Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

- search results

If you're not happy with the results, please do another search
Post Feature Image
hr ዝብሃል ዓቢ መንግስታዊ ሚድያ ጀርመን ነቲ ኣብ ፍርናክፈርት ብኤርትራውያን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ዝገበረሉ ናይ ቴለቭዥን ሸፈነ ተመልከቱ።

hr ዝብሃል ዓቢ መንግስታዊ ሚድያ ጀርመን ነቲ ኣብ ፍርናክፈርት ብኤርትራውያን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ዝገበረሉ ናይ ቴለቭዥን ሸፈነ ተመልከቱ።

Post Feature Image
መብዛሕትኦም ኣብ ከረን ዝዓዩ ዝነበሩ ልዕሊ 20 መማህራን ንሱዳን ክትከዱ ሓሲብኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

መብዛሕትኦም ኣብ ከረን ዝዓዩ ዝነበሩ ልዕሊ 20 መማህራን ኣብ ባርካ ሂምቦል ኣብ ዝብሃል ቦታ ሓደ መሰጋገሪ ተመሲሉ ዝተዋስአ መጋበርያ ኣብ ኢድ ህግደፍ ከምዝውዕሉ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንሱዳን ክትከዱ ሓሲብኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ይሕብሩ።

Post Feature Image
መልእኽቲ ጽንዓት

ጠበቓ ኣቶ ከሰተ ሃይለ ገብረስላሰ ብንዝወረዶም ጽኑዕ ሕማም ኣብ ሃገር ጀርመን ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ሕክምና ክካየደሎም ድሕሪ ምጽናሕ፡  ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ሓሙስ መዓልቲ ብዕለት 26.02.2009 ዓ.ም.ፈ ብሰላም ዓሪፎም።

Post Feature Image
ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነቲ ስርዓት ህግደፍ 88 ዓድታት ንምፍንቓል ዘውጽኦ መደብ ክቃወሙዎ ጀሚሮም።

ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነቲ ስርዓት ህግደፍ 88 ዓድታት ብሓይሊ ንምፍንቓል ዘውጽኦ ኣዕናዊ መደብ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ኮይኖም ክቃወሙዎ ጀሚሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።

Post Feature Image
ምስ ኣባላት ራድዮ ባና፡ ሰናይት ሃብቱን ይርግኣለም ፍስሃን ዝበሃላ መማህራን-ደቀንስትዮ: ከምኡ ‘ውን ወጻእተኛታት ብህግደፍ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ተፍሊጡ።

ምስቶም ዝሓለፈ ሳምንቲ ብምልካዊ ህግደፍ ዝተኣሰሩ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ፡ ሰናይት ሃብቱን ይርግኣለም ፍስሃን ዝበሃላ መማህራን ደቀንስትዮ ከምዘለዋ ድሒሩ ዝመጽኣና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

Post Feature Image
ግዝኣት ቱረኪ ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን

 ታሪኽ  ይደጋገምዩሞ ኣይከምዚ ኣብ አርትራ ዝርአን ዝስማዕን ዘሎ።በብእብረ-ባዕዳዉያን ንህዝቢ አርትራ ድሂኾሞ ሓሚሶሞ ጨፍጪፎሞ ብሕሱም በዲሎሞ። ንሶም’ቶም ገዛእቲ ግና ምኽኑይ ዝገብርዎ ንመረትካን ሃብትኻን ኣልሚዕና ክንጥቀመሉ ንስኻ ባርያኮንካ ቁራስና እናረኸብካ ንበር እንተበልናካስ እምቢታ ኣርኢኻ ኢሎምዮም ጭፍጨፍኦም ዝቐጸሉ።

Post Feature Image
Eritreans in 88 villages to be dislodged

A document that just reached our website shows that the government’s resettlement program which will dislodge tens of thousands of people from their age-old home is much wider than thought and reported earlier. The program encompasses 88 villages and is designed to shake up the […]

Post Feature Image
Eritreans in 88 villages to be dislodged

A document that just reached our website shows that the government’s resettlement program which will dislodge tens of thousands of people from their age-old home is much wider than thought and reported earlier. The program encompasses 88 villages and is designed to shake up the […]

