Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

- search results

If you're not happy with the results, please do another search
ውሽጣዊ ኣእምሮ ውልቀመላኺ

ኣማኑኤል ሳህለ ወድሰብ ናብ ወርሒ ወይ ናብ ማርስ ብምኻድ ነዘን ጠፈራውያን ኣካላት ይድህስሰንን ይምርምረንን ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጠሊቑውን ነቲ ምስጢራት መዓሙቕ ማያት የጽንዖን ይምርምሮን ኣሎ። ካብዚ ምርመራታትዚ ድማ ብዙሕ ኣርባሒ ዝኾነ ውጽኢታት ረኺቡን ይረክብን ኣሎ። ሽሕኳ ንዩኒቨርስ ምምርማር ከቢድን እተሓላለኸን ኣሸጋርን እንተ ኾነ: ነቲ […]

ደሃይ ካብ ኤርትራ – ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መመረቕታ መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መደረኡ ብዘስመዖ ወልደፍደፍ መስሓቕ ሰብ ኮይኑ።

ደሃይ ካብ ኤርትራ ወልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ 11 ሓምለ ኣብ መመረቕታ መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ተመረቕትን ህዝብን ኣብ ዝገበሮ መደረ፣ ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ሳዋ ተማሂሮም መልቀቒ ፈተና ገይሮም ዝሓለፉ ዝበሎም ተማሃሮ ክዝርዝር ክሎ፣ 14 ሚእታዊት ብዲግሪ፣ 10 ሚእታዊት […]

ቅድሚ 31 ሓምለ 2011 ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ 19 ሓምለ ንደሓር ኣብቲ ሖሎት ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ክዳጎኑ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውጺኡዎ ዝተባህለ ሓዱሽ ኣዋጅ ምትግባር ከምዘይጀመረ ምንጭታት ካብ ቴልእቪቭ ሓቢሮም።

ቅድሚ 31 ሓምለ 2011 ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ትማሊ 19 ሓምለ ንደሓር፣ ኣብቲ ሖሎት ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ክዳጎኑ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውጺኡዎ ዝተባህለ ሓዱሽ ኣዋጅ ምትግባር ከምዘይጀመረ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ልሙድ እቲ ኣብ ከክልተ ወርሒ ዝገብሩዎ ምሕዳስ ቪዛ ሎሚ ‘ውን ይቕጽሉዎ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ […]

ኣብ ጀርመን ከም ኣስተርጎምቲ ስደተኛታት ዝሰርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ተሓባበርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ስደተኛታት የጕባዕብዑሎም ከምዘለዉ ዶቸ ቬለ ኣብ ዜናዊ ጸብጻቡ ሓቢሩ።

ኣብ ጀርመን ከም ኣስተርጎምቲ ስደተኛታት ዝሰርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ተሓባበርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ኣብ ጀርመን ናይ ዑቕባ ሕቶ ዘቕርቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስክርነቶም ኣዘንቢዖም የስተርጉሙሎም፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክሓብኡዎ የጕባዕብዑሎም ከምዘለዉ ዶቸ ቬለ፣ ንግዱሳት ኤርትራውያን ብምጥቃስ ኣብ ዜናዊ ጸብጻቡ ሓቢሩ። ብሰንኪ […]

ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ 1993፣ ክርሳዕ ዘይብሉ ተመክሮ – 1ይ – 4ይ ክፋል

ዓንደብርሃን  ወልደ ገርግሽ – ሕጂ ኸ ናበይ? ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ፕረሲደንት ነበር ዓንደ ርሃን ወልደ ገርግሽ ፡ ኣብዚ መድረኽ እዚ፡ ንስርዓት ኢሳያስ ብምቅዋም ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ካብ ስልጣን ተወጊዱ ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ መንግስቲ ንክትከል ከምዝቃለስ ፡ ዘስምዖ  ዘሎ መደረታትን ሰሚናራትን ፡ ዘሓጉስ እዩ ፡፡ ሕጂ […]

