Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

- search results

If you're not happy with the results, please do another search
መጠንቀቅታ ንኹሉ ብምኽንያ ት ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ፍቓድ ዝወሰደ ብፍላይ ከኣ ንሓተትቲ ዑቁባ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ሽወደን

Svensk-eritreansk Samarbetsorganisation För demokratiutveckling መጠንቀቅታ ንኹሉ ብምኽንያ ት ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ፍቓድ ዝወሰደ ብፍላይ ከኣ ንሓተትቲ ዑቁባ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ሽወደን ደገፍትን ወከልትን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብምኽንያት መበል 25 ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ሶልና ሃለን ቀዳም ዕለት 14 ግንቦት 2016 ካብ […]

ዕድመ ፡ ንሰፊሕ ህዝባዊ – ዘተ

ከም ኤርትራውያን መጠን፡ ህዝብናን ሃገርናን፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩርን፡ ተሪርን እዋን፡ ከም እንርከብ፡ ንኩልና ብሩህ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ውን’ዩ ። ኩነታትና ካባና ሓሊፉ፡ ንዓለም ውን ኣታሓሳሳቢ ኮይኑ’ሎ። ሃገርና ምስላ ተደዊኑ ባዲማ፡ ህዝብና ውላዱ ስኢኑ ዘኽቲሙ፡ መንእሰያትና ተስፋ ቆሪጾም፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ተበታቲኖም፡ ኣብ ድያስፖራ እንነብር፡ […]

ዓወት ለስስተር ሲቲ ትእምርቲ ጽንዓት

ክለብ ኩዕሶ እግሪ ለስስተር ሲቲ ናይዚ ዓመት እዚ ዋንጫ ፕረሜር እንግሊዝ ጨቢጣ:: እዛ ዓሚ ንድሕሪት ካብ ምምላስ ብቃልሳ ዝደሓነት ጋንታ ለብዘበን ዋንጫ ክትዓትር ዝሓለመ ኣፍቃሪ ኩዕሶ ኣይነበረን::ዋንጫ ናይ ምጭባጣ ምጣነ 5000 ብ 1 ከም ዝነበረ ጸብጻባት የመልክቱ:: ንምንጽጻር ክጥዕም ኣብ 60ታት ዝሞተ ኣሜሪካዊ ሙዚቀኛ ኢልቪስ […]

ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮሚዩኒቲ ላስቬጋስ፡ ሳንዲያጎ ፡ሂስቶን፡ ቤይ ኤርያ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ናጽነት ተኸታታሊ ጽምብላት ኣዳልዩ ከምዘሎ የበስረኩም።

ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮሚዩኒቲ ላስቬጋስ፡ ሳንዲያጎ ፡ሂስቶን፡ ቤይ ኤርያ ብምኽንያት 25 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ንብምልኦም ደለይቲ ፍትሕን ጽቡቕን ኤርትራውያን ምስቲ ተባዕ ስነ ጥበባዊ ወዲ ትኻቦ የውሃንስ ትካቦን ሙዚቐኛታት ጊዶውን፡ቴድሮስ፡ኣሮን ምስ ዝተፈላልዩ መደባት ተዳልዩ ከምዘሎ እንዳገለጽና ኣብዚ መሪርን ተኣፋፍን ህሞት ሓድነትና ብምትራርን ፍልልይና ብምጽባብን ብዝለዓለ ክንሳተፎ ንጽውዕ […]

ጽምብል መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ቶሮንቶ

 ኩልኹም ፈተውቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም  ኤርትራውያንን ተቐማጦ ቶሮንቶ፡ ብምክንያት ሃገራዊ ብዓል ናጽነት ኤረትራ  ሃገራዊ ዘተ ከምኡውን በቶም ወናማት ሙዚቀኛታት ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ ተዳልይልኩም ኣሎ።      ሃገራዊ ቆጸራ ዝብል ተማ እንታይ ንግበር እስከ ንዛተ: 25 ዓምት ናጽነት ካብ ኮነ ስደት : እስርባት: ቅትለት: ባርነት: ውርደት: […]

ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብግብሪ ንምዕዛብ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ወግዓዊ ልኡኽ ጸብጻቡ ድሕሪ ምቕራቡ ሰበስልጣን ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየልቦ ኣረጋጊጾም።

ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብግብሪ ንምዕዛብ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ወግዓዊ ልኡኽ ጸብጻቡ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ሰበስልጣን ናይታ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት እትቕበል ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየልቦ ወግዓዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ስዊዝ ኢንፎ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።  ሓላፊ ኤሚግሬሽን ስዊዘርላንድ ማርዮ ጋቲከር ንሓንቲ ፍልጥቲ ጋዜጣ […]

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ ንዝርከቡ ወነንቲ ትካላት ተሳትፎ ኣብ መበል 25 ዓመት ናጽነት ብምባል ካብዓቕሞም ንላዕሊ ገንዘብ ክኸፍሉ የስገድዶም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ነቲ ብመስዋእቲ ኣሽሓት ጀጋኑ ዝተረኽበ ናጽነት ብምልካዊ ምሕደራኡ ኣራኺሱ ናብ ባርነት ዝቐየሮ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ሓላዊ ናጽነትን ሓላዪ ህዝቢ ኤርትራ ተመሲሉ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ናይ ዝዳለወሉ ዘሎ ብሩራዊ ኢዮቨልዮ ወጻኢታት ንምሽፋን፣  ኣብ ኣስመራ ንዝርከቡ ወነንቲ ትካላት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ገንዘብ ክኸፍሉ የስገድዶም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ […]

ሳላ ትዕግስቲ ኣቦታትን ጻዕሪ ህዝብን ኣብ ሚላኖ ዕርቂ ወሪዱ፣ ታቦት ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ።

ብሰንኪ ከፋፋሊ ውዲት ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሚላኖ፣ ዓዲ ጥልያን ን 10 ዓመት ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ተኸፋፊሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተውህዶ፣ ሳላ ትዕግስቲ ኣቦታትን ድሌት ህዝቢ ንስምረት ዝገበሮ ጸቕጥን እቲ ናይ ምፍልላይ ፖሊሲ ተሳዒሩ ዕርቂ ወሪዱ። ድሕሪ ደጊም፣ ህዝቢ ሚላኖ ኣብ ሓደ […]

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን – ከተማ ለስተርን ከባቢኣን

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ከተማ ለስተር ንዕለት 14 ግንበት 2016 ካብ ሰዓት 2:00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድ.ቀ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ክንዝቲን፥ ጸገማትና […]

ዋና ከተማ ዓዲ እንግሊዝ፣ ለንደን፣ ካብተን ዝዓበያ ከተማታት ምዕራባውያን ሃገራት ኣማኒ ምስልምና ከንቲባኣ ክኸውን ዝመረጸት ናይ ፈለማ ከተማ ኮይና።

ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝመጽኡ ዜጋታት ዝነበሩላ ብዙሓት ከም ግሎባዊት ከተማ ዝጠቕሱዋ ህዝብብቲ ከተማ ለንደን፣ ካብተን ዝዓበያ ከተማታት ምዕራባውያን ሃገራት ኣማኒ ምስልምና ከንቲባኣ ክኸውን ዝመረጸት ናይ ፈለማ ከተማ ኮይና። እቲ ካብ ስደተኛታት ስድራቤት፣ ካብ ዘዋሪ ኣውተቡስ ከተማ ዝኾነ ኣቦ ዝተወልደ ኣባል ፓርላማ ሰልፊ ዕዮ ሰዲቕ […]

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ‘መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸብጻቡ ኣቐዲሙ ክዝርግሖ መዲቡ ‘ሎ’ ክብል ናይ ምዕዝምዛም መግለጺ ብምውጻእ ተላፋሊፉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዝፍጽሞ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ንሃገርና ኤርትራ ‘ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ‘ ብዝብል ስም ኣጸይፉዋ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ‘መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጸብጻቡ ኣቐዲሙ ክዝርግሖ መዲቡ ‘ሎ’ ክብል  ናይ ምዕዝምዛም መግለጺ ብምውጻእ ተላፋሊፉ። እቲ ስርዓት፣ መርማሪ ኮምሽን፣ ቅድሚ […]

