Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጓይላና ምእንቲ ክደምቕ

እዚ  ካብ ልባዊ ሓልዮትን ሓቀኛ ባህግን ዝነቐለ ጽሑፍ፡ኣብ ኣንበብቲ ኣጉል ርድኢት ከይፈጥር ቀዲመ ከዘኻኽር እደሊ፡፡እቲ ምንታይ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ናቱ መጋበርያ ልኡኻትን ባዕልና ኣብ እንፈጥሮም ፈቓቓት ኣትዮም ስጡም ናይ ቃልሲ ሓድነት ንኸይንምስርት ክዘርጉ ከይደቀሱ ከም

እዚ  ካብ ልባዊ ሓልዮትን ሓቀኛ ባህግን ዝነቐለ ጽሑፍ፡ኣብ ኣንበብቲ ኣጉል ርድኢት ከይፈጥር ቀዲመ ከዘኻኽር እደሊ፡፡እቲ ምንታይ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ናቱ መጋበርያ ልኡኻትን ባዕልና ኣብ እንፈጥሮም ፈቓቓት ኣትዮም ስጡም ናይ ቃልሲ ሓድነት ንኸይንምስርት ክዘርጉ ከይደቀሱ ከም ዝሓድሩ ክንዝንግዕ ኣይግባእን፡፡ድሮ ውን ብጉልባብ እተን ክልተገጽ ናይ ሓደ ሳንቲም ዝኾና ምስሉያት ዌብ-ሳይታት ሓደ በሉለያ ዝዓይነቱ ኣብ ዓምድታተን ርኢናዮ ኣለና፡፡ ከምቲ ቀዲመ ዝበልኩዎ ዝህቦ ዘለኹ ኣዝዩ ንእሽቶ ሓሳብ፡ ንስለ ምንቃፍ ወይ ኢንታ ንምውጻእ ኣይኮነን፡፡ኩሉ ኣንጻር ቶታሊተርያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ቃልሲ ሻምላ ዘልዓለ ውጹዕ ኤርትራዊ ሓደ ድምጺ ብዓውታ ከስምዕን ብሓደ ረምታ ናብ ጎደና ዓወት ክምርሽን ስለ ዘለዎ ንምእማት እየ፡፡

ስመር……..ር!!! ብዝብል ቁዱስ ዕላማ፡ መኣዲ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እዋናዊ ሓሳብ ዘንቀዱ ግዱሳት ኤርትራውያን መናእሰያት ብልቢ እናመስገንኩ በርትዑ ኣብ ጎድንኹም ኣለና ክብሎም እደሊ፡፡ኮይኑ ግን ከም ነገረ ህዉኽ ዝብኢ ብሰንኪ ዘይተወደነ ውሽጣዊ ህንጡይነትና ቀርኒ ንነክስ ከይንህሉ ከቢድ ስክፍታ ኣለኒ ፡፡እቲ ምንታይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ትሕቲ ብረኪ ሃሪምካ ወይ ውን  ቀርኑ ስለ ዝጎዳእካዮ ህላውነቱ ኣየቋርጽን ኢዩ፡፡እዚ ገባቲ ስርዓት’ዚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክጠፍእ ህላውነቱ ነበረያ ነበረ ክኸውን እታ ክፍኣተ መጋብር እተንጫጭሕ ልቡ ዘይምሕር ቲኤንቲ ኣእቲና ክንረፋትታ ክንክእል ኣለና፡፡ነዚ ዓቢ ታሪኻዊ ዓወት ንምጉንጻፍ ድማ ብመጀመርያ ናይ ኣእሙሮ ትብዓት ከነጥርን ክንውንንን ይግባኣና፡፡ ብርግጽ ግን ናይ ኣእሙሮ ትብዓት ወኒንና ዲና?እዚ ቀዲምና ከንምልሶ ዝግባኣና ሕቶ እመስለኒ፡፡ መልስና ኣይፋል እንተኾይኑ ብመጀመርያ ነዚ ቀዲመ ዘልዓልኩዎ ናይ ኣእሙሮ ትብዓት ከነጥሪ ይግባእ፡፡መልስና እወ ናይ ኣእሙሮ ትብዓት ወኒንና ኢና፡፡ ነዚ ገባትን ጨፍላቕን ስርዓት ፊትንፊት ከንገጥሞ ኣብ ጫፍ ናይቲ ብልሒ በጺሕና ኣለና እንተኾይኑ ድማ ብኸመይ ዝብል ካልእ ሕቶ ከነልዕል ክንግደድ ኢና፡፡

