Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

- search results

If you're not happy with the results, please do another search
መልእኽቲ ካብ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ – ብ ኣበባ ኣብርሃ

ካብ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ;። ብምኽትያት ዓለምለኻዊ ምዓልቲ ደቂኣንስትዮ፡ ሸሞንተ መጋቢት።  ኣበባ ኣብርሃ፡ ወኪል ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣባል ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡፡ 10/02/2012 ኦ! ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ! ኣብቲ ኩሉ ዝሓለፈን ዝካየድ ዘሎን፡ ዝተሓላለኸን ኣህላኺን ዝኾነ ጉዕዞ ናይ ቃልስና፡ ጓል-ኣንስተይቲ […]

ስርዓት ህግደፍ ንሬሳ ናይቲ ብተኣማንነት ክሳብ ብደረጃ ሚኒስተርነት ዘገልገሎ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ዛጊት ናብ ኤርትራ ምእታው ከልኪሉዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሬሳ ናይቲ ብትእዛዙን ኣብ ክንድኡን ሓያለ ንጹሃት ኤርትራውያን ከም ዘጋፍዐ ዝንገረሉ፡ ብተኣማንነት ክሳብ ብደረጃ ሚኒስተርነትን ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ጸጥታን ዘገልገሎ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝዓረፈ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ዛጊት ናብ ኤርትራ ምእታው ከልኪሉዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። በዚ […]

ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንድሕነቶም ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ንምርካብ ህጹጽ ጻውዒት የቕርቡ።

ናብ እስራኤል እናተጓዕዙ ብወተሃደራት ግብጺ ተታሒዞም ኣብ ሓሲና ዝተባህለ ቤትማእሰርቲ ግብጺ ተዳጕኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ልዕሊ 30 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብ ኤርትራ ከይስጎጉ ዘለዎም ስግኣት ብምግላጽ፡ ነጻ ክልቀቑን ከም ስደተኛታት መሰሎም ክሕለወሎምን፡ ንድሕነቶም፡ ሓገዝ ኤርትራውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምርካብ ህጹጽ ጻውዒት የቕርቡ። ንሳቶም  ናብ ድምጺ ኣሰና ደዊሎም ኣብ […]

ስርዓት ህግደፍ ፡ ንመራሕቲ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ምስጢራዊ ኣኼባ ከምዘካየደሎም ምንጭታት ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ፡ ንኹሎም መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝገበረሎም ምስጢራዊ ኣኼባ፡ ኩሉ ዓቕምታቶም ኣኻኺቦም ኣንጻር ወያነ ኣብ ዝካየድ ኵናት ንምስታፍ ኣድላዪ ምድላዋት ክገብሩ ከምዝኣዘዞም ምንጭታት ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣኼባ ዝመርሐ፡ ሓደ ካብቶም ዕሉላት ናይ ወጻኢ ስለያ ስርዓት ግህደፍ ዝኾነ፡ ብሬገደር ጀነራል […]

ንኡስ ኮሚተ ኣህግራዊ ሰብኣዊ መሰል ፈደራላዊ ባይቶ ካናዳ፡ ዘስካሕክሕ ጸብጻብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ሰሚዓ

ፍልጥቲ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ኤልሳ ጭሩምን ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነን፡ ንኡስ-ኮሚተ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰል ፈደራላዊ ባይቶ ካናዳ ብዘቕረበትሎም ዕድመ መሰረት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ቃል ሂቦም። ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዝወርዶም ኣስካሕካሒ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ መደበር ዑቕበኛታት ዘጋጥሞም ብድሆታት ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ካናዳውያን ዝፍጸም […]

ጋዜጣዊ መግለጺ – ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ

ብቐረባ ክንከታተሎ ከም ዝጸናሕና ብዕለት 17 ጥሪ 2012 ሓሙሽተ ኤውሮጳውያን አብ መሬት ዓፋር ፤  ግዝኣት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምቕታሎም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይ ህዱእ ሃዋሁው እናሰፈነ ኢዩ። ነዚ ናይ ብዙሓት ሞት ዘኸተለ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ብምጥቃም፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሸሸነኾም ኣጸጊዖሞም ዘለዉ ዕጡቓት ደቂ ዓፋር […]

እምበር ዘርኢ ክርዳድ !

