Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ! ሳልሳይ ክፋል – ኣለና

   “…ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዘዐወተና ረቛሒታት ምዕቃብ ምስጢር ኢዩ። ስለዚ ምስጢር ክትዕቅቡ ኣለኩም። ኣነን ኢሳይያስን እንፈልጦ ናይ ሳሕል ምስጢር ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝንገሮ፣ ብሙሉኡ እዚ ህዝቢ’ዚ ምተጸለለ ነይሩ።” ቃል ናይዝጊ ክፍሉ ሚኒስተር ዜና ኣብ ዝነበረሉ ግዜ

   “…ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዘዐወተና ረቛሒታት ምዕቃብ ምስጢር ኢዩ። ስለዚ ምስጢር ክትዕቅቡ ኣለኩም። ኣነን ኢሳይያስን እንፈልጦ ናይ ሳሕል ምስጢር ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝንገሮ፣ ብሙሉኡ እዚ ህዝቢ’ዚ ምተጸለለ ነይሩ።” ቃል ናይዝጊ ክፍሉ ሚኒስተር ዜና ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንኣኼባ ሓለፍቲ እቲ ሚኒስትሪ ካብ ዝበሎ።

ሞት ገበነኛታት ህግደፍ ክቕጽል ኢዩ። ጽላል ቀባሮ ተዳልዩ፤ ቋሬጣ ቀባሮ’ውን ተኣዚዙ ኢዩ። ናይ ጽሕፍቶ ጉዳይ ኮይኑ ጉድጓድ ዓንዳሪ ኢሳይያስ፣ እሙን ዓርኩ ናይዝጊ ክፍሉ ኣትዩዋ ኣሎ። ሞት ገበነኛ ዝዕለለሉ’ኳ እንተኾነ፣ ናይዝጊ ክፍሉ ሒዝዎ ዝተቐብረ ቤተ-መዘክር ሚስጢራት ሓለዋ ሰውራ ሳሕል ግን የሕዝነና። ልዕሊ ምስጢራት ናይዝጊ ዘተሓሳስበና ጉዳይ ድማ ብዙሓት ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፣ ነቲ ዝፈልጥዎ ገበናዊ ምስጢራት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሒዞሞ ናብ መቓብር ንክኸዱ ምምራጾም ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ብሞት ናይዝጊ ክፍሉ ልዕሊ ተቓወምቲን ልዕሊ ዝኾነ ሰብን ዝተሓጎሰ ኢሳይያስ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ምንታይ ነቲ መሰክሕ ምስጢራት ሳሕል ተሰኪሙሉ ስለዝሓለፈ።

ጎዳጉዲ ንመቓብር ገበነኛታት ገና ይኮዓት ኢዩ ዘሎ። ወየ! ወየ ዝብሉ ኣላቐስቲ ድማ ይተኣኻኸቡ ኣለዉ። ሞት ገበነኛታት ንምቅልጣፍ ሰብ ንያት መንእሰያት ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ብዱላ ንምዝባጥ ዓጢቖም ኣለዉ። ኣብ ደገ’ውን መንእሰያትና ስመርርር ብዝብል ቴማ ዝጀመርዎ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ኣድማዒ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ።

    እቶም ሕድሪ ሰማእታት ክሒዶም ጻሕሊ ኢሳይያስ እናኣልመጹ ዋጦት ስርዓቱ ንምዃን ዝመረጹ ገዳይም ኤርትራውያን ደረፍቲ ድማ በብዝመጽኡዎ ክዝበጡ ኣለዎም። እቲ ምንታይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጓይላን ዝላን ዘይኮነስ ከም ኢዮብ ኣብ ረዚን ሓዘንን ብኽያትን ስለዘሎ። ኢሳይያስ ብመደብ ብዘተኣታተዎ ሰባብ ትልሚ፣ ህዝብናን ንብረትናን ጠፊኡ ኢዩ። መንእሰያትና ድማ ኣብ ጎዳጉዲ ሲናይ ብጎዲም ካራ ይሕረዱ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እስቲፋኖስ ኣብርሃም /ዘማች/ ምስ ተሃርመ፣ ብዙሓት ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ፦ “ስንኩል’ዶ ይህረም ኢዩ?” ክብሉ ሰሚዕናዮም።