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ስመር…………ር!!! ዝብል ናይ  ኤርትራውያን መንእሰያት ፓል-ቶክ ተኸታቲለ ነይረ፡፡ሕመረት ዛዕባ ናይቲ ኣርእስቲ ክብድ ዝበለ ኮይኑ ብኸመይ ኣብ ባይታ ወሪድና  ኣንጻር እዚ ገባቲ ስርዓት ናይ ቃልሲ እጃምና ነበርክት ዝብል ኢዩ፡፡ብርግጽ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣመና ከቢድ ኢዩ፡፡ክትጎስዮም ዘይትኽእል ዘኽብድዎ ረቛሒታት ድማ ኣለዉ፡፡ገለ ካብኦም ብመጀመርያ  ውዳበኻን ጥርናፈኻን ክሳብ ከንደይ ኢዩ? ፖለቲካዊ ንቕሓትካን ብስለትካን ኣብ ከመይ ደረጃ በጺሑ ኣሎ?ሂወት ንኽትከፍል ተወፋይነትካ ቁርብነትካ ክሳብ ክንደይ ኢዩ?ናብቲ ንውረዶ ዝበሃል ዘሎ ናይ ቃልሲ ባይታ ዘጣጣሕካዮም ነገራት ኣለዉ’ዶ? ወይ ምስቶም ኣብ ባይታ ወሪዶም  ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቃልሲ  ኣንጻር እዚ ረጋጺ ስርዓት ንጥፈታቶም ዘካይዱ ዘለዉ  ተቓለስቲ እንታይ ዓይነት ስጡም ርክባት ኣለና..? ምስተን ሕጂ መሪሕ ተረኣን ክጻወታ ኣብ ምብግጋስ ዝርከባ ኣበየ ኩርንዑ ዝስስና ዘለዋ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መናእሰያት ከመይ ዝኣመሰለ ውህደትን ምሕዝነትን ኣለና? ወዘተ…….ወዘተ ዝብሉ ከክንዲ እምባ ዝኾኑ ዘይተመለሱ ሕቶታት ተገቲሮም ምሕላፍ ክኽልኩሉና ኢዮም፡፡ እቲ ምንታይ ዘይተጠርነፈን ዘይተወደበን ሓይሊ ኣድማዒ ሰራሓት ክሰርሕ ኣይክእልን ኢዩ፡፡ስለዚ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ስመር…..ር ዝብል ፓል-ቶክ ኤርትራውያን መናእሰያት ዘውርድዎ ዝነበሩ ሓሳባት ተበጊሰ መንእሰይ ውን ስለ ዝኾንኩ ገለ ከብል ክፍትን እየ፡፡ ዋላኳ ብሰነኪ እቲ ህላወና ንምጥፋአ ናይ ሓይለብኡ ዝሰርሕ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ደቂ ዛግራ ፈቖድኡ ፋሕ ብትን እንተበልና እቲ መኣዲ፡ መኣዲ ኩልና ኤርትራውያን ኢዩ፡፡