ከምኡ ዝኣመሰለት ተባሃጊት ሃገር ኮይናትሉስ፡ ንኢዱ ዝጸግባ ከይመሰሎ ኢዩ ንዕዳጋ ዝወረደ። ንሱ ስድራኡ ከይረኣየ ሓያለይ ግዜ ስለዝሓለፈ ዝነበሮ ምስሊ’ውን ከይሃሰሰ ኣይተረፈን።ነቶም ክፋእ ሃገር ዝዛረቡ ክፉኣት ሰባት እናተ ማዓቶም ሓንቲ ምኢቲ ኦይሮ ብብላክ ኣሽሪፉ፡ ምስንእሽቶ ሓብቱ ዕዳጋ ወረደ። ሸመታ ናይ ጸብሐመብሒ ኣይሸፈ ነትን ኦይሮኡ። ደጊሙ ከሽርፍ […]

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንዶን ኦንታሪዮ ካናዳ

ኤ.ሃ.ባ.ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብጉዳይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ብኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፣ መግለጺ ንምስማዕ ፡ ብህዝቡን ብሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ ኣብዚ ኣኼባዚ ንኽሳተፍ ብኽብሪ ይዕደም። ዕለት፡ ሰንበት መጋቢት 04/2012 ስዓት፡ ካብ ስዓት 4፡00ድ.ቀ.-ክሳብ- 8፡00ድ.ቀ. ቦታ ኣኼባ፡ 380 ADELAID STREET NOTH LONDON, ONTARIO.   ንኡስ ሽማግለ […]

ተባዓት ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ኦስሎ ንህግደፍ ኣብ ራዕዲ ከም ዝሽመም ጌሮሞ

ብዕለት 12.02.2012፡ ”ኣገዳሲ ሰሚናራት ንኤርትራውያን ተቐማጦ ኦስሎ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ህግደፍ ኣብ ከተማ ኦስሎ ክፉት ሰሚናር ንህዝቢ ዓዲሞም። ናይቲ ኣኼባ ዛዕባታት እዘን ዝስዕባ ነበራ፡- ህልው ኩነታት ሃገር ብተኽለ መንግስቱ፡ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት፡ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ስዊድን ዕደና ኣብ ኤርትራ፡ ብፕሮፌሰር እምባየ ፈሮው፡ ማናጀር ዕደና ኤርትራ […]

ሽኩ.ሹኳ ህግደፍ መዕረፊ ሲኢኑ: ወዮ ዝሓለምዎስ ኩሉ ተበታቲኑ!

ስምስም ኣለኒ ሰሊጥባ ናበለዩ ዘታለለኒ ወርቂለኒ ብሩርባ ነሓሲባ ናለ ኣዐሹውኒ ህግደፍ ነብሱ ዘይካኣለስ ንዓይ ኩኾነኒ እነሆንዶ ድሮ ተመሊሱ ሓገዝ ይልምነኒ ብጋህዲ ኣጡሚኒ ምባል ኣሕፊርዎሲ ዕሉም ለማኒ ሊኢኹ ወሓለ ኣምባሲ ከይጠፍኡዎ ሰብ ቀርኒ ኣብዑሩ ከጓሲ መሻርኽቱ ድማ እናፈጠ ንህዝቡ ክሃሲ ህግደፍ ዘባህረሮ ዘይተረኽቦ ፈውሲ ህግደፍ ሓቂ […]

PUBLIC DISCUSSIONS ON HUMAN RIGHTS IN TORONTO:

On the sidelines of her official visit to Ottawa, the celebrated human rights activist, founder and Director of the Eritrean Human Rights Concern, Sister Elsa Chyrum, will be speaking to a public gathering of Eritrean-Canadians in Toronto about human rights in Eritrean context on Saturday, […]

ዳግማይ ፈንቅል ሓርነት የድልየና ‘ሎ?

