Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“እዚ ኹሉ ጎይና፡ ህበይን ዕትሮን ርኢና ተመሊስና !”፡ ይብሉ ምሳኪን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ለንደን

ትማሊ ሰንበት 5 ለካቲት፡ ናብቲ ወከልትን ኮራዅርን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ገለ ብቴክስት ገለ ድማ ብተባራሪ ወረ ተዓዲሞም፡ ‘ላዕለዎት ሓለፍቲ’ ክመጹ ስለዝኾኑ ኣፈርክቡ ተባሂሎም፡ በብኽልተ በብሰለስተ፡ ዝጣራቐሙሉ ኣዳራሽ ጎሰስ ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት፡ ብኽልተ እግሮም ዲዮም በርባዕተ

ትማሊ ሰንበት 5 ለካቲት፡ ናብቲ ወከልትን ኮራዅርን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ገለ ብቴክስት ገለ ድማ ብተባራሪ ወረ ተዓዲሞም፡ ‘ላዕለዎት ሓለፍቲ’ ክመጹ ስለዝኾኑ ኣፈርክቡ ተባሂሎም፡ በብኽልተ በብሰለስተ፡ ዝጣራቐሙሉ ኣዳራሽ ጎሰስ ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት፡ ብኽልተ እግሮም ዲዮም በርባዕተ መሓውሮም ዝኸዱ ዘለዉ ንምርግጋጽ ኣስተብህሎ የድሊ ነይሩ።

ዓሻ ጽቡቕ ኣሎ ዘመድ ዓሻ ከፊኡዎ ‘ሎ’ ከምዝብሃል፡ ብፍላይ በረድ ወሪዱ መጠንቀቕታ ኩነታት ኣየር (weather Warning) ኣብ ቦትኡ እናሃለወ ካብ ማንቸስተር ከይተረፈ ናብ ኣኼባ ህግደፍ ናብ ለንደን ዘጓሕ ምባሎም፡ ምስቲ ፍረ-ኣልቦ ኣኼባኦም ኣነጻጺርካ ክትርእዮ ኸለኻ፡ የተሓሳስበካ፡ ኣብ ክንድኦም ከኣ ትጭነቕ፡ መሳኪን!!

መቸም ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እንተላይ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ለንደን ፈስቲቫል ኣብ ዘካይዱሉ ዝነበሩ እዋን ብመንእሰያት ደለይቲ ለውጢ ዘጋጠሞም ተቓውሞ ከይደግሶም ተባሂሉለይ እንዲዩ፡ እቲ ኣኼባ ተመስጢሩ እዩ። እቲ መሓዮታት ናይቲ ኣኼባ ስራሕና ኢሎም ነቲ ጉዳይ ንምሕባእ ዝፈተኑዎ ጥበባት መቸም ሻቕሎቶም ሰማይ ዓሪጉ ኣብ መወዳእታ እዋኖም ተገምጊሞም ከምዘለዉ ዳግም ዝምስክር እዩ። መጀምርያ፡ ነፍሲ ወከፍ ዕዱም ጥራይ ዝፈልጦ ምስጢራዊ ቁጽሪ ኮድ ክወሃቦ እዩ ተሓሲቡ፡ እዚ ምጥዓም ምስ ኣበየ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ዕዱም ሓንቲ ንእሽቶ ባንዴራ ኤርትራ ሒዙ ክመጽእ ተማቲኦምሉ፡ ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ዕድመ ብቴክስት ወረን ብሰላሕ መላሕ፡ ከምቲ ልሙድ ከኣ ኣብ ኣፍደገ ሕብሪ ደጋፋይን ተቓዋማይን ብምልላይ ተገይሩ። መጋበርያ ህግደፍ፡ ንኻልእ መዓልቲ ምእታው ዕዱማቶም ክቐለሎም ግን ሓንቲ ንእሽቶ ምኽሪ ወስ ከነብለሎም፡ ዕዱም ክመጾም ከሎ፡ ኣብ ኢዱን ኣብ ርእሱን ምድህሳስ ጥራይ እዩ ዘድልዮም። እቶም ደገፍቲ ከብዲ ኢዶም ብተሃበር ጣቕዒት ስለዝላደየ፡ ሕርፍፍ ዝበለ፡ ሓንጎሎም ጓሕጕሖም ኣብ ገዛ ገዲፎሞ ስለዝመጹ ከኣ ርእሶም ፎኪስ፡ ቁልዕጽዕጽ ዝብል እዩ። በንጻሩ ናይቶም ተቓወምቲ፡ ኢዶም ንቡር ርእሶም ድማ ረዚን፡ ተሪር እዩ’ሞ፡ ንመጻኢ ክሳብ ክንድ’ዚ ምሽጋር ኣይከድልዮምን እዩ።