ብመጀመርያ ኣብቲ ብመገዲ ስመር………ር!!! ዝተዳለወ ናይ ኤርትራውያን መናእሰያት ናይ ፓል-ቶክ መድረኽ ክጭበጥ ዝኽእል ናይ ኣእምሮ ትብዓት ዝተንጸባረቐ ኣይመስለንን፡፡እዚ ከብለኒ ዝኸኣለ ካብ አዳለውቲ እቲ መደብ ጀሚርካ ዋላ ውን ኣማኢት ተሳተፍቲ እቲ ዘተ መናእሰያት፡ መን ካበይ ምዃኖም ግሉጽነት ኣይነበሮን፡፡ንቓልሲ ንበገስ መስዋእቲ ንኽፈል እናበልካ ናይ ብርዒ ስም ምጥቃም መንነትካ ምሕባእ እንታዩ ቁንቁኝኡ?ዊልያም ማሳዋ ከረን ዝኣመሰሉ ቅጽላት ኣስማት ምጥቃም ንምንታይ ኣድለየ፡፡ ንጹር ዛዕባ እቲ ናይ ዘተ መድረኽ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓግሒግካ ንምእላዩ ሓደ ስዉር ናይ ማፍያ ጉጅለ ንመስርት ዘይኮነ፡ብኸመይ ኤርትራዊ መንእሰይ መሪሕ ተርኡ ይጻወት፡   ብኸመይ ኣብ ባይታ ወሪዱ እጃሙ የበርክት፡ብኸመይ ሓቢሩ ኣድማዒ ስረሓት ይሰርሕን ነጎድጓዳዊ ድምጹ ብዓውታ የስምዕን ኢዩ ነይሩ መስለኒ፡፡ንኸምዚ ዓይነት ከቢድ ተወፋይነት ዝሓትት ሃገራዊ ጉዳይ ድማ ምክውዋል ይኹን ምሽፍፋን ዘድል ኣይኮነን፡፡ዘለናዮ ግዜ ብኢድ ገለ ዓያሹ እንግድዓ ጨካን ኣራዊት ትልካዓሉ ወይ ትእምተሉ እዋን ከምዘይኮነ ውን ምግንዛብ ከድልየና ኢዩ፡፡ እንሰርሖ ስራሓት እንሰርዖም መደባት ግሉጽነትን ተሓታትነትን ክህልዎም ይግባእ፡፡መሰረትና ተሓግሒጉ እናተነቕለ፡ህላወና አብ ዘሰክፍ ደረጃ በጺሑ እናሃለወ ከም መንእሰያት መሪሕ ተራና ክንጻወት እምበር ድሕሪ መጋረጃ ተኸዊልና ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ክንኣቱ ኣይግባእን፡፡ስለዚ ቅድሚ ዝኣገረ ጥርናፈ ኤረትርውያን መናእሰያት እቲ ወሳኒ ሓይሊ ምዃኑ ኣሚና ሓደ ቅኒትን ዝበሰለ ርድኢትን መታን ክንሕዝ ንኹልና ዝጥርንፍ ጽላል ብዝቐልጠፈ ክንምስርት ይግባኣና፡፡

ካልኣይ እንተዘይ ተጋግየ ካብ ምንቅስቓስ መናእሰያት ሰሜን አመሪካ (E.Y.G.M.) ኢዩ መስለኒ ሓደ ኣገዳሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ፡፡ነቲ ስመር……ር ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንቕድሞ ከይንህሉ ዝብል ስክፍትኡ ብጋህዲ ኣቐሚጡ ነይሩ፡፡ኣብዚ መዳይ’ዚ ውን ክጥጥሑን ክስገሩን ዘለዎም መድረኻት ከም ዘለው ምስትውዓል ከድሊ ኢዩ፡፡ከምቲ ቀዲመ ዝበልክዎ እዞም ኣብ ስመር………ር ዝብል ናይ ፓል-ቶክ ፕሮግራም ንሳተፍ ዘለና ኤርትራውያን መንእሰያት መን ካበይ ኢና ብጭቡጥ ኣይተፋለጥናን፡፡ ዘይፋለጡ፡ብኣረኣእዮኦም ዘይሰመሩ፡ ዘይተኣማመኑ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝጎደሎም፡ ብሰንኪ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ፈቖድኡ ፋሕ ብትን ዝበሉ መናእሰያት ኣብ ማዕበል ብመገዲ ፓል-ቶክ ልባዊ ጽልኦም ኣንጻር ህ.ግ.ደ.ፍ. ስለ ዝገለጹ ነጋሪት ኲናት ከበሮ ክትሃርም ኣይከኣልን ኢዩ፡፡ እዚ ክብል ከለኹ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ እዋናውን ታሪኻውን ዛዕባ  ብመገዲ ፓል-ቶክ ሓሳባትና ምግላጽ ምርድዳእ ምዝታይ ሕርሚ ይኹን ንምባል ኣይኮንኩን፡፡እንታይ ድኣ ብቐደም ተኸተል ንነገራት ባህርያቶም ብዝግባእ ኣጽኒዕና ካብ ሱሮም ከንሕዞም ስለ ዘለና ኢዩ፡፡ነዚ ዓቢ ሃገራዊ ዕማም ብዓወት ንምዝዛም  ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ብዘየገድስ ንፍርሒ ስዒርና  ናይ ኣእምሮ ትብዓት ወኒንና ብግሉጽነት ንራኸበሉን ፍልጠትና ነዕሙቐሉን ባይታ ብዝቐልጠፈ ክንፈጥር ኣለና፡፡ክሳብ ሕጂ ከነካይዶ ዝጸናሕና ስራሓት ዘገምታውን ልኡማትን ምንባሮም ውን ብዝግባእ ክንግምግሞም ኣለና፡፡