Save The Date ! “On Dialogue and the prospect for peaceful change in Eritrea” – Minnesota

Save The Date ! “On Dialogue and the prospect for peaceful change in Eritrea” ንሃገራዊ ዕርቅን ሰላምን ዘስፍን ዕዙዝ መባእታ ስጉምቲ ! ሃገርና ኤርትራ ከም ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ብሰላምን ብፍትሒ ርትዒ ክትመሓደር ናይ ኩልና ደለይቲ ሰላም ባህግን ትምኒትን ኢዩ: ነዚ ትምኒትን ባህግን ክውን ተግባራዊ ክኸውን […]

ግህዶ’ዩ!

ብጴጥሮስ ተኽሉ፡(ሓላዪ) 20/07/15   ተንስእ ተበራበር እናበለ ዝንቁ ደርሆ ኣብ ጥዑም ድቃሰይ ጋሕጋሕ ንግሆ ኣይሰማዕክዎን ሎሚ ረፋድ ካብ ጉዩይ ምዓል ምሓዝ-ክሳድ፣   ግህዶዩ  ኣይኮነን ሕልሚ ነጻ ወጽየ ማለትዩ ሎሚ ኣቲ ነብሰይ ክሓዲ እመኒ ሞቑሐይ በቲኸዮ እመስለኒ፣   ክብል ይደሊኣሎኹ እሱር ብጻይ ነጻ ክወጸለይ ካብ ተጻይ […]

ስለዘይመኸርና ሕጓና ኣድፊርናን ጸላእቲ ኣብዚሕናን

ዕድመኦም ኣብ 70’ታት ዝገማገም ጸጉራም ተቀማጣይ ጾሮና ኣቦ፡ ኣብ 1999፡ ብዛዕባ ኩናት ኣብ መንጎ ኤርትራን እትዮጵያን ነዕልለሉ ኣብ ዝነበርና እዋን “ጅግንነት ተጋደልቲ ኣብ በረኻ’ዩ ነይሩ’ምበር ዓዲ ኣቲኹም መንግስትነት ምስሓዝኩምስ ኣይግድን፡ ምምሕዳር ኣይክኣልኩሞን፡ ምኽሪ ዓበይትን ወራዙትን ድማ ኣይትቅበሉን” ዝበልዋ ሓሳብ እናሻዕ’ያ ትዝከረኒ። እቶም ኣቦ፡ ብህይወት ከምዘለዉ’ኳ […]

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዓቒቦም ዝጸንሑ ሚንስተራት የመን ብመንገዲ ኤርትራ ኣቢሎም ብጃላቡ ናብ ዓደን ከምዝተመልሱ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት የመን ትማሊ ቐዳም፡ እታ ካልኣይቲ ከተማ የመን ዓደን፡ ካብቶም ብ ኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሑቱ ሓራ ከምዝወጽአት ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዓቒቦም ዝጸንሑ ሚንስተራት የመን ብመንገዲ ኤርትራ ኣቢሎም ብጃላቡ ናብ ዓደን ከምዝተመልሱ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ። ተቓወምቲ ሑቱ ኣብ ወርሒ መጋቢት […]

እዋናዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝሓለፈ ሳምንታት ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘቕረቦ ንኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ: ኤርትራ ንኢትዮጵያን ጂቡቲን ምህዋኽ ከምዝቐጸለቶ ገሊጹ:: ንሱ ኤርትራ ካብ’ዚ ተግባራት እንተዘይተቖጢባ መንግስቱ ንህዝቢን ዓለምን ኣፍሊጡ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደዱ ኣጠንቂቑ:: ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ማዕረ ናብ ኣስመራ ከይዱ […]