Post Feature Image
ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ናይ 88 ዓድታት ህዝቢ ናይ ምፍንቓል መደብ ኣውጺኡ።

ልክዕ ከምቲ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ’’ጥጡሕ ቦታ ተዳልዩልኩም ኣሎ’’ ብዝብል ጉልባብ ምልዮናት ህዝቢ እስራኤል ናብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ወሲዱ ዘጥፈኦም፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ናብ ልሙዕ መሬት ክወስደኩም የ“ ብዝብል ጉልባብ፡ ኣብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ጋሽ ባርካ፡ ዲጋ ገርሰት፡ ብሓይሊ ንምግዓዝ […]

Post Feature Image
ውሳኔ- ስምረት ኣንጻር ውልቀ መላኺ

ህሉው ኩነታት ሃገርና ብደቂቅ ድሕሪ ምምዛን፡ ኣብ ጀርመን እንርከብ ሃገራውያን: ምትእኽኻብና፡ ጸረ ውልቀ መላኺ ዝዓለመ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምውፋይ ጥራሕ፡ ከምዝኾነ  ኣቐዲምና እናሓበርና ፡ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔ ነመሓላልፍ፡፡

Post Feature Image
ህቡብ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ብውዲት ስርዓት ህግደፍ ከምዝተቐትለ ተወሳኺ መረጋገጺ ተረኺቡ።

ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝራሕረሐ፡ ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዘገልግል ዝነበረ ተጋዳላይ ግርማጼን ዘርአ ባይራይ፡ ህቡብ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ብውሳኔ “ፕረዚደንት” ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተቐትለ ምስ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ ኣረጋጊጹ።

Post Feature Image
ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኣስገዲዱ ከተግብሮ ወጢኑዎ ዘሎ ምፍንቓል ዓድታት ወይ “ሰፈራ” ብወለንታ ኣምሲሉ ንምትግባሩ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ጀሚሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ከምዝተቐስናዮ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብጥምየት ኣመኽንዩ ንህዝቢ ካብቲ ንዘበናት ዝነበረሉ፡ ኣብያተ ክርስትያኑን መሳጊዱን ዑና ኣቦታቱን ዝተተኽሎ ዓድታት ብግዴታን ምትላልን ከፈናቕሎ ዝሓንጸጾ ውጥን ህዝቢ ይቃወሞ ‘ኳ እንተሎ ብወለንታ ኣምሲሉ ከተግብሮ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ከካይደሉ ጀሚሩ ‘ሎ።

Post Feature Image
ስርዓት ህግደፍ ሰለስተ መንእሰያት ካብ ካርሸሊ ዓዲዃላ ብምውጻእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ረሺኑዎም ክብሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ፡ “ክትሃድሙ ተረኺብኩም” ብዝብል ምኽንያት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲዃላ (ካርሸሊ) ኣሲሩዎም ንዝቐነየ ሰለስተ ተማሃሮ/መንእሰያት ካብቲ ቤትማእሰርቲ ናብ ጎልጎል ኣውጺኡ ብኡንብኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝረሸኖም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም።

Post Feature Image
ሚኒስተር ወይዘሪት ፎውዚያ ሓሽም

ናብ ተጋዳሊት ነበር ናይ ሕጂ ሚኒስተር ወዘሪት ፈውዚያ ሓሽም። ክቡር ሰላምታይ ተቐበላ። መትከልክን ረሲዕክን መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ካብ ትኾና ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚውን ንምዝኽኻር ዝኣክል’ምበር ደም ስዉኣት ከቢድ ስለ ዝኾነ፡ ሕልክናኽንስ ወግሐ ጸብሐ ብድምጾም ከም ዝዅሕኳሕን ቅሳነት ከም ዝኸልኣልክን ዝሰሓት ኣይኮነን።

Post Feature Image
ቃል ምሕዝነት: እወ! ንድምጺ ኣሰና ብግብሪ ነሰስና !

 “ንድምጺ ኣሰና ነሰስና” ዝብል ቑኑዕን እዋናዊን ጭርሖ ሒዞም ኣዳለውቲ ድምጺ ኣሰና ሎሚ 26 February 2009 ሐደ ኣዝዩ ኣገዳሲን ኣቃልቦና ክፍለዮ ዘይብሉን “ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበል” ዝብል ኣብ ኤርትርያዊ ባህልና ዝተሞርከሰ ጉቡእ ጻውዒትን ለበዋን ብዲምጺን ጹሑፍን ፈንዮም::

Post Feature Image
Voice of Asena Fund Raising!