ናብቲ ሳልሳይን ዝዓበየን ዛዕባ ምስእንሰግር ብገለ ወገን ዝቐረበ ሓሳብ ፍጹም ዘይሓላፍነታዊ ኢዩ፡፡መንግስቲ ኢትዮጲያ ንኤርትራ ወሪሩ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ክኣልዮ ምድላይን ምጽባይን ብስሰዐ ዝተባዕጠ ሕሉፍ በለጽ ኢዩ፡፡በለጽ ጥራይ ውን ዘይኮነ ናይ ዕሩባት ሕልና ባዶሽ ሕልሚ ኢዩ፡፡ከምዚ ዓይነት ተስፍኡ ዝጸልመተ ኣረኣእያ ዝውንን መንእሰይ ምሉእ ብምሉእ ክንውግዞ ኢዩ ዝግባእ፡፡ ምውጋዝ ጥራይ ዘይኮነ ውን ዓንቃፊ ጉጭ ምዃኑ ተለልዩ ፎእ ክበሃል ክኽእል ኣለዎ፡፡ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደብ ኣንፈት ኤርትራዊ መንእሰይ ንምጥፋእ ነቲ ሃናጽን እዋናውን ዛዕባ ንምኹላፍ ስልኳን ሽርሕን ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ዘሎ ኣይዘንጋዕኩን፡፡ የግዳስ ጉዳይና ካባና ብኣና ባዕልና ክኸውን ኣለዎ፡፡ነዚ ድማ ኩልና ኤርትራውያን መንእሰያት እጅገና ክነስብስበሉ ኣለና፡፡ ኣበዚ ሓደ ከነጽሮ ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ ኲናት መዕነውን መህለቕን ምዃኑ ኢዩ፡፡ንኲናት ክንምነዮን ክንሓስቦን ውን የብልናን፡፡ኲናት ኣብ ናይ ዜሮ ምርጫ ጥራይ ኢዩ ክካየድ ዝኽእል፡፡ብዓቢኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ እንታ’ዩ ዝደሊ ዘሎ ትርግታ ልቡ ከነዳምጽ ኣለና፡፡እዚ ክብል ከለኹ ብደም ንጹሃት ኤርትራውያን ኣእዳዉ ዝጠልቀየ ፡ እቕረ ዘይበሃለሎም ከበድቲ ገበናት ዝፈጸመ፡መብጽዓ ስዉኣትና ዝረገጸ፡ሕሉፍ ሓሊፍዎ ስንኩላን ተጋደለቲ ዝረሸነ ቶታሊተርያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብሰለማዊ መንገዲ ናይ ምልኪ ስልጣኑ ክገድፍ ኢዩ’ሞ ኢድና ኣጣሚርና ንጸበዮ ንምባል ኣይኮንኩን፡፡እንታይ ድኣ ኣብ ልዕሊ እዚ ገባቲ ስርዓት ዝካየድ  ናይ ጎነጽ ተግባራት ብዝተጸንዐ መገዲ ተሓታትነት ዘለዎ ብኣና ብኤርትራውያን ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡ገለ ዝተደናገረ ገዲፍካ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ህዝቢ ተነጺሉ ኢዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብጉልባብ  ሃገራዊ ኣገልግሎትን መናፍሕ ከበባዊ ኲናትን ንነዊሕ ዓመታት ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ዕቑር ሓይሊ ደምበ ተቓውሞ ምዃኑ ብዝግባእ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡እዚ እቲ ዝግበር ጎነጻዊ ቃልሲ ብኣና ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ፡፡መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ክፍጽም ኣለዎ ምባል ግን ዳግማይ ህልቂትን ዕንወትን ንምርአይ ምምናይ ኢዩ፡፡ኣብዚ ሓደ ከስምረሉ ዝደልዮ ነገር ኣሎ፡፡ ናይዛ ናብ ፍጹም ጎደና ጥፍኣት ተምርሕ ዘላ ሃገርና ቀዳማይ ተሓታቲ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢዩ፡፡ ብኻልኣይ ደረጃ እንሕተት ድማ እቶም ሱር መሰረትና ተሓግሒጉ እናተነቕለ  ከም ዘይ ውራይናን ከም ዘይ ምልከተናን ኢድና አጣሚርና ብማዕዶ ንርኢ ዘለና ኤርትራውያን መናእሰያት ኢና፡፡ክሳብ ሕጂ መሪሕ ተራና ክንጻወት ናይ ገዛእ ርእስና መቃለሲ ባይታ ክንፈጥር ኣይከኣልናን፡፡እዚ ክብል እንከለኹ ኤርትራ ንመንእሰያት ጥራይ’ያ ትብጸሖም ካልእ ክቃለስ የብሉን ንምባል ኣይኮንኩን፡፡ ዘለናዮ ግዜ ኩልና ብሓባር ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ዘዝዓቅምና ጸጸር እንድርብየሉ ናይ መጠረሽታ ታሪኻዊ ሰዓት ኢዩ፡፡ኣብዚ ምልኪ ዝፈርሰሉ ታሪኻዊ ሰዓት ብዝለዓለ መሪሕ ተራና እናጻወት ግን ንሕና ኤርትራውያን መናእሰያት ኢና፡፡

