Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከይንጠፍእ እናሰሓቕና – ብሓባር ነድሕና ሃገርና

ከይንጠፍእ እናሰሓቕና ብሓባር ነድሕና ሃገርና Tesfamariam Wel. 29/o7/2015 Norway ደገፍቲ ተቓወምቲ ምባል ይጽናሓልና ኣብ ጠልጠል ዘላ ሃገር ቅድም ነድሕና ዕድል ኣይንሃቦም ጸላእቲ ከይጎብጥና ስወር ከይትብል ኣይንዓኹም ኣይንዓና   ንጉዳይና ኣይንርአዮ ብህልኽ ብጽልኢ ኩፍእ እናረአኻ ዓገብዩ ምባል እንድዒ ብሕልፊ ኣብ ግዳም ዘለና ስደት ወጻኢ ተጠመቲ ኣይንኹን ብሕማቕ ተጸዋዒ   ካብ ብማዕዶ

ከይንጠፍእ እናሰሓቕና

ብሓባር ነድሕና ሃገርና

Tesfamariam Wel.

29/o7/2015

Norway

ደገፍቲ ተቓወምቲ ምባል ይጽናሓልና

ኣብ ጠልጠል ዘላ ሃገር ቅድም ነድሕና

ዕድል ኣይንሃቦም ጸላእቲ ከይጎብጥና

ስወር ከይትብል ኣይንዓኹም ኣይንዓና

 

ንጉዳይና ኣይንርአዮ ብህልኽ ብጽልኢ

ኩፍእ እናረአኻ ዓገብዩ ምባል እንድዒ

ብሕልፊ ኣብ ግዳም ዘለና ስደት ወጻኢ

ተጠመቲ ኣይንኹን ብሕማቕ ተጸዋዒ

 

ካብ ብማዕዶ ዝዕዘቡ ኣየብቲ ኣይምስቲ

ጎራሓት እና ጋጨዉ ዝነብሩ መታለልቲ

ሓሚቑ ጸቢቑ ኣብ መትክሉ ጽኑዕ ጽንዕቲ

ካባኹም ደገፍቲ ይሕሹ ሚእቲ ብሚእቲ

 

ተበለጽቲ ኣማዕድዮም ንዝሰርሑ ዝጻረሩ

ንውድባት ኮነ ኢሎም ኣጸሊሞም ከባኹሩ

ወዳጀ ወራዙት ውሻጠ ንዝቃልሱ ዘነውሩ

ከም ማንቲለ ብጃህራ ህግደፍ  ዝብህርሩ

ገለብ ገለብ ኣይትበሉ ንኸትቃለሱ ጽዓሩ

 

ሪዒዶም ከለዉ ፈራሓት መታን ከይባሃሉ

ካብ ሓቂ ንምህዳም ዘይረብሓ ውድባትብሉ

ቀደምውን ኣብ ግዜ ቃልሲ ተስተብሃልናሉ

ገድሊ ከይተዓረቓ ድኣሞ ኢሎምዮም ዘታለሉ

ወጣማት ከብዶም መን ረጊጽዎ ስቕከ ዘይብሉ

 

ዘለኣለም ጥፍኣት ዝተፈረመሉ ህዝቢ የለን

ንህዝብኻ ቆላሕታ ዘይምግባርሲ ኣይግድን

ወይለኻ ተጠራጣሪ ይመጽኣሎ ሰናይ ዘመን

ሰላም ምስ ሰፈነ ከይትጠዓስ ከይትሓዝን

ሕጂ ህዝብኻ ኣድሕን ኣብ ጥንክርቲ እዋን

 

ሕጫጨ ጸዎታ ተርጀጋን ድሓር ነርክበሉ

ሃገር ከይሓዝካ ክብረት የለን ኣስተውዕሉ

ንምዝካር ኢለ ድኣምበር ትፈልጡኹም ኩሉ

ብሓቦ ንህግደፍ ክንጉሕፎ ኢደይ ኢድካ በሉ

 

ሓቦ ተላ ውጻእ ኣብ ሰላም ሰልፊ ተቐላዕ

ጌናየ ዝበለ ድማ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ የጸናንዕ

የለኹላን ኣነ ዝበለ ይቆጠብ ካብ ጠራዕራዕ

ዓቕሊ ይሕሾ ከይበሃል ኣንታ ኣቃጣሪ ከዳዕ

 

ኣብፎቖዶ ባራት ኮንካ ዓጀውጆው ንግደፎ

ንሃገረይ ክቃለስየ ዝበለ ኤሪትራዊ ንደግፎ

ሃጠውቀጠው ዕላል ሕግደፋውያን ንጉሓፎ

ኩሉ ሓቂ የብሉን ህግደፍ ዝዛረቦ ዝጽሓፎ

 

ኣብዚ ሕማቕ ግዜ ንህግደፍ ዝኣምን እንተሎ

ምምርማር የድልዮ ዝሰሓተ ከይኸውን ጎዶሎ

እንተዘይ ተለኺፉ ሃገሩ ዘይፎቱ ዜጋ መንናሎ?