Voice of AsenaVoice of the Voiceless! This div will be replaced To keep Asena on the airwaves, SUPPORT Asena by donating whatever amount you can: London, UK Asena Media FoundationHSBC BankAccount Number: 51466135Branch Sort Code: 40-02-17Those who are outside the UK will need IBAN and […]

Post Feature Image
Voice of Asena Fund Raising!

Voice of AsenaVoice of the Voiceless! This div will be replaced To keep Asena on the airwaves, SUPPORT Asena by donating whatever amount you can: London, UK Asena Media FoundationHSBC BankAccount Number: 51466135Branch Sort Code: 40-02-17Those who are outside the UK will need IBAN and […]

Post Feature Image
ካብቶም ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ሓደ ተፈቲሑ።

ካብ 'ቶም ስርዓት ህግደፍ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ኣሲሩዎም ዘሎ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ሓደ፡ ማለት ሃይለሚካኣኤል ዑቕቡ ጥራይ ከምዝተፈትሐ ምንጭታት ሓቢሮም።

Post Feature Image
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ፡ ሞባይል ቴለፎን ሒዙ ዝተረኽበ ኣባል ሰራዊት፡ “ብሃገራዊ ክድዓት ክሕተት ‘ዩ” ዝብል ዘዋሪ ምልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ትማሊ ሰኑይ 23 ለካቲት፡ ዝኾነ ሞባይል ቴለፎን ሒዙ ዝተረኽበ ኣባል ሰራዊት  “ሃገራዊ ክድዓት ከምዝፈጸመ ተሓሲቡ፡ ስጉምቲ ክውሰደሉ እዩ” ዝብል ከቢድ መጠንቀቕታ ዝተጻሕፎ ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ክታም ዘለዎ ዘዋሪ መልእኽቲ ናብ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝተመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Post Feature Image
ምኒስተር ፍትሒ፡ “ተመሓይሹ ዝቐረበ” ንድፊ ሲቪላውን ገበናውን ሕጋጋት ናብ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ልኢኻ።

ምኒስተር ፍትሒ፡ ፎዚያ ሃሺም “ተመሓይሹ ዝቐረበ” ዝበለቶ ንድፊ ሲቪላውን ገበናውን ሕጋጋት፡ ፈጻሚ ኣካል ህግደፍ ኣኼባ ቅድሚ ምክያዱ፡ መመሓየሺ ርእይቶታት መታን ከቕርቡሉ ብዝብል ምኽንያት ናብ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ብዲስክ ልኢኻቶ ከምዘላ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Post Feature Image
ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስርዓት ህግደፍ ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣዝዩ ወሲኹ።

እቲ ብጭንቀት ተዋሒጡ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ምልላይ ስኢኑ፡ ንዝረኸቦ ብጃምላ ምእሳር ተተሓሒዙዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቁጽሮም ካብቲ ኣብ ዜና ዝጠቐስናዮ ቁጽሪ ከምዝበዝሕ ምንጭታት ሓቢሮም።

Post Feature Image
ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ጉጂለ ህ.ግ.ደ.ፍ – ቦስቶን – ብኣካየዲት ቦርድ ማ.ም.ኤ ቦስቶን

ኣብዚ ዝሐለፈ ሳምንታት ዝተፈላለየ ጸለመ ኣንጻር ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን (ማ.ም.ኤ) – ቦስቶን፡ ብህግደፋውያን ክጽሓፍ ቀንዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ንዝተፈላለያ ብሄራት ኢትዮጵያ ዝውክላ ማሕበራት፡ ነቲ ኣዳራሽ ማ.ም.ኤ ተኻሬን ክጥቀማሉ ስለዝተፈቕደ።

Post Feature Image
Bro Q’s Af Arkbu

The second trip to Eritrea in our 18-year independence has raised many irks and some concerns among Eritreans.  Some mistakenly regard the latest trip as an attempt to breathe life into a regime on its death knell.