እቲ ጥበብ ምስጢራውነት ንህግደፍ ስለዘይሰለጦም፡ እቶም ውሑዳትን ርቡሓትን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ተጸዋዊዖም ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣዳራሽ ብርእሰምትእምማን ኣብ በረድ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብዘስምዖዎ ዝነበሩ በዳሂ ሕልናዊ ድምጺ ውጹዓት፡ እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ደኒኖም ክሓልፉ ኸለዉ፡ በቲ ዕሙር ጎደና ዝተሓላለፉ ዝነበሩ ወጻኣተኛታት ድማ ነቲ ብሓይልን ስምዒትን ዝወዓዋዕ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ግዱስ ኣቓልቦ ይህቡዎም ነይሮም። ነቶም ዕሱባት ህግደፍ፡ ‘ድሕሪ ቐዛፊ ኢሳያስ ተቐዛፊ’ ትብል ጭርሖ፡ ከም ካራ በሲዓ ኣብ ዓጽሞም ትበጽሕ ከምዝነበረት፡ ካብ ኣዳንና ርእሶም ይረአ ነይሩ። እታ ድራማዊት ናይ ቀዛፊ ህሞት፡ ኣብ ኤርትራ ምድጋማ ከምዘይተርፋ ተዘኻኽሮም ስለዝነበረት ምዩቕታኦም ምቍጽጻር ስኢኖም፡ ቀልጢፎም ክኽወሉ ናብቲ ኣዳራሽ ክሸኩ ከኣ ተራእዮም።

‘ዝብእስ ዝብላዕ ኣሎ እንተበሉዎ ናበይ ከይበለ ክጎዪ ሓደረ’ ዝብሉዎ ምስላ፡ ኣሎ። ዕሽነት ኮራኩር ህግደፍ ግን ካብኡ ዝገደደ እዩ። እንታይ? ብመን? ከይበሉ፡ ኣርእስትን መዳርን ከየጣለሉ እዮም ሃሊሎም።

ኮነ ኸኣ፡ ኣሽንባይ ዶ እቶም ዕዱማት፡ እቶም ዓደምቲ’ውን፡ ብዛዕባ ምንታይ ክዛረቡ ከምዝመጹ ኣይፈለጡን። ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ የማነ ማንኪን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ በርባዕተ እግሩ በረድ እናሰበረ ዝመጾም ግዙእ፡ “ዝብሃል ሓዱሽ ነገር የብልናን፡ ንእግረመንገድና ኢና ኣኼባ ጸዊዕና፡ እንግሊዝ እዮም ጸዊዖምና” ክብሉ ኣጀንዳ ከምዘይብሎም ደርጕሖምሎም። ሽዑ ኸኣ’ዮም፡ ገለ ካብ ኣኼበኛታት፡ ነቲ ኣጀንዳ ኣልቦ ኣኼባ ናይቶም ኣካየድትን፡ ቆሎጥጡቖ ሕቶታት ሰማዕቶምን ምስ ኣስተብሃሉ፡ ‘ዋይ ኣነ፡ እዚ ኹሉ ጎይና፡ ህበይን ዕትሮን ርኢና ተመሊስና’ ዝበሉ። ንሕና ድማ ሽዑ ኢና፡ ኣብቲ ገዛ ሒደት ሰብ ክልተ እግሪ ‘ውን ሰሊኾም ከምዝነበሩ ዝተገንዘብና።