ነቲ ኢሳይያስ ኣብ ማይ ሓባር ዝገበሮ ታሪኽ ዘይርስዖ ምርሻን ስንኩላን ደኣ እንታይ ኢዮም ክዛረቡሉ? ከም እድሪስ ኣባ ዓረ ገዳይም ተጋደልቲ ስንኩላን ኣብ ዒራ-ዒሮን ኣብ ፈቐዶ ጎዳጉዲን ዝተኣስሩን ዝተረሸኑን’ከ ደኣ ደቂ ኣየናይ ሃገር ኢዮም? ‘ዋልታ ኣይትርአ ክንዮ ዋልታ ንዘሎ ርአ’ ከም ዝበሃል፣ መንእሰይ ኤርትራ ክንዮ በዓል ዘማችን ተፈኖን ንዘለዉ ከቃብጽ ኢዩ ዝህንደድ ዘሎ። እዚ ኣብ ዘማችን ተፈኖን ዝወረደ ምጭልጋም ከኣ ካፋ ኢዩ። ሰማያት ኤርትራ መመሊሱ ይጥቅር፤ እቲ ሰርቢ ምይ ኣይሂ ድማ መመሊሱ ይሃምም ስለዘሎ፤ ውሕጅ ክልተ ሩባ ንበዓል መን ከም ዝወስድ እስከ ዝግ ኢልና ጥራይ ንጸበ።

‘ደረቐኛ ድዉይ ኣብ ቀሪም ዓተር ይሰራሰር!’ እዚ ብሂል’ዚ ብቐጥታ ነቲ ከም ንጉሰ ወዲ እልፉ ባዕሉ ዝተሾመ ዕሉል ውልቀ-ምልካዊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝበቅዕ ብሂል ኢዩ። ውልቀ-ምልካውያን ሓለምቲ ኢዮም’ሞ ኣይከም ኢሳይያስን፣ ሕልሚን ጋህዲን ግን ነንበይኑ ስለዝኾነ ይኣክል ምሕላም ክንብሎ ምደለና።

መስፍን መሮር ዝነበረ ኢሳይያስ፣ ብድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብኢትዮጵያ፣ ብሶማል፣ ብጂቡቲ፣ ብሱዳን፣ ብዳርፉር ወ.ዘ.ተ…በብዝወፈሮ ስለዝተጨልገመን ኣብ ብራሾ ጥልያን ከም ዝኣተወ ዓለም ጸቢባቶ ስለዘላን፤ ክርቢት ብምሽርጣጥ ኣብ ዳሜራ ኲናት ንክስዕስዕን በቲ ዝፍጠር ትኪ ተኸዊሉ ድማ ንክሃድምን ይሸባሸብ ኣሎ።

ንኢሳይያስ ከቢድ ጸቕጢ ደምን ሕማም ሽኮርን ዝገበረሉ እቲ ምስ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ኣብ ናቕፋ ዝተዘራረበሉን ኣብ ለንደን ዝደገሞን፦ ሕልሚ ግዝኣት “ዓባይ ኢትዮጵያ”ን ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃን ስለዝቐበጾ ኢዩ። ኢሳይያስ ናይ ኢትዮጵያ ሃጸይ ንክኸውን ንወዱ ድማ ወራስ ዓራት ክገብሮ ኣንጊሁ ዝሓለሞ ሕልሚ ኢዩ ዝነበረ።

እቶም ገርሀኛታት ተጋደልቲ ሳሕል ኣብ ግዜ ሰውራ ንደቆም ‘ማርክስ፣ ለኒን፣ ዴሳዊት፣ ደንደን፣ ካብራል…’ ዝብል ኣስማት ከውጽኡሎም እንከለዉ፤ “ዓሻ ድየ በራኺ” ዝበለ ኢሳይያስ ግን፤ ነቲ ብ12 ጥቅምቲ 1985 ዓ.ም. ኣብ ሆስፒታል ዓራረብ ዝተወልደ ቦኽሪ ውላዱ፣ ወራስ ዓራት ንክኾነሉ ያኢ ኣብርሃም ዝብል  ናይ ኣባሓጉኡ ስም ኢዩ ዘውጽኣሉ።

‘ጸድፊ ሰይጣን መሕልፎ ንብዕራይ ተሕልፎ፣ ንወጠጦ ተጽድፎ’ ከም ዝበሃል፤ ግርንቢጥ ኢሳይያስ፣ የማነታትን ክሻን ጸብጺብካ’ውን ዝውዳእ ኣይኮነን። ኢሳይያስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብዝተወሃሃደ ሙቐት ንምጭጫሕ ካብ 1987 ግዜ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ኢደ በይዛ ንምግባሮም ኣይደቀሰን።