ህግደፍ፡ ወሸለ ከይተወልደ ቆሊዑ

ዝኾነ ወልቀሰብ፡ ጉጅለ/ውድብ ወይ መንግስቲ፡ መጠፋፍኢ፡ ተንኮለኛ፡ ብብልሽውና ዝተቆማጥዐን ብጋሕማጥ ምምሕዳር ዝፍለጥን እንተድኣኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣበራት፡ ጉቦን ዘይቅርዑይ ኣሰራርሓን ክምድር ኣየምሕረሉን’ዩ። ብመቁጸልጸልትን ኣምሰሉን ቃላት ንነብሱ ካብ ኣበሳ ሓራ ክገብራ እንተፈተነን ንኻልኦት ወገናት ክውንጅልን እንተጽዓረ’ውን ምስሉይነትን ምልክት ቅልውላው መንነትን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ በዞም ክብ ኢሎም ዝተተንብሀ ኣምራትን ፍልሰፋን […]

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሽጋራ ናይ ምትካኽ እገዳ ከተተግብሮ ከምዝጀመረት Newsweek ሓቢሩ።

ዋና ክተማ ኢትዮጵያ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ነቲ ፓርላማ ኣብ 2014 ዘመሓላለፎ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሽጋራ ናይ ምትካኽ እገዳ ከተተግብሮ ከምዝጀመረት Newsweek ንከንቲባ ‘ታ ከተማ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ፣ ምስ ሽጋራ ምትክኽ ተኣሳሲሮም ብዝስዓቡ ሓማማት ሰባት ይሞቱ ስለዘለዉ ነዚ ሳዕቤን ዚ ንምቅላስ እቲ ትግባረ ናይቲ ስጉምቲ […]

Update: Fundraising to Support Radio Assenna – $23,076.00 Donated – $12,924.00 Remaining – Target 36,000.00

ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፣ ተመዲቡ ዘሎ ምቍራጽ ፈነወ ኣሰና ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ቅቡል ከምዘይኮነ ብዝተፈላለየ መንገዲ እትልእኩልና ዘለኹም ስንባደን ቁጥዐን ዝተሓወሶ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ይበጽሓና ኣሎ። ንሕና ከም ኣሰና ‘ውን ተገዲድና ደኣምበር፣ ብሕልፊ ኣብዚ ዝያዳ ጽዓትን ቃልስን ዝሓትት ፍሉይ ሃገራዊ መድረኽ፣ ነቲ ድምጺ ዕቡሳት ዝኾነ […]

ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ እስራኤል፣ ነቶም ብምኽንያት ንግደት የሩሳሌም ናብ እስራኤል ዝገሹ ኤርትራውያን ነጋድያን ብጽዑቕ መደባት ከምዝጽመዱ ብምግባር፣ ምስ ስደተኛታት ደቆም ከሕልፉዎ ዝግብኦም ግዜ የጻብቡሎም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ እስራኤል ሓቢሮም።

ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ እስራኤል፣ ነቶም ብምኽንያት ትንሳኤ ናብ የሩሳሌም ዝገሹ ኤርትራውያን ነጋድያን ኣቦታትን ኣዴታትን፣ ብጽዑቕ መደባት ከምዝጽመዱ ብምግባር፣ ምስቶም ብኽንደይ መስገደልን ስቓይን ዝተሰዱ ኣብ እስራኤል ዝርክቡ ደቆም ከሕልፉዎ ዝግብኦም ግዜ ብሜላ የጻብቡሎም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ እስራኤል ሓቢሮም። ልኡኻት ናይቲ ስርዓት ከም መቐጸልታ ናይቲ […]

ሓበሬታ፣ ዓመታዊ ንግደት በዓል ማርያም ደዓሪ ኣብ ከተማ ቱቢንገን ሃገረ ጀርመን።

ሓበሬታ፣ ዓመታዊ ንግደት በዓል ማርያም ደዓሪ ኣብ ከተማ ቱቢንገን ሃገረ ጀርመን። „ዝክረ በዓለ ማርያም“ ህልውና እምነተ-ክርስትና፣ እቲ ዘለዓለማዊ ቃል-እግዚኣብሔር፣ ብስራሕ ሓይሊ መንፈስ-ቅዱስ፣ ኣብ ከርሲ ንጽህቲ ድንግል-ማርያም ተጸኒሱ፣ ትስብእትነት ክለብስ ብምርካብ‘ዩ መሰረቱ ከጠጥሕ ዝተረኽበ። በዚ ኸዓ‘ዩ፣ እቲ ንድንግል-ማርያም ኣደ ክርስቶስ ምዃና ዘይቅበል-ሰብ፣ ንጽሑፍ ሓዲሽ-ኪዳን ዘይኣምን ሰብ‘ዩ […]