Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

- search results

If you're not happy with the results, please do another search
Post Feature Image
ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድን ለንደን ዓዲ እንግሊዝን ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍን ብዓይነቱ፡ ተሳታፍነቱን ናይ ተቓውሞ መንፈሱን ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

Post Feature Image
መገዲ መንእሰይ (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ (ታሽዓይ ክፋልን መወዳእታን)

ሓድሓደ ግዜ ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብተን ዝሰልጠና ምዕራባውያን ሃገራት ክትስደድ ከሎኻ፡ ከምዚ ካብ ዓለም ናብ ማርስ ወይ ጁፒተር እትገይሽ ዘሎኻ ኮይኑ ኢዩ ዚስመዓካ፡ ከመይሲ እቲ ኣብተን ምዕራባውያን ሃገራት ማዕቢሉ ዘሎ ንመሰላት ወድሰብ ዚምልከት ኣምራት ወይ መትከላት፡ ኣዚዩ ዘገርምን ዘደንጹን ብምዃኑ።

Post Feature Image
ጸብጻብ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ ካብ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ሓደጋ ኣንጸላሊዎም፡ ናብ ኤርትራ ክምለሱ እውን ዝገደደ ከምዝጽበዮም ፈሊጦም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዝጠለቡ ዜጋታትና ንምሕጋዝ ኩሉኹም ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሓገዝ ከምዝገበርኩም ይፍለጥ።

Post Feature Image
መንግስቲ ህግደፍ ካህናትን ደናግልን ናብ ሳዋ ክወርዱ ዘመሓላለፎ ሓድሽ ትእዛዝ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስታያን ተነጺጉ!!

22 Mar 2011 !! መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልክዕ ከም’ቲ ዕቡድ ዓርኩ ቓዛፊ ብፍርሒ ስለዝወሓጡን ዝረግጹዎን ዝዛረቡዎን ኣይፈልጡን: ወግዓዊ ብዘይኮነ ንህዝቢ ንምድንጋር መዓልታዊ ንርእዮ ዘለና’ዩ፡፡ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዑሎም ልቢ ዘለዎ ኩሉ ሓኒኹ: ንክብርን መሰል እምነትን ካህናትን ደናግልን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስታያን ዝግህስ ሓድሽ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ኣብ […]

Post Feature Image
ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ትሪፖሊ ንሃለዋቶምን ካብቲ ኩነታት ንምህዳምን ዝገብሩዎ ቃልሲ ይቕጽሉዎ ኣሎዉ።

ጋንታ ኣመሪካ ምስቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ንሊብያ ዘዕኑን ነቲ ስልጡን ዓለም ዘሕዝንን ኲናት ሕድሕድ ኣብ ትሪፖሊ ተቐርቂሮም ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘካይዶ ርክብ ይቕጽሎ ኣሎ።

Post Feature Image
ጸብጻብ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንታሮዛ ካሊፎርንያ

ኣብ ሳንታ ሮዛ ዝወዓለ ኣኼባ ሽማግለ ንጉባኤ፡ ብጉዳይን ህዝብን ሃገርን ኤርትራን፡ ሃገራዊ ኮምሽን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን ዘትዩ። ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ሽማግለኡ ዝርከብ ስርርዓት፡ ዘለዎ ሓላፍነቱን ዝዓሞ ስርሓትን በብሓደ ምስ ኣኼበኛ ብምልላይ፡ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ።

Post Feature Image
ኣብ ስዊዘርላንድ 16 ዝኣባላታ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ቖይማ።

ሓንቲ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ስዊዝ፡ በቶም ካብ ከተማታት በርን ፡ ኒው-ሻተል፡ ሶሎቱን፡ ኣራው፡ ቮ(Vaud)፡ ጀነቭ፡ ባዝል፡ ዙሪክ፡ ሉዘርን፡ ሽዋይዝ፡ ሉጋኖን ፍሪቡርግን ዝመጹ፡ ኣብ ተቓዉሞ ደንበ ዘለዉ ኤርትራዉያን፡ ብ 27 ለካቲት 2011 ቖይማ።  ኣብዚ ኣኼባ’ዚ፡ እቶም ዝበዝሑ ተሳተፍቲ መንእሰያት እዮም ነይሮም።

Post Feature Image
ናይ ሰዓት መደብ ፈነወ ሓጺር ማዕበል ራድዮ ድምጺ ኣሰና ናብ ኤርትራ ሎሚ ሰኑይ 21 መጋቢት ፈሊሙ።

እዚ ሎሚ ጀሚሩ ዘሎ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ማለት፡ ሰኑይ፡ ረቡዕን ዓርብን ብኣቋጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ ሰዓት 9፡00 ምሸት ዝፍኖ መደብ፡ ነታ ብፍላይ ናብ ኤርትራ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ ጥራይ ትፍኑ ዝነበረት ራድዮ ኣሰና፡ ካብ ጽበት ግዜ ብመጠኑ ከገላግላ […]

Post Feature Image
ዕንደራ ደረት ኣለዎ !