መሰል ወድሰብ

ኣማኑኤል ሳህለ ንምዃኑ ወድሰብ: መሰል ዚብሃል ኣምር ካበይ ዘምጽኦ እዩ? ኣለዎ ድዩኸ? መን ዝሃቦ? ወድሰብ ብጥንቲ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ኪነብር ከሎን ነንሓድሕዱ ድማ ከም ኣራዊት ኪባላዕ ከሎን እቲ ብሓይሉ ንኹሉ ዘሰነፈ ሰብ እዩ መሰል ዚብሃል ኣምር ኪፈጥር ዝኸኣለ። ናይ ባዕሉ መሰል። መለኮታዊ ሓይሊ ስለ ዘሎኒ […]

ሓበሬታ ንኹልኹም ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ በይ ኤርያን ከባቢኣን

ንዕለት 25 ቀዳም ሓምለ 2015 ምሸት ዓቢ ናይ ሕድሕዳዊ ምትሕቑቓፍ ድራርን ምዝንጋዕን (ዲጀ) ብደቂንስትዮ ኣባላት ቢይ ኤርያ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተዳልዩ ስለዘሎ ኩልና ተኣኻኣኪብና ክነምሲ ንዕድመኩም ፡፡ ቦታ Shuttk  &55th good hope church. ስዓት 7፡00 ምሽት ይጀመር። ብድሓን ምጹ፡ ዓወት ብሓድነት፡፡

ደሃይ ካብ ወደብ ዓሰብ

ኩላትና ከም ንፈልጦ እቶም ብኢሰያስ ዝምወሉን ዝስልጥኑን ዝነበሩ ብስም ሑቱ ዝፍለጡ ተቓወምቲ መንግስቲ የመን፡ ሃንደበት ንየመን ዳርጋ ኣብ ምቍጽጻር ምስ ኣተዉ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብመሪሕነት ዓረብ ንዕብለላ ኢራን ኣብዚ ከባቢ ክቈጻጸራ ግድነት ኮይኑወን። ስለዝኾነ፡ ኢሰያስ ብህጹጽ ናብ ርያድ ተጸዊዑ። ሽዑ ከምኡ ዝብል መምርሒ ግዲ ተዋሂቡዎ […]

መበል 11 ርእሱ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ ኣብ ዶብ ብዝተተኮሰሉ ጠያይት ብኸቢድ ዝተወግአ ኤርትራዊ ደሃይ ናይቶም 10 መማጽእቱ ከምዘይብሉ ከምዝሓበረ ሓቢሩ።

መበል 11 ርእሱ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ኣብ ዶብ ብዝተተኮሰሉ ጠያይት ብኸቢድ ዝተወግአ ወልድኣብ ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ደሃይ ናይቶም 10 መማጽእቱ ከምዘይብሉ ምዝራቡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብቲ ሓደጋ ጉዕዞ ስደት ኤርትራውያን ናብ ኤውሮጳ ኣብ […]

ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም ብፖሊስ ሱዳን ዝተታሕዙ 15 ኤርትራውያን ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣብ ሓሽፈራይ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም ብፖሊስ ሱዳን ዝተታሕዙ 15 ኤርትራውያን፣ ብፖሊስ ሱዳን ኣብ ካርቱም ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ ተረኪቦም ንሓደ ሰሙን ኣቢሎም ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ስርዓት ምስ ጸንሑ ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም፣ ኣብ ሓሽፈራይ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፣ ከምዚ ዝኣመሰለ […]

ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ተምሃሮ ካልአይ ደረጃ ዞባ ማእከል ብሓይሊ ተገዲዶም ናብ ሳዋ ወሪዶም።

ብዕለት 15 ሓምለ 2015 ካብ ዞባ ማእከል ብሓይሊ ተገዲዶም ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ተምሃሮ ካልአይ ደረጃ ናብ ሳዋ ወሪዶም። እዞም ናይ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ትምህርቶም ወዲኡም ናይ ዓስርተው ክልተ ክፍሊ ትምህርቶም አብ ሳዋ ንኽመሃሩ፤ ከምኡ ድማ ናይ መበል 29 ዞርያ ሃገራዊ አገልግሎት ኮይኑም አገልግሎቶም ንክቕጽሉ ብዝብል […]

ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን።

ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን።         2ይ ክፋል፡   15.07.15፡ ድሕሪ ናይ ዕለት 26 ሰነ 15፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝተገብረ ዓለማዊ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ እንታይ ስዒቡ”? እንተትብሉ እቲ ስ ርዓት ብሓያል ውቃዕ ከምዝተቦኽአ ብዝምስክር ሰምቢሩስ እንሆ ክሳብ ናብ ሙሉእ ለይቲ ብተሌፎናት ዘሕሸኹሹኽ ማእለ ያ ዘይብሉ ማይ ዘይጠዓመ ናይ መምሰልን […]

ኩሉ ወዲ ሃገር ብዛዕባ ጕዳያቱ ኣብ ዓዱ ንኽዛተ፡ ጠላም ስርዓት ህግደፍ ምእላይ ይኹን ቀዳማይ ጠመተ።

ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጥምዩን ኣድኪዩን ብራዕዲ እንዳገዝኤ ንኸጥፈኦን ክበታትኖን፡ ብስልቲ ካብ ዝሰርሓሉ ዓመታት ከምዘቝጸረ ካብ ኤርትራውያን ዝተኸወለ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝገብሮ ሽበራን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ኣቓልቦ ከይረክብ ዝጥቀመሉ ሜላ፡ ምስ ገረባብቲ ሃገራት ኩናት ብምጽሕታርን ንግብረሽበራውያን ብምሕጋዝን ፡ሃገራት ብዛዕብኡ […]

ደሃይ ካብ ኤርትራ – ምዕዳል ልቸንሳ ደው ኢሉ

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ስማዊ ዝኸነ ናይ ምልኣኽን ምምጻእን ናይ ንግዲ ፍቓድ ሊቸንሳ፤ ናይ ፍቓደ ምሃብ ደወ አቢልዎ አሎ። እቲ ብቀይሕ ባሕሪ ኮርፕሪሽን ዝፍለጥ ናይ ህግደፍ ናይ ንግዲ ትካል፤ ብሙሉእ ናይ ምምጻእን ምልኣኽን ንግድን ባዕሉ ክቆጻጸሮ ምኻኑ ካብ ኤርትራ ዝመጹ ሓበሬታት ይሕብሩ። እቲ ሰርዓት […]

ክልተ ተጻረርቲ ዕለታት ወርሒ ሰነ

ወርሒ ሰነ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ኣገዳሲ ምዕራፍ ኣለዋ :: 20 ሰነ ነቶም ምእንቲ ናጽነት ሃገር ክብርቲ ሂወቶም ዝወፈዩ ሓርበኛታት ብመንፈስ እንዝክረላ ረዛን ዕለት ኢያ:: ነቶም ምእንቲ ናጽነት ኣብ ዱር ኣብ ገደል ምስ ከበድቲ ኣጽዋር ጸላኢ ገጢሞም ሂወቶም ዝወፈዩ: ኣብ ከተማ ተወዲቦም ንሂወቶም ከይበቐቑ ምስጢራዊ […]

Iran, big powers clinch landmark nuclear deal

(Reuters) – Iran and six major world powers reached a nuclear deal on Tuesday, capping more than a decade of on-off negotiations with an agreement that could potentially transform the Middle East. Under the deal, sanctions imposed by the United States, European Union and United […]

ፈተናን ተጻዋርነትን

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ሓላፋይ እዩ፡ ትዕግስቲ ጥራይ ይሃሉኻ፡ ዚብል ሰብ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ምኽርዚ ክልተ ሕቶታት ኪለዓሉ ይኽእሉ፤ ኩሉ ሓላፋይ እዩ ክንብል ከሎና፡ እንታይ ማለትና ኢና? ዘይሓልፍ ፈተና ኸኣ ኣሎ እኮዩ፡ ማለት ክሳዕ መቓብርካ ደድሕሬኻ ዚስዕብ ፈተናን መከራን። ትዕግስቲ ክንብል ከሎናኸ ነቲ ናይ እተፈላለዩ ሰባት […]