ብዝኾነ፡ እቶም ተደናገጽቶም ‘ህበይን ዕትሮን’ ክብሉ ዝጠመቑዎም ሰበ ስልጣን ህግደፍ፡ ብእንግሊዝ ተዓዲምና ኢና መጺእና ክብሉ መገሻኦም ከጸባብቑ ‘ኳ እንተፈተኑ፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምትሕብባሮም ከምዝተገብረ ዝሕመ ቅትለት 5 ኤሮጳውያን ቱሪስትን፡ መጭወይቲ ናይ 2 ካልኦትን ንመግናሕቲ ከምዝተጸውዑ ይንገር። ብዓቢኡ ካብቲ ናይ  ልዕሊ 50 ሃገራት መራሕትን ዲፕሎማሰኛታትን ተዓዲሞምሉ ዘለው፡ ንጉዳይ ሶማልያ ዝምልከት ን23 ለካቲት ኣብ ለንደን ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ከም ተሓባበርቲ ሽበራ ተራእዮም፡ ከምዝተኣገዱ ‘ውን ይስማዕ ኣሎ። እዚ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ጭፍራ ህግደፍ ካብቲ ብዘይካይ ኣይፍታሕን እዩ ዝብሉዎ ጉዳይ ሶማል ዓዲ ምውዓሎም፡ ካብ ዓለም ተነጺሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ነጺሎም ‘ውን ከምዘለዉ ዳግማይ መረጋገጺ ክኾነና እዩ።

እዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ተነጽሎ ኸኣ’ዩ ዋላ ብምትሕብባር ምስ ግብረሽበራ፡ ወይ ዝኾነ ኣሉታዊ ስጉምቲ፡ ኣቓልቦ ንምርካብ ዘሀንጥዮም ዘሎ። እዚ ናይ መግናሕቲ ጻውዒት መንግስቲ እንግሊዝ ነዚ እዩ ዝምስክር። ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ዓፈር ዝተኻየደ ቅትለትን ጭውያን ኣይተሓባባርናዮን ፡ በንጻሩ ማእለማ ኢትዮጵያ እዩ፡ ነገርና ደልያትና፡ ኢሎም ክውጭጩሉ ተሰሚዖም እዩም። ከምኡ እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ ደኣ፡ ነዚ ናይ ሃገር እንግሊዝ ጻውዒት፡ ‘ንዓና ዘርኢ ጉዳይ ኣይኮነን፡ ንፈልጦ የብልናን’፡ ኢሎም ዘይነጽጉዎ? ኤእ፡ ኣቓልቦ ይረኸብ እምበር፡ ብኸመይ ኣገባብን በየናይ ዋጋን ምርካቡ ዘገድሶም ኣይኮነንን ፍሹላት መራሕቲ ህግደፍ።

እቶም ኣመና ዘደንግጹ ግን፡ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ብዘውርዱሉ ዘለዉ ስቓይ ማእሰርትን ሞትን ኣእዳዎም ደም ስለዝተጸየቐ፡ ካብ ምጽላቝ ሲ ኣጸቢቕካ ምጭምላቕ ዝሓረዩ ዕሉላት ገበነኛታት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣይኮኑን። እቶም፡ ንኹሉ ፍርያት ሓርነትን ዲሞክራስን ኣብ ወጻኢ እናተቛደሱ ንዝህቢ ኤርትራ ጽንቃቕ ናይቲ ንዓኣቶም ፍጊዕ ዝበሎም ራህዋ ዝበቐቑሉ፡ ኣብ ወጻኢ፡ ሃሱሳዊ ስርሓት ህግደፍ ዘሳልጡሎም ዘለዉ ከፈትን ዓጸውትን ማዕጾን ህግደፍ ‘ውን ኣይኮኑን። ነዚኣቶም ጸሊም መዝገብ ህዝቢ ኤርትራ ይፍረዶም። እቶም ብሓቂ ዘደንግጹ፡ እቶም ላንጋ ላንጋ ኮይኖም፡ ቀትሪ ምስ ህግደፍ ለይቲ ምስ ተቓወምቲ ማንታ ህይወት ዘሕልፉ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ‘ዮም እሞ፡ ሰዓት መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣኺሉ’ዩ፡ ህበይን ዕትሮን ግዳ ቀቀሊሉ፡ ካብ ህግደፍ ብኣግኡ እንተዘይርሒቕኩምስ ወረ ዓይንኹም ካልእ ክትርኢ እያ ንብሎም።

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ከምታ ወዲቓ ክንሳ፡ ብሓንቲ ሱር ወፋሪ ዕንጨይቲ እተሕርቕ ምውቲ ገረብ እዩ ኮይኑ ዘሎ ‘ሞ፡ ሓቢርና ነበርቍቆ። ኣምሳያኡ ድማ መድሕን ናይዚ እናረኣናዮ ብቐስታ ዝጠፍእ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸውን ቅዱስ ስርዓት ንትከል።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
56 COMMENTS
  • Political_Hitman February 10, 2012

    Ambabi, I do agree with you. Something has to be done to stop the flock of our young from their Beloved Eritrea. There should be a change in direction to resolve some of the hardship our people are going through. However, we should not just expect the government to do everything by themselves, we should all come together and help the government to make positive changes. There’s no point taking the spectator’s sit and simply watch and winge about it. ‘ Don’t ask what your country can do for you, ask what you can do for your country’ I am sure some of you recall these great words by once a great leader! So once more let’s all come together and see what we can do for our country instead of ill wishing.

