛ ጉድጓድ ንኮዓቲኣ’ ኮይኑዎ፤ ህድኣትን ሰላምን ኣይረኸበን። እዛ ዘለናያ ዓመተ-2011 ከኣ ገበነኛ ኢሳይያስ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተኾልኲሉዎ ዝወፈረ ናይ ጥንቲ ድጉል ሕልምታቱ ዝቐበጸላ ዓመት ኢያ። “

Alena

ርሑስ በዓል ትንሳኤ፣ ንኩሉኹም ምእመናን ክርስትና!

“ጽሑፍ ይነውሕ ኣሎ” ዝብል ተደጋጋሚ ርእይቶ ተኸታተልትና ክንቅበል ጸኒሕና ኢና። ስለዚ ካብዛ ክፋል እዚኣ ንደሓር ኣብ ክንዲ 6-7 ገጻት፤ ናብ 4-5 ገጻት እናኣሕጸርና ክንቅጽል ኢና። ኣብዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ኣዋርሕ ደምበ ኣለና ኣርባዕተ መድረኻት ተሰጋጊሩ ኣሎ። 1) ሓበሬታ /Information/ ካብ ምጅማር ጽሑፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክሳብ መደምደምትኡ መበል 20 ክፋል ሓበሬታ ናብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። በዚ ድማ ንኩላተን ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኢንተርነት፣ ንድምጺ ኣሰናን ንማሕበረ-ሰባዊት ረድዮ ወጋሕታን ዓቢ ምስጋና ነቕርብ።

Alenaመሪር ሓዘን ህልቂት

ልዕሊ 325 መንእሰያት ኤርትራውያን ደጊምና ንዘክር!

ሓዘን ኤርትራውያን መመሊሱ ይቕጽል ኣሎ። ጉዳም ዘመን! ኣብ ምድሪ ቤትን ቅርዓትን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ርእሲ ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ናይ ሓዘን ዳስ ተተኺሉ ኣሎ።

Alenaክቡራንን ክቡራትን ደቂ ኤርትራ! ትማል ዓቢ እምባ ኤርትራውያን ፈሪሱ!!! ሞት 325 ዜጋታትና ሰሚዕና። እዚ ረዚን ሃገራዊ ሓዘን ኣብ ውሽጥና ኮይኑ ኣብ ዝሰራሰረሉ ግዜ፣ ዝርንዝሕ ነቢዕና።

alenaመደምደምታ ዘይብሉ ጉዳይ የለን’ሞ፣ እዚ መበል 20 ክፋል ጽሑፍ’ዚ መደምደምታ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክኸውን ኢዩ። ምስ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ጉያ ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ ወሳኒ ናይ ለውጢ ግዜ፣ ዝቕጽሉ ጽሑፋት ኣለና፦ “ዋዜማ፣ ዘመነ- ቅብጸት ኢሳይያስ!” ብዝብል ኣርእስቲ ክትክኡ ኢዮም።

 

alenaሰላም ኣብ ዘዘለኹሞ ክቡራት ደቂ ኤርትራ! ብፍላይ ድማ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፣ ንኹለን ኤርትራውያን ደቀንስትዮና ናይ ቃልሲን ጽንዓትን ሰላምታ ይብጻሕክን።

alenaከምቲ ንቡር፣ ብሰላምታ እየ ክጅምር። ሰላም ንክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ጽሑፋት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ብድሕሪ ክፋል 16 ንኣቶ ዓብደላ ኣደም ብዝምልከት፣ ኣብ ቅትለት ስዒድ ሳልሕ ከም ዘይወዓለ ዝጸሓፍኩዎ መአረምታ፤ ብዙሓት ዜጋታት ቅዱስ ርእይቶኦም ጽሒፎሙለይ ኢዮም። እቲ ዘይጋገ እቲ ዘይሰርሕ ሰብ ጥራይ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ከኣ ኣሎኒ።

ኦ! ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!

Alenaካብ ጀነራል ክሳብ ኮፕራል፣ ተጋዳላይን ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን፤ ብዝተፈላለየ ማዕረግን ሓላፍነትን ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዕድመ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ  ኣብ ምድልዳልን፣ ስቅያት ገዛእ ርእስኻን ህዝብኻን ኣብ ምንዋሕን ብዘይ ድሌትካ ተዕወንውን ዘለኻ ጅግና ኤርትራዊ!

Alenaሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ ጽሑፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ብድሕሪ ክፋል መበል 15 ናይዚ ጽሑፍ፣ ንክፋል መበል 16 ብዓቢ ሃንቀውታ ክትጽበዩ ከም ዝጸናሕኩም ይስደደለይ ካብ ዝነበረ መልእኽቲታት ተገንዚበ።

alena“…ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዝነበረ ዓብደላ ኣደም፣ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ዘሰከምዎ ሓላፍነት ክሒዱ ሃዲሙ ኣሎ።” ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዓመተ-2002 ብረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ዝተቓልሐ ዜና ኢዩ ዝነበረ።

alenaኣለና ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ መንፈስ ዘለዎ ከባቢታት ዓለም። ኣለና ኣብ ዱሮ ዕሰሌ ኤርትራ! ኣለና ኣብ ዱሮ “ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ” ኣብ ዝበሃለሉ ቅነ ጽንዓትን ጋማን!

Alenaሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ፤ ኣለና! ክሳብ እታ ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትቦቅል ተኽሊ ሰላምን ዲሞክራሲን እንርኢ…ክሳብ ምስ ገበነኛታትን ድርብ ገጻት ህግደፍን ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቤት ፍርዲ እንራኸብን ድማ ክንህሉ ኢና። እቲ ምንታይ ሎሚ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድርኩኺት ዓወት፤ ኢሳይያስን ቃፍላይ ህግደፍን ከኣ ናብ ኣፈፌት መቓብር ስለዘለዉ። ሎሚ መርድእ ኢሳይያስ ንክንሰምዕ ለይቲን መዓልቲን ኣእዛንና ኮኲዕና ጽን ንክንብል ደወልን ሃገራዊ ነጋሪትን ይሃርም ኣሎ። ሎሚ ኢሳይያስ ኣይኮነን ምውዳቕ ኣብዩ ዘሎ፤ እንታይ ደኣ ንሕና ኢና ብሰንኪ እቶም ህግደፍ ዘዋፈሮም ሳተላይታት ከም ኣሳትያ ኣኽላባት ኮይኑ ድምጽና።

Alenaኣለና፤ ንዝተቐብረን ዝተረስዐን ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን Alenaምንጋር’ምበር ክንዮኡ ዝመጣጠር ዕላማ የብልናን። ኣለና ኤርትራዊ ትንሳኤ ኢዩ! ኣለና ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን! ኣለና ብጋህዲን ብስዉርን።

alenaብ 1991 ጋማ ናጽነት ክትኣስር፣ ኣኽሊል ሓርነት ክትጉምጎም Gobyeዝተጸበናያ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን20 ዓመታት ክርዳድ ፈርያ። ህዝቢ ኤርትራ ንዕስራ ዓመታት ብከንቱ መብጽዓታት ንከንባሁቕ ተገዲዱ።