ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን 24 ጥቅምቲ 2014 ኣቐድም ኣቢለ ንኹሉኹም ደላይ ፍትሒ፡ እንኳዕ ብሰላም ናኣብዚ ኣገዳስን፡ ህጹጽን፡ ዝኾነ ሃገራዊ ጻዋዒት ንኽንእከብ ብሰላም ኣኻኸበና። ኩነታት ህዝብናን፡ ሃገርና ወዲቓቶ ዘላ ቅልውላው፡ ንክንፈልጥ፡ መፍትሒ ንምድላይን ዝግበር ጻዋዒት፡ ዝምስገንን ታሪኻውን እዩ። ኣስዕብ ኣቢለ፡ ነዚ ጉባኤ ንኽግበር ዝሓለኑን፡ ዝሓሰቡን፡