Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ተኸሲቱ ንዘሎ ሻቕሎት ንምምዝማዝ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስግጋር ሰባት ክምርምር ጸዊዑ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቲቢ ኤረ ምልካዊ መራሒኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ “ብሰንኪ እቶም ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ዝበኵር ዕማም የለን፣ ብዘይብኣቶም ኳ ይሰልጠና ናይ ጉልበት ጸገም የብልናን” ፣ እናበለ “ክኸይድ ዝደለየ

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቲቢ ኤረ ምልካዊ መራሒኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ “ብሰንኪ እቶም ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ዝበኵር ዕማም የለን፣ ብዘይብኣቶም ኳ ይሰልጠና ናይ ጉልበት ጸገም የብልናን” ፣ እናበለ “ክኸይድ ዝደለየ ይኺድ” ዝዓይነቱ ዘይሓላፍነታዊ መልእኽቲ ዝዳሕድሐ ምልካዊ ስርዓት፣ ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ተኸሲቱ ንዘሎ ሻቕሎት መዝሚዙ ዲፕሎማስያውን ፋይናንሳውን መኽሰብ ንምግሓጥ፣ “ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ንኤርትራውያን ናብ ስደት ንምግዓዝ ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ክምርመር ጻውዒት ይገብር ኣለኹ” ክብል ንማሕበረሰብ ዓለም ክቕሽሽ ይፍትን ኣሎ።

መርበብ ሓበሬታ ሮይተርስ ኣብዚ ሳልስቲ ነዚ ጉዳይ ‘ዚ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኤርትራውያን መንእሰያት ብምኽንያት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላቶም ዘይኮነስ፣ ብሰንኪ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ እዮም ዝስደዱ ዘለዉ ክብል፣ ምርመራ ክግበረሉ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጻውዒት ከምዘቕረበ ይጠቅስ።

ይኹን’ምበር እቶም ብዓቃባዊ ገምጋም ንወርሒ 5 ሽሕ ካብ ኤርትራ ዝበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ብሰንኪ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ናብ ኢትዮጵያ ወይ ሱዳን ምስ ወጹ እዮም እቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ዝቖልቡዎም ዘለዉ።

ንምዃኑ ኸ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፣ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝምልከት ንዘቕረቦ ምርመራን ጸብጻብን ናይ ሓሶት ጸብጻብ ‘ዩ ኣይኣምኖን እየ ክብል ኣሉታ ብምሃብ መጋበርያ ናይ ኣመሪካ ምዃኑ ክጥቅኖ ንዝጸንሐ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርመራ ክገብረሉ ዝሓተሉ ምኽንያት ‘ውን፣ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ካብ ምዃን ሓሊፉ መርኣያ ቅኑዕ ተገዳስነት ክኸውን ይክእልን እዩ።

እቲ ኤርትራውያን ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ብሲናይን ሰሃራን ዘርጠብጠብ እናበሉ ክጠፍኡን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ክጥሕሉን ከለዉ፣ መጀመርያ “ምግናን እዩ ደሓር ከኣ ኣፍሪቃውያን እዮም” እናበለ ክሕሱን ክኽሕድን ዝጸንሐ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ተገምጢሉ ሓላይን ተሻቓልን ኤርትራውያን ክብሃል ንይምሰል ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንማሕበረሰብ ዓለም ከደናግር ኣይክእልን እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Simon G. August 2, 2015

    ሃጸይ ዮውሃንስ V (ኢሳያስ ኣፈወርቂ):
    መቐጸልታ ግዝኣት ናይ ኣባሓጎታቱ’ዩ ዝመርሕ ዘሎ። ነብሱ ከም ኤርትራዊ ርኢዋ ኣይፈልጥን። ኤርትራ ከም ሃገር ውን ኣይ ኣምነላን ‘ዩ። ስለዚ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠለቑ: ኤርትራውያን ‘ዮም ክብል ኣይክእልን። መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተወደአ መስልናምበር: ሕብሪ ቀይሩ ይቕጽል ‘ዩ ዘሎ። እዚ ህግደፍ ንከምስሉ ቦራዕራዕ ዝብልዎ: ፖለቲቻዊ ሃልኪ ‘ዩ።

POST A COMMENT