እዞም ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ንጹሃት ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ነበርን ጉጅለ 15ን ድማ ብፍላይ ዝተኾደሙ ሰባት ግን እንታዎት ኢዮም? ኢልና ክንሓትት ሰዓት ይኣክል ኣሎ። ብከመይ ዝበለ ኣገባብ’ከ ተኣኻኸቡ? ስለምንታይ ካልኦት ደቀባት ዘይተሓወስዎም? ስለምንታይ’ከ ልዕሊ ሚኒስተራት፣ ልዕሊ ጀነራላትን ኣማሓደርቲ ዞባታትን ሰፍ ዘይብል ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ሓላፍነት ተዋህቦም? ስለምንታይ ዕድል ኤርትራውያን ኣብ ቆረበሻ እዞም ሰለስተ ሰባት ጥራይ ዝቑጸር? ስለምንታይ’ከ ዝለዓሉ ናይ ጸጥታን ስለያን ሓለፍቲ ብሪጋድር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦምን /መቐለ/ ኮሎኔል ተስፋልደት ሃብተስላሴን ንክኾኑ ጥራይ ተሓርዮም? ንሳቶም’ከ እንታዎት ኢዮም? ኣፍንጫ ኤርትራዊ እንተተሃርመ እትነብዕ ዓይኒ ህግደፍ ኣላ ድያ?

ብድሕሪ ዘመነ-ቅብጸት ግዝኣት ዓባይ ኢትዮጵያ፣ ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ ይበሃል ኣሎ። ሎቶሪና ጥፍኣት ባኩም-ባኩም ትብል ኣላ። ‘ወይልኻ ጣላ ብዕራይ ምስ ተረፍካ ዳሕራይ’ ከም ዝተባህለ፤ ኢሳይያስ ብዘይካ’ዞም ደቀ-መዛሙርቱ ዝኣምኖ ኤርትራዊ ሚኒስተርን ጀነራልን ስለዘይብሉ፤ ኣብዚ ናይ ኣፍ-ኣርክቡ ዕራርቦ ሰዓቱ፤ ዘጻንሕ መለቀብታ ትንፋስ እንተረኺቡ እታ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዝጨረመት መርዛም ሴፉ ናባኻትኩም ከም ዘብላ ኣይትዘንግዑ፣

ኣንታ ኤርትራዊ ሜጀር ጀነራል፣ ብሪጋደር ጀነራል፣ ኣንታ ኮሎኔልን ሜጀርን፤ ኣንታ ስማዊ ሚኒስተርን ኣማሓዳሪ ዞባን ሎሚ ሕሰብ! ኣይፋልካን ሕሰብ ደኣ!! ኢሳይያስ ብዘይካ እዞም ባዕሉ ዝጨጭሖም ኣትማን ኣብ ኤርትራ ዝኣምኖ ሰብ የብሉን። ሎሚ ቀስ ብቐስ ንሓለዋ ነፍሱን ቤት ጽሕፈቱን ተዋፊሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን እናኣደስከለ ብሓደስቲ ሕውስዋስ ወለዶ ዘለዎም ሰባት ክትክኦም ጸኒሑን ኣሎን። ሕሰብ ኣንታ ክብረት ሃገር ንምምጻእ ንሰላሳ ዓመታት ዝተጋደልካ ኤርትራዊ! ካብ ተመኩሮ በዓል ማሕሙድ ሸሪፎን ሃይለ ወልደንስአን፤ ካብ ተመኩሮ ጴጥሮስን ጀርማኖን ተመሃር። ካብኡ ዝዓቢ ኣስኳላ የለን’ሞ፤ እታ ክሳድካ ንክትጨርም ትሰሓል ዘላ መርዛም ሴፍ ኢሳይያስ ናብ ክሳድ እዚ ገበነኛ  ኣብላ።