ምፍራስ ‘ናደው እዝን” ሓርነት ከተማ ኣፍዓበትን፡ ህላወ ሰውራ ኤርትራ ካብ ምውሓስ ሓሊፉ፡ ንሓይልን ናይ ምግባር ተኽእሎን ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ንህዝብና ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘመስከረ ዕዉት ስርሒት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ንከተማ ባጽዕ ሓራ ዝገበረ ስርሒት ፈንቅል፡ ባና ሓርነት ኤርትራ ዘበሰረ በርቃዊ ስርሒት እዩ። […]

ዓቢይ በዓል ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ

ብዕለት 28.01.2012 ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን ብክብ ዝበለ ድምቀት ናይ ሓድሽ ዓመት በዓል ኣብዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኖርወይን ካብ ሃገረ ሽወደንን ዝመጹ ኣጋይሽ ዝተጸንበርዎ በዓል’ዚ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኖርወይ ናይ መጀመርታን ፍሉይን ኢዩ ኔሩ፡ ከመይ ማሕለኻ ህግደፍ ዝበጠሰ ብምዃኑ። ነጻ ማሕበረሰብ […]

ቃልስና ሰኣን ሓድሽ ደም ሓንከስከስ ይብል ኣሎ!

ህግደፍ በቲ መደናገርን ልዑል ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎን ኢሳያስ እናተመርሐ፡ ካብ ሓደ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ናብ ሓደ ማፊያዊ ጕጅለ ካብ ዝቕየር ንነጀው፡ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ምናልባሽ ክሳብ 1997 ናብ መንግስቲ ገጹ ክሰጋገር ዝኽእል ውድብ ነይሩ ክንብሎ የምሕረልና ይኸውን። ኢሳያስን ጕጅለኡን ግን […]

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግኣት ከምዝተኻየደ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ከባቢ ጸሮና፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ውግእ ከምዝተገብረ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ወተሃደራት ክሞቱ ከለዉ፡ ሰለስተ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝተማረኹ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ቦታ ተቖጻጺሩዎ ከምዝነበረ፡ ብርክት ዝበለ ፈኮስቲ ብረታት ‘ውን ብሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተመንዝዐ […]

ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩ 42 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።

ኣብ ጉዕዞ ንስደት እናሃለዉ፡ ብወተሃደራት ግብጺ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ተታሒዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩ’ሞ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ናይ ምምላስ ሓደጋ ከንጸላልዎም ዝጸንሐ፡ 42 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብምትሕብባር ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኸዱ ምንጭታት ሓቢሮም። ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ስደት ብግዴታ ንምዝለሱ ኤርትራውያን ናይ […]

ዝናን ባህታን ናጽነትን ሱቕታን! (14)

ምስ’ዛ ናጽነት ትመጽእ ዘላ ናጽነት ኣብ ዓለም ተራእያ ዘይትፈልጥ’ያ ትብልትምህርቲ መሰል ትምክሕቲ ናይ እንዳ ዝናን ዘሕደረቶ ጽልዋመቸም ንሓዋሩ’ውን መለክዒ ዝርከቦ ኣይመስልን’ዩ። እወ እታ ብቐሊሉ ትጥመትመልክዕ ናይ ናጽነት፡ንኤርትራ ካብ ኢድ ጸላኢ መንጢልካ ዶባት ምሕንጻጽን ባንዴራ ምስቃልን ትመስል ኮይና፡ ካብኡ ዝተወልዱ ዘበሉ ጸላኢ ንኸይምለስ ኣብ ዶብ ንኽውዕሉ […]

ሓድነት መንእሰያት ኤርትራ ውሕስነት ዲሞክራስያዊ ለውጢ እዩ

እቲ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመጽአ ናጽነት ኤርትራ: ብማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ መንእሰያት እዩ ተረጋጊጹ። ኣብ 1998 ስርዓት ህግደፍ ብዘሳወሮ ዶባዊ ኵናት ጠገለ ዘይብሉ ባርዕ ምስተኣጕደ ዝሃለቑ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰማእታት ኤርትራ ‘ውን: ዝበዝሑ መንእሰያት እዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ምረት መግዛእትን ደረት ኣልቦ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎትን’ […]

ኖርወይ፡ 6300 ኤርትራዉያን ዑቕባ ይሓቱ

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ጥራሕ፡ ልዕሊ 6300 ኤርትራዉያን ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣብ ክፍሊ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር፡ ተኸታታሊት ጉዳይ  ኤርትራዉያን ስደተኛታት ወ.ት ክሪስትነ ሽዮርተነስ ኣብ ከተማ ስታቫንገር ብዕለት 07 ለካቲት፡ ንዕዱማትን ሰበ-ስልጣን እታ ከተማን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ። ንሳ ኣብ መግለጺኣ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ጠንቂ […]

ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ! ሳልሳይ ክፋል – ኣለና

   “…ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዘዐወተና ረቛሒታት ምዕቃብ ምስጢር ኢዩ። ስለዚ ምስጢር ክትዕቅቡ ኣለኩም። ኣነን ኢሳይያስን እንፈልጦ ናይ ሳሕል ምስጢር ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝንገሮ፣ ብሙሉኡ እዚ ህዝቢ’ዚ ምተጸለለ ነይሩ።” ቃል ናይዝጊ ክፍሉ ሚኒስተር ዜና ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንኣኼባ ሓለፍቲ እቲ ሚኒስትሪ ካብ ዝበሎ። ሞት ገበነኛታት ህግደፍ ክቕጽል […]

ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ምምሕዲር ቤት ጽሕፈታቱ ኣቝሙ

ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ሰሜን ኣሜሪካ ድሕር’ቲ ካብ 21-30 ሕዳር 2011 ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ዝውዳእ ኣትሒዞም ንህዝቢ መግለጺታት ክንህብ እኳ እንተጸናሕና፡ ንሸውሃትን ህንጢትን ህዝብና ኣዕጋቢ ይኸውን ከምዘይነበረ ግን ብህዝብን ፈተውቲ መራኸቢ ሓበሬታታን ተገንዚብናዮ’ሎና። እዚ ድማ ስራሓትና ብስሉጥን ህዝባውን ብዝኾነ ቅርጻ ንምስራዕ ፈጻሚት ሽማግለን፡ ባይቶን ዞባን […]

ቅንጸላ ስንኩላን – ብጎደፋ

ሓንቲ ካብተን ክቡራት በዓላት ህዝቢ ዜርትራ፡ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታትና ኢያ። ህዝቢና ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ዓመት መጸ ተኣካኪቡ ሕሉፍ ሓዘኑ ዝገልጸላን ኪዳኑ ኣጽኒዑ ዝድበሰላን ክትኮነሉ ነበረ ትጽቢቱ። ኣብታ ክብርቲ መዓልቲ ኣይሂ ንብዓት ክዛሪ ዝድርኽ ጎስጓስ’ውን ይርአ ኢዩ። እንተኾነ መዓልቲ ሰማእታት ከም ጽንዕቲ ትሕጃ ጅሆ ሓኒቑ ንብዓት ኣዴታት […]

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝነበረ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ዓሪፉ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን እሙን ኣገልጋልን ዓርክን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ዝነበረ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብ ለንደን ብሕማም ምኽንያት ከምዝዓረፈ ምንጭታት ሓቢሮም። ንሱ ብሕማም ሽኮርያ ይሳቐ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ናዝይጊ ክፍሉ ድሕሪ ናጽነት፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ዘገልገለሎም ክፍልታት ከም ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣብ […]

“እዚ ኹሉ ጎይና፡ ህበይን ዕትሮን ርኢና ተመሊስና !”፡ ይብሉ ምሳኪን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ለንደን

ትማሊ ሰንበት 5 ለካቲት፡ ናብቲ ወከልትን ኮራዅርን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ገለ ብቴክስት ገለ ድማ ብተባራሪ ወረ ተዓዲሞም፡ ‘ላዕለዎት ሓለፍቲ’ ክመጹ ስለዝኾኑ ኣፈርክቡ ተባሂሎም፡ በብኽልተ በብሰለስተ፡ ዝጣራቐሙሉ ኣዳራሽ ጎሰስ ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት፡ ብኽልተ እግሮም ዲዮም በርባዕተ መሓውሮም ዝኸዱ ዘለዉ ንምርግጋጽ ኣስተብህሎ የድሊ ነይሩ። ዓሻ ጽቡቕ ኣሎ […]

ጓይላና ምእንቲ ክደምቕ

እዚ  ካብ ልባዊ ሓልዮትን ሓቀኛ ባህግን ዝነቐለ ጽሑፍ፡ኣብ ኣንበብቲ ኣጉል ርድኢት ከይፈጥር ቀዲመ ከዘኻኽር እደሊ፡፡እቲ ምንታይ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ናቱ መጋበርያ ልኡኻትን ባዕልና ኣብ እንፈጥሮም ፈቓቓት ኣትዮም ስጡም ናይ ቃልሲ ሓድነት ንኸይንምስርት ክዘርጉ ከይደቀሱ ከም ዝሓድሩ ክንዝንግዕ ኣይግባእን፡፡ድሮ ውን ብጉልባብ እተን ክልተገጽ ናይ ሓደ ሳንቲም […]