እዚ ሳላ ምህዞ ኢንተርነትን እንግዶቱን ብናይ ሓበሬታ መዋእል ዝልለ ዘበናዊ መድረኽ፡ ነቶም ከም ብዓል ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ኣብ ዕብለላ ስልጣን ዝተመስረተ ድሑር መስፍናዊ ስርዓት ዝኽተሉ ምልካውያን፡ እዋኖም ከምዘይኮነ ደጋጊምና ገሊጽና ኢና።

Post Feature Image
ኣብ ነርወይ ዝርከቡ ግዱሳት ደቂ ሃገር ድምጺ ስቅያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምስማዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ ርሑቕን ቀረባን ከባቢታት ኦስሎ፡ ነርወይ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ነቶ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያን ሲናይን ሕሱም ግፍዕታት ዝወርዶም ዘሎ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምርዳእን ጉዳዮም ንዓለም ንምቅላሕን ዝዕላምኡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

Post Feature Image
ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ዕዉት ክኸዉን። – እነሆ ሓበሬታ መገዲ።

እቶም ብማኪና እትመጹ፣ ሀ፡ ካብ  መጨረሻ  ኣውቶባን  “autoban”  ኣብ ክንዲ ናብ ኤርፖርት  ዘዎጽእ  ትወስዱ: ንጀነቭ ላክ “Genève Lac” ዝብል ተከቲልኩም: ኣብ ካልኤይቲ ሴማ-ፎሮ (ናት ትራፊክ መብራህቲ) ን የማን ወጺእኩም  ፓርኪን  “Parking “ ኣብ  ምርካባ ጀምሩ።

Post Feature Image
እቲ ሓቂ ክበርህ ንተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ገረገር ( Gereger) ሓባሪ ብዝብል ስም ዘውጽኦ፣ ኤሪ ቲቪ አብ ሃይደልበርግ ተጸፊዓ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ  ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን ትንክፍ ኣቢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ ፡ ኣነ ውን ምቕማጠይ ኣብዚ ኸባቢ ከም ምዃኑ  መጠን ቁሩብ ወስ ከብል ኣፍቁዱለይ።

Post Feature Image
እምቢ ንምልኪ!! (6ይ ክፋል) ብወልደየሱስ ዓንደማርያም – እቲ ጉዳይና ንህዝብን ሰራዊት ኤርትራን “መን ረትዖ’ዩ?”

“ካልእ ድኣ እንተ ኣለካ ኣምጽእ እምበር፡ እዚ ሽጣራ እዝስ ቀደም ብገርሁ ኸሎ ህዝቢ፡ ተበሊዕዎ እዩ።” ዝብል ዘረባ፡ ነቲ ንኸታልል ኢሉ ዝብገስ ተቓውሚ እየ ዝብል ባእታ፡ ዘሰምብድ ክኽውን ይኽእል እዩ።

Post Feature Image
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ሲቪላዊ ህልቂት ንምውጋድ ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

Post Feature Image
Eritrean Mercenaries Arrive in Tripoli

Reported: In the past for weeks the Eritrean government has been said by credible sources to have sent two batallions of Eritrean army of artillery unit and a commando unit to Libya in the last four days to support Moamar Ghadafi. Please follow the link…… http://mahta.net/2011/03/eritrean-mercenaries-arrive-in-tripoli/ […]

Post Feature Image
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካልአይ ስሩዕ አኬባ ጀሚሩ

ሎሚ’ውን ብርእሰ-ምትእምማን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብ15 መጋቢት 2011 ሰዓት 8:30 ቅድሚ ቀትሪ ብወግዒ ተኸፊቱን ዕማማቱ ጀሚሩን።

Post Feature Image
YPFDJ (መንእሰያት አባላት ህግደፍ)

ከምቲ እዚ አረእስቲ ዝሕብሮ እዚ ማሕበር እዚ ንመንእሰያት ኤርትራ  አብትሕቲ አርዑት ህግደፍ ዝጥርንፍ ማሕበር ኢዩ። ንውዳቢኡ ዝምልከት  ብሃማመተኤ( ሃገራዊ ማሕበር ተመሃሮን መንእሰያትን ኤርትራ) አቢሉ ክሓብር ይፍትን፡ ነቲ ማሕበር ከምሽፋን ይጥቀመሉ።

Post Feature Image
ተበግሶ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን

ሎሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ካብ ርሑቕን  ቀረባን ብፍላይ ድማ ምስተን ዝነውሐ ጉዕዞ ሰጊረን ኣብ ማእከልና ዝርከባ ዘለዋ ኣሓት ኣብዚ ኣደራሽዚ ክንራኸብ ምብቃዕና ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝላዓለ ምስጋናን ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታ ከቕርብ ብትሕትና እሓትት።

Post Feature Image
ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና

ሳላ ደገፍኩምን ወፈያኹምን ቀጻልነታ ዘረጋገጸት ድምጺ ኣሰና፡ ነቲ ሓንጺጻቶ ዘላ ሓዱሽ እዋናዊ መደባት ንምእንጋድ፡ መዓልትን ሰዓታትን ክትውስኽ ወሲና ኣላ።

Post Feature Image
ጻውዒት ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ስዊስ – ንዕለት 25.03.2011 ኣብ ፕያሳ ሕቡራት ሃገራት ጀኔቭ

ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊስን፣ ጀርመንን፣ ጣልያንን፣ ፈረንሳን፣ከምኡ’ውን ካልኦት ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዕለት 25.03.2011 ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ምኻኖም ክንሕበር ንፈቱ።