  • zewdi iyasu February 11, 2012

    AMAN
    TSEGEM YELEN AMAN ENTAY KONKA CHINKET EHDIRKA, SHABIA GHENA HAYAL HAYAL ALO.

    • abeyassu@yahoo.com March 9, 2012

      Aye, kemnisha zeameslu eyom bezi heji geze nseb zegageyu zelewu. Nsha mechem kabtom had EGDEF zebkeyetom had tehewen, gena menti kalemaha kebeki SHABIA hayal tebel aloha, shabia hayal kekewen yekel eyu gena HEZBI Eritrea gena tsbuq geru yebkeyo alo, ezi dema zelo haqi kuluna nefelto neger eyu, mekneyatu dema kuluna dehai nayadena selzelona, sedrana kebkeyu nere selazelona

      Kemahatkum zelo eyu SHABIA enadabele, nesu bekyus nehezbi zebki zelo.

      Kembeal nskatkum dema hade bahade Shabis keterkbelkum eya, mekneyatu haqegnatat serahetegnatat sezekonkum.
      qedem geze qalsi kulu meselewo atqiu eyu gena heji “HAGER HEZBI” eyu zelo ember kamqedem meteqe terifu eyu, kulu dema geziu alewo.
      Natsenet elna ember Eritreas nehezba kezi zefedyu do meselomana nerom, kab keleot heshaom ab hagerna kema hagerna be sebawi meselna kemahadruna elna ember mechefchafen, afarariheka megzae kalot keman geromo endeyom nerom, eze kulu gen ane hara awtseka eye kab zebel melisu kabom zegedede geru kemahadareka gen zehezen eyu.

      Nab lebha temeles emo dema kaleot aytegagi

      Selam, rahewa, mesel nayseb zehelewela Eritrea yemtsealna

  • tem@arsimonalounge.com February 12, 2012

    IT’S CALLED HUMAN TRAFFICKING!!! U.S. MAKES IT A POINT TO STAMP ALL ERITREANS DEPARTING HOMELAND WITH AN “OPEN VISA” TO ANYWHERE, WHY YOU ASK?? TO CLAIM AS IT HAS, HUNDREDS ARE LEAVING ERITREA!! TO MAKE IT’S BOGUS CLAIM OF A CORRUPT, REPRESSIVE GOVERNMENT. THIS IS ILLEGAL BY INTERNATIONAL LAW, BUT IT’S HAPPENING AS WE SPEAK. ASK ANYONE THAT HAS LEFT HOME, THEY ALL REGRET IT. LET’S STOP THIS ILLEGAL PRACTICE BY THE US & KNOW WHO IS OUR FRIEND AND OUR FOE & STOP THE IN FIGHTING, YOUR “FOE” IS LAUGHING AT YOU. DAMM THAT!!!!!!!!!!!!!!!
    WETRU AWET N HAFASH
    TEMESGEN KIFLIT
    OAKLAND CA

  • hijiwen ASSENNA!!! February 15, 2012

    Assenna Vs Meskerem.net,

    It has been awhile since meskerem.net acting like as loudest cheerleader of PFDJ. Meskerem choose to have antagosnist position toward the opposition group and working day and night to discredit the oppostion group. I dont undestand why meskerem continued to attack assenna. Meskerem –are you with the poor eritrean people and the oppostion group OR with the PFDJ? make it clear…no more double stands!!
    I personally visit assena and awate for news . i have high respect for assenna’s founder amanuel . If i visited shabait i donot have to visit meskerem–because they are more or less ” two sides of a coin”.

  • mehari ted February 21, 2012

    its so funny hegdef politican its true “hebeyen etro rena temelsena” hegdef they dont have future plan at all since they came to the power the regme is absolitly dictotor and very shamefull party… i dont know to say about this so call hegdef there is no such good think i heard about hegdef so idot and crimenal party …. pray for eritrea pople… and god bless eritrea

POST A COMMENT