Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

- search results

If you're not happy with the results, please do another search
Post Feature Image
ስትራተጊ ምርጻ

  ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መትከላት ሃገራዊ ዋዕላ ጸብጻባት ንወከልቲ ሃገራዊ ዋዕላ ይቐርቡ ይብል። ሃገራዊ ጉባኤ ብግቡእ ስለ ክሰናዳእ ኮሚተታ ቆይመን ነበራ፣

Post Feature Image
ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ መንእሰያት ጸረ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ዘለዉ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ዝተሰዱ መንእሰያት፡ ንውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ብምእላይ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጦም።

Post Feature Image
ሓበሬታ ፡ ንግዱሳት ኤርትራውያን ኦክላንድን ከባቢኣን

ኩሉኹም ደላይቲ ሰላም፣ ፍትሕን ደሞክራስን ዝኾንኩም ኤርትራውያን፡ ጽባሕ ቀዳም 13 ነሓሰ 2011 ኩልና ብሃገርናን ህዝብናን እንግደስ ኤርትራውያን ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ኦክላንድ ዝዳሎ ናይ ኣሽካዕላልን ሸፈጥን ፌስቲቫል ክንቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣዳሊና ስለዘለና ኣብቲ ቦታ መጺኹም ንስርዓት ውልቀ መላኺ ንኽትኩኑኑ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

Post Feature Image
ቅልዕቲ ደብዳበ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ፤ ንኣድላይነት ዝተረረ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ

ብወገንና ተሪፉ ኣሎ እንብሎ፡ መላእ ናይ ባይቶ ጸጥታ ኣባላት ነቲ ብሞኒተሪን ግሩፕ ዝቐረበ መተሓሳሰቢ ዝለዓለ ኣቓልቦ ብምሃብ ዝተረረ ውሳነ ምሕላፍ ክኸውን እንከሎ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ድማ ነቲ ዘይሕጋዊተግባራቱን ሓደገኛ ጠባያቱን ቅቡል ክምዘይኮነን ደጊም ኣብ ልዕሊኡ ተጻዋርነት ከምዘየብልኩምን ንጹር ክትገብሩሉ እዩ።

Post Feature Image
ካናዳዊ ኩባንያ ዕደና ወርቂ ነቭሱን ሪሶርስ፡ ካብ ዕደና ቢሻ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ርብዒ ዓመት፡ ልዕሊ $60 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ግሒጡ።

  ወናኒ ዕደና ወርቂ ቢሻ፡ ካናዳዊ ኩባንያ ዕደና ወርቂ ነቭሱን ሪሶርስ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ካብ ዕደና ኤርትራ፡ ቀሪጹ ከፊሉ $60.6 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዝረኸበ ምግላጹ፡ ‘ማይኒን ዊክሊ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ካብ ቶሮንቶ ገሊጹ።