ብዘይካ ህግደፍ ዝመረዞም ክኾኑሉ ዕንኪሊሎ

 

እናጫፈሩ ክነብሩ ሓዲግ ናብራ ዘርሙዘርሞ

ሓንጎሎም ከይጥቀሙሉ ናብ ህግደፍ ሸይጦሞ

 

ምዒድካዮም ካብዘይ ሰምዑኻ እንታይገበርሞ

ሓዲግ መዲግ ተሪፉ ህግደፍ ሓንጎሉ መሰድከሞ

 

ኣውራ ኣንቱም ናይ ማዕዶ ወራዙት ሊቃውንቲ

ዘረባ ተቃናጅዉ ፈላስፋታት ሑቡኣን ናይ ለይቲ

ካብ በይንኹም ዓጀው ተዋስኡ ምስ ተቓወምቲ

ኒዮው በሉዎ ዓዲ ዘየእቱ ናይ ዓያሹ ትምክሕቲ

 

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ሓባራዊ ቃልሲ ነጥሪ

ይኣክል ንተኣረም ካብ ናይ ጌጋ ስምዒት ባህሪ

ብሃገር መልክዕ ንርኣዮ ብዘይ ትምክሕቲ ብፍቕሪ

ንስኻኻ ብሉጽ ዝቦሎ የለን መን ንመን ዩ ከጻሪ?

 

ኩልና ኣሕዋ ኢና ደቂ ሓንቲመሬት ሓንቲ ባሕሪ

ባህሪ ህግደፍ ኣይንጠቐም ዘይተባህለ ኣይነውሪ

ንጹሃት ኣይነጸልም ኣይንኹን ሓሶውቲ ፊቶውራሪ

በለካ ለኽዓካ ኮይኑ ስራሕና ሃገርና ክንዲ ነዐሪ

 

ንኹሉ ጋዓገልጠም ገዲፍና ብዛዕባ ሃገርና ንዛተ

ሕሜት ሓሶት ሕሹኽ ንግደፈሎም ንባዶ ሰለስተ

ህዝቢ ከም ዝርዕድ ሰላይ ኣዋፊሮም ከምዘይዛተ

ሃገርና ባዲና ኣየርኢኻ ኮይና ኣትብላዕ ኣይትስተ

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Stefanos Temolso July 31, 2015

    ንለባም ኣምተሉ ንዓሻ . . ይብሉ ኣቦታትና። ካብዚ ንላዕሊ ዝብሃል የሎን። ክርዳእን ክሰምዕን ንዝደሊ ሓንቲ ቃልውን እኽልቲ እያ። ስለዚ፡ እቶም ደቂስና ዘለና፡ ወይ ሕልና ኣልቦ ኴንና ዘለና ነዚ ኣንቢብና ናብ ልብና ንመለስ። መፍቶ ጸላእቲ ከይንኸውን ዝሓለፈ ይኣክል ኢልና ብሓድሽ መንፈስ ንበገስ። ኣምላኽ ንሃገርና ይባርኽ።

  • k.tewolde July 31, 2015

    AMEN!!! Love the poem.Let’s always speak the truth, let’s join hands, let’s work for the common good of our people, let’s tap on this raw eritrean talent that is scattered all over the world, let’s revive our authentic nationhood that’s on life support compliments of HGDEF’S 24 yrs of pseudo- nationalism. We can do it , TOGETHER!!!

  • ERITRAWIT July 31, 2015

    ኩሉ ኢልካዮ ኩቡር ሃው ኣብ ኣፍደገ ትፋት ኢና ዘለና።
    ኣብ ጎዳጉደይ ትህቲ መረት ዘለው ዘጋታትና ሃንከው ኢሎም ይስበዩ ኣለው ህዝቢ ዘይብላ ሃገር ሃገር ኣይትከውንን አያ።

POST A COMMENT