ከም መንእሰያት ተበግሶ ንምውሳድ ወሰንቲ ንኹን፡፡ዝውሰዱ ስጉምታት ግን ብኣና እምበር ብኢድ ካልእ ክኾኑ ኣይንጸበ፡፡ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብፍሉይ ውን ኣብ ኲናት ዘሎዎም መርገጺ ኣነጺርና ክንፈልጦ ይግባእ፡፡ጸላኢና ድኽነት ኢዩ፡፡ ዳግማይ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣሕዋት ጎረባብቲ ሃገራት ኲናት ከውላዕ ኣይንደልን፡፡ምዕረ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ገበን ተወዳደርቲ ክንከውን ኣይንደልን ዝብል ዝተነጸረ ኣመለካኽታ ኢዩ፡፡ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጲያ በትረ-ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ውድብ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ንናጽነት ኤርትራ ብመትከል ዝኣምን ጥራይ ዘይኮነ ከቢድ መስዋእቲ ውን ዝኸፈለ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ፡፡ወያነ ንኤረትራ ዳግማይ ክወርር እደሊ ኣሎ ዝብል ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. መዳናገሪ መጻንሒ ኣጀንዳ ኢዩ፡፡ኣብ መደምደምታ ጓይላና ምእንቲ ክደምቕ ስምርኡ ምእንቲ ክጽብቕ እግርን ከበሮን ክሳነ ክኽእል ኣለዎ፡፡እቲ ብዓውታ እንዘምሮ ዘለና መዝሙር ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ልቢ ኩሎም ዜጋታትና ምእንቲ ክሓድር ንኣእመሮ ዝዂሕኩሕ ዝተወሃሃደ ቅኒት ክህልዎ ኣለዎ፡፡

ዘልኣለማዊ ዝክሪ ንሰማእታትና

ሚካኤል እምባየ(ኣራንቺ)

Aranchi03 @yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Weldit February 6, 2012

    Quiz time. Find out what the lie was about.

    Referring to huffington post, Hadas Ertra told its readers a BIG lie about Obama’s old car.
    Read & judge for yourself.

    Here how Hadas Ertra published the story (go to the last page)
    http://74.63.78.28/dec2011/haddas_ertra_06022012.pdf

    And here is the huffington post article
    http://www.huffingtonpost.com/2012/02/02/obamas-old-car-fails-to-s_n_1250034.html

    So much for “serving the truth”

    • Ahmed saleh February 6, 2012

      That is funny but shameful though. Hadas Eritrea and Eri-Tv misleading information to the public on sole purpose to serve the regime do not surprise us anyway. That is why
      you counter some hard-headed zombies around. Thanks for the tip.

  • Zemuy February 6, 2012

    We live in USA American but stuff of Killers,Mafia weird people stuff. ERTVE is propagating against usa ever day to misinform Eritreans people are just smart thanks to sattelite they can ge real news. WhAT HAPNNED TO THE AMHARIC,OROMO ERTV PROGRAM?

  • pawlos erena February 7, 2012

    እንታይሞ እንታይሞ ኣብዛ ዓለም እዚኣሞ ድዩ ዝበለ ደራፋይ ኣንታ ጅግና ሚኪኤል ኣራንሺ ከማኻን ከም ኣዳላዊ መደብ ኣሰናን እንዶሞ ጸሓፍቲ ተሳኢኖም ፡፡እቶም ዝርካቦም ፍርሒ ኣትይዎም፡፡ ክልተ ሰለስተ እንተዝውሰኹ ትንሳኤ ኤርትራውያን ነዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዓሰራ ማርሻ ሕጂ ምተላዕለ ፡፡ ኣጆኩም ኣብ ጎንኹም ኣለና፡፡
    መሰለዩ ካብ አስመራ

  • A.Berhane February 7, 2012

    Well said Michael. It is very constructive opinion and it is a good lesion. We have enough capacity to deafet dictator .The only thing is strong Orginization and youth insative

POST A COMMENT