Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

- search results

If you're not happy with the results, please do another search
Post Feature Image
ሃገራዊ ክብርና ንተበለጽቲ ኣሕሊፍና ኣይንህብን

ህዝቢ ኤርትራ እዞም ንኤርትራ ከም ሕማም መንሽሮ ዘማስንዋ ዘለዉ ናይ “ማፍያ” ጉጀለ ከይተኣልዩ ቀሲኑ ጉዳይ ስድራቤቱን ሃገራዊ ልምዓቱን ክገብር ከምዘይክእል ኣዳዕዲዑ ተረዲእዎ ኣሎ። እቲ ውሑድ ካብ ኩሉ ዛራታት እናተጸንበሮ ክስስን ጀሚሩ ኣሎ። ክዕወት ድማ እዩ። ነቶም ዘጋፍዑዎን ዘሳቕዩዎን ዘለው’ውን ብዕሊ ከሲሱ ፍትሒ ክረክብ ከምዝኾነ ከኣ […]

Post Feature Image
ምስክር ዓይኒ፡ ‘መኸተ ህግደፍ’ ኣብ ለንደን – ኣማኑኤል ኢያሱ

መራሕቲ ህግደፍ መማህራን መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ክኾኑ ፍጹም ኣይክእሉን እዮም። ህዝቢ ኤርትራ 10 ሳዕ መኪቱ እዩ፡ ንሳቶም ግን ኣብ ፈለማ እግሪ ስልጣኖም መብጽዓ ሰማእታት ኤርትራ ጠሊሞም ኣብ ስስዐ ስልጣን ክጨማለቑ ስለዝመረጹ ሃገር ሕምስምስ ኣቢሎማ።

Post Feature Image
ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ኣንጻር ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝኣተዉዎ ስምምዕ መሰረት፡ ትማሊ 8 ታሕሳስ ኣብ ለንደን ኣብ ቅድሚ’ቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወደበ ናይ […]

Post Feature Image
ይኣኽለክን፡ ኣዴታት ሃገረይ!!

ንብዓትን ቅርጸትን ብሰሪ ስዉእ፡ ዕልልታን ፍሽኽታን ምእንቲ ስዉእ ይእከልክን ኣዴታት ሃገረይ! ማህጸንክን ምንጪ ጀጋኑ፡ ልብኽን ሰፈር ልቦና እዩ። ልብኽን ንዝወግኣክን ገዲፍክን፡ ልብኽን ዝኣዘዘክን ስምዓ።

Post Feature Image
ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ተጋዳላይ ስዩም ጸሃየ “ጋዜጠኛ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ 2007” ተባሂሉ ብሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ተረቝሑ።

ካብ እዋን ሓርነታዊ ቓልስና ኣትሒዙ ጋዜጠኛ ዝነበረ፡ ካብ መስከረም 2001 ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ተሓይሩ ዝሳቐ ዘሎ  ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ተጋዳላይ ስዩም ጸሃየ “ጋዜጠኛ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ – 2007 ” ተባሂሉ ብሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ተረቝሑ።

Post Feature Image
ብጻይ ዱች ተታሒዙ……………

እዚ ሕጂ ነቕ ዝብል ዘይመስል ዘሎ ጃንዳ ህግደፍን ሓለፍቱን፡እታ ብርኽቲ መዓልቲ ደበኽ ምስበለት፤ኻምሲን ከምዘልዓሎ ሑጻ፤ፋሕ ብትን ከምዝብሉ ታሪኽ ዓቢ ኣብነትን ምስክርን እዩ።

Post Feature Image
ወዳጀ ህግደፍ ገበተ፡ ህዝቢ ምስ ሞተ ‘ህዝባዊ መኸተ!’

እቲ ኣብ መንጎ ተቓውሞን ምትላልን ዘሎ ፍልልይ፡ ናይ ሓቅን ሓሶትን፡ ናይ ፍትሕን ዓመጽን ስለዝኾነ፡ እቲ ምስናይ ሞራላዊ ልዕልና እነንጎድጕዶ መቓልሕ፡ ንሕጂ፡ ንህዝብና ብስራት ንህግደፍ ቓንዛ ክኸውን እዩ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኸኣ ጭቡጥ ዓወት ክወልድ እዩ።

Post Feature Image
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምምካት ተወሃሂዶም ክሰርሑ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዖም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ መደበራት ዜናን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ሎሚ 2 ሕዳር ኣብ ለንደን ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዖም። ነቲ ብስምረት ክካየድ ተመዲቡ […]

Post Feature Image
ዶር በረኸት – ዓዲ ለባማት ዶ ምኾነት ግዳይ በሃማት !!

ሃገርና ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ስምን ኣድናቖትን ዘትረፉ ብዙሓት ምሁራንን ለባማትን ኣለዉዋ። እንተኾነ፡ ምሁርን ለባምን ዝጽይኑ በሃማት ‘ውን ስለዘለዉዋ፡ እሞ ድማ ንግዚኡ ሰብ ጠበንጃ ኮይኖም ላዕለዋይ ኢድ ስለዝሓዙ፡ እቶም ፍቕርን ድሌትን ሃገር ዘለዎም ሰብ ብርዕን ሓንጎልን ደቂ ሃገር ንዓዶም ክገብሩላ ዕድል ኣይረኸቡን።

Post Feature Image
ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮንዶሊሳ ራይስ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኢትዮጵያ ክትበጽሕ እያ።

ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮንዶሊሳ ራይስ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ከምእትሳተፍን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምእትራኸብን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንኣፈኛ ስተይት ዲፓርትመንት ብምጥቃስ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።