ሓለፋ ! እቲ ዓቢ ገበን።

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ኣብ ሓለፋ ዘሳፍወሉ ዳስ ምልኪ፤ ንፍትሒ ይትረፍ ከም ኣሳፋዊ ከም ዕዱም ይህሉ`ዶ  ይኸውን ኢልካ ሃሰው ምባል ግዜኻ ምቅታል`ዩ። ፍትሕን ሓለፋን ብሓደ ክነብሩ ማለት ዘበት`ዩ።  ናይ ሓዲኦም መፈጸምታ ናይቲ ካልኣይ መጀመርታ`ዩ ፡ከም ኣወጻጽኣን ኣተኣታትዋን ቀትርን ለይትን። ናይ ቀትርን ለይትን ካብ ኣምጻእና፤ ልክዕ`ዩ ቀትርን ለይትን […]

ናይ መን ንዕቀት`ዩ ?!!

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ብቲቪ ኤረ ኣቢሉ ዝቀርብ መደብ መርሓባ ንወ/ሮ ለተሃንስ (ኣደ ኣርባዕተ ስዉኣት) ዓዲሙ ፤ ነቲ ከምዘይወለዳ፤ ወሊደን ከምዘይሰዋኣ ፤…….. ክሳብ ገባር-ሰናይ ነጋሲ ገ/ሚካኤል መጺኡ  ዘድሕነን ” በይነይ ኣብ ገዛ ተዓጽየ፤ ኣብ ጎልጎል ዝኽደኖ ዘይብለይ፤ብጸሓይ እናነደድኩ ብቁሪ እናተቀርፈድኩ እነብር ነይረ  ….. ” ወዘተ ዝብል ኣብ […]

ሰይጣን ናይ ክልቴና መኣስ’ዩ ዝሕረድ?

ብቀሊል ኣዘራርባ ፡ውልቀ ሰባት፡ ስድራቤታት፡ ጉጅለታትን ሃገራትን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንኣብነት ብጉዳይ መሬትን ይግባኣንን፡ ፍልልይ ስነ ሓሳብን  ረብሓታት ዘይምቅዳውን ካብ ብቃላት ምዝልላፍ ክሳብ ህይወት ሰብ ዝወስድ ረጽምታት ክኽሰት ይኽእል’ዩ። መብዛሕቶኦም ጉዳያት ድማ ከከም ኣመጻጽኦኦም ብዘተ፡ ሕድገታትን ካሕሳን መዕለቢ ይግበረሎምን እቲ ሓርፊፉ ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ይምለስን። […]

ካብ ላንጋ ላንጋ የድሕንኩም!!! መቀጸልታ ንቕሓትና ነዕብይ (ካልኣይ ክፋል)

ካብ ላንጋ ላንጋ የድሕንኩም!!! መቀጸልታ ንቕሓትና ነዕብይ (ካልኣይ ክፋል) ብዕለት 10/07/2015 ንቕሓትና ነዕብይ ቀዳማይ ክፋል ብዝብል; ዝጸሓፍክዋ ንእሽቶይ ሓሳብ; ሓደ ሓዊ ነቃፊ ረኺባ። (ኣሰና ዳት ኮም ተወከስ)። እታ ነቀፌታ ብዙሕ ዝተዋቅዑ መግለጺ ዘድልዮም ሓሳባት ከምዘለዉዋ ስለዘስተባሃልኩ መልሲ ክህበላ ደልየ። ኣንበብቲ ፍርዲ ንዓኹም ይገድፎ። ኽቡር ሓው […]