ከምቲ ብቐጻሊ ንጽሕፎ ዝነበርና፣ ኢሳይያስ ንባዕዳውያን ሃገራት ንከገልግል ኮነ ተባሂሉ ናብ ሜዳ ዝተላእከ ሰላዪ ኢዩ። እዚ ምስጢር እዚ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ተቐቢርሉ ዝነበረ ጋህሲ ንክወጽእ ተቐራሪቡ ኣሎ። እዞም ከም ኣረነ በብሓደ ስጉምቲ ኣብ ሓንቲ በዓቲ ዝተእእኻኸቡ ሰባት፣ ራህዋን ሰላምን ዝሓረማ ኤርትራ፣ ዲሞክራሲን ቅዋምን ዘይትፈልጥ ሃገር፣ ቁጠባዊ ጸጋን ዲፕሎማስያዊ ላህመትን ዘይብላ ኤርትራ ንምግሃድ እጅገኦም ሰብሲቦም ካብ ዝሰርሑ ኣይወሓደን። ናይ ጥፍኣት ሰለስተ ሓዋርያት ስለዝኾኑ ድማ፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ማያት ቀይሕ ባሕሪን ከም ሜዳ ኩዕሶ ክጻወትሉ ብድሕሪ ምጽናሖም ሎሚ ትንፋስ ትሓጽሮም ኣላ’ሞ ትልኽ ኢሎም ደም ህዝቢ ኣብ ፋኛቱራታት ከይክዕዉስ ሕጂ ተበራበር።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መሬት ኤርትራ ደጀን ዝገበሩን ብህግደፍ ዝተላእኩን ዕጡቓት ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ንዓለምን ዘሰንበደ ትራጄዲ ፈጺሞም ኣለዉ። ብዘይካ ኣሉን ሓሶትን ካልእ መልሲ ዘይብሉ ሕንግድ ስርዓት ህግደፍ፣ ከም ኣመሉ ነቲ ሞት ሓሙሽተ ወጻእተኛታት ዘኸተለ መጥቃዕቲ ኣሉ ቀጣን ክብል መሊሱሉ ኣሎ። ‘ኣሉ ንስዖይ የዳሉ’ ከም ዝበሃል ህግደፍ ብዘይካ ኣሉ ካልእ ሓቂ ኣሚኑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ናብ ደረጃ ኣፍ-ኣርክቡ ዝወረደ ዕሉል ጨካን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ካልእ ዝረኣዮ መዋጽኦ የለን። እዚ ስርዓት እዚ ብድሕሪ’ቲ ከም ተመን መስከረም ዕፋፈቱ ቀይሩ ዝተራእየሉ ግዜ፣ ክሳብ ሎሚ ንክጸንሕ ዝገበርኦ ኣርባዕተ ጉዳያት፦

1. ምረት ህግደፍ ንምምዓር፣ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝንየተሉ ፈለግ ታሪኽ “ህዝባዊ ግንባር” ዝብላ ክልተ ብርቂ ቃላት ስለዝሰረቐ። ብመጽሓፍ ሳሕል ስለዝመሓለ፣ ብጸናጽልን መቖምያን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ስለዝዘመረን ትርግታ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝመዝመዘን፣

2. ከም መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ ፋሕ-ብትን ዝበለ ህዝቢን ደምበ ተቓውሞ ስለዝቐጸለ።

3. ኣብ ደገ ብገንዘብ፣ ብትውልዲን ረብሓን ዝሰርሑ ሹምባሻት ስለዘዋፈረ።

4. ብዱላ ዝድስቖ ውድብ ወይ ሃገር ስለዘይረኸበ።

እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ጥቓ እንዳ ነብሪ ኮይኑ ዝቆጻጸ ወጠጦ ግን ሓንቲ መዓልቲ በቲ ነብሪ ከም ዝብላዕ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኢሳይያስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸወታ ብሓዊ ኣብ ዘብዝሓሉ ግዜ’ምበኣር እንኮ መዓልቲ ዘይትምሕር ዱላ ኣቦይ ብሃይማኖት ክትፍልጾ ኢያ። ‘ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ’ ከም ዝበሃል፤ ሎሚ ውልቀ-ምልካዊ ኢሳይያስ ብድሕሪ እሙናት ኣዕሩኽቱ ሙዓመር ቃዛፊን መራሒ ሰሜን ኮርያ ነበር ኪም ጆንግን ዝተረፎ እሙን ዓርኪ የለን። እነሆ ከኣ ሕጂ እቲ ኣብ 1973 ንምሁራት “መንካዕ” ዝብል ስም ዘጠመቐ ዕሉል ገበነኛ ናይዝጊ ክፍሉ ሞይቱ። ሞት የሰንብድ ኢዩ’ሞ ኣይከም መዘናን! ከምቲ ሓደ ዕቡይ ሰብኣይ “መዘናኻ’ምበር ዓሪፉ” ምስ በሉዎ፦ “ሆእ ሞት ገርገረት” ዝበሎ፤ እነሆ ሞት መዘና ንኢሳይያስ ድቃስ ዘይህብ ሕማም መንጸሮር ኮይኑዎ ርኢናዮ።

ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ንላዕሊ እታ ቂም-ቂም እናበለት መዋእል እትጽብጽብ ሰዓት። ኣመና ትቀላጠፍ ኣላ። ንኤርትራ ከም ሕልፍኚኦም ንህዝባ ከኣ ከም ጊልያ ቆጺሮም ደም ክሳብ እንነብዕ ዝደሃኹና፣ እዞም ብኣካል ሰለስተ ሰባት፤ ብግብሪ ግን ሓደ ተመን ዝኾኑ ጉሒላታት ኢዮም። ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክነጽግዎ ብዝጸንሑ ሓደገኛ መርዚ ከም ዝፈንፈኖምን ከም ዝንዕቆምን ስለዝፈልጡ ድማ፤ ናይ ባህ ኣይበሎ ህልኽ ካብ ዝሕዙ ኣይወሓደን።

ጉዳመኛ መንግስቲ ህግደፍ ብጭፍራ በጋሚንዶ ዝቖመ፣ ብሕጊ ኣራዊተ-ግዳም ዝምራሕ ስርዓት ኢዩ። ‘ዞም ሰባት ብዘይካ ንህዝቢ ኤርትራ ምቕጥቃጥን ምብራርን ከምኡ’ውን ምዝራግን ምህዋኽን ከባቢ ኤርትራ ሓንጎሎም ንሓንቲ ካልኢት’ውን ትኹን ሰናይ ኣይተዓደለን። ኣባ-ጓይላ እዚ ጭፍራ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብድሕሪ’ቲ ካብ ምብራዕ ኲናት ባድመ ንደሓር መመሊሱ ዝቐጸሎ ተላባዒ ገበናት፤ ነቲ ካብ ግዜ ሰብዓታት ከም ገበታ ሓስመት ጨው ኣብ ዝባኑ ዝተሰከሞ መንደዓት ገበን፤ ኣብ ምድሪ ከራግፎ ዝከኣል ኣይኮነን። ብሕጊን ስነ-ምግባርን ዘይቅየድ ሰብ ድማ ካብ ኣራዊት ዝፍለየሉ ምኽንያት የለን።

 

እምበኣርከስ እታ ናይ ገበነኛታት ናይ ሓመድ ድበ ሰዓት እነሃ ትቀራረብ ኣላ። ‘‘ዓኾኻይ ዓኾኻይ! ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ’’ በል ኣንታ ኤርትራዊ ሰብ!

ዕልል በሊ ኣንቲ ድርሙም ርእሳ ን20 ዓመታት ዝነባዕኪ ኤርትራዊት ኣደ!

 

ኣብ ራብዓይ ክፋል ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰናይ ቅነ!

 

alenakoena@gmail.com

 

ኣለና ብውሽጢ፣ ኣለና ብደገ!

 

ብዓወትና ንኣምን!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

 

ይቕጽል…            

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • wedieri1994 February 10, 2012

    People This is freedom web site, So any one can come here And leave a message, Which help full to our good cause?. So stop writing shits. And those hegdfawinan pls go to your Meskeram site or enda hasot web site?. And Agema is running 91 million people and making good progress in Ethiopia. The only problem in east Africa is your MAD DOG Tegadali Essayes……….. He call him self President of Eritrea?

    Melles is more wedi Eritrea then your Mad Dog PIA.

    • hggum brhan February 11, 2012

      wederiene pls. we are now celebreitting today FENKEL YES FENKEL. keep dreaming on RED SEA.WE HERE TO IDENTFYYOU.KEEP YOUR QUMAL TUKAN tgraway never been eritrean. abmongona atika ketenqut tray eyu eti hlmka.ethiopiaka maebila,grm.gn 6 million tumuyat hzba teangl.eti qendi alamaka nhzbi eritrea nmbttan sle zikone nmeskerem kidu do anda hasewti mebelika mkniat abzi assenna tquweti tray koynom sle zeyrekbkayom. nketeresasnom zeleka adle btaeme tsebib slezkoneka eyu ember halika slezkonka aykonen.

  • lula luul February 10, 2012

    alena enkae hagoseka nezi kulu dikam tsaeri yehlifka kuwun zigeberkaya metsihaf nay bihaki lebam abi seb eka nay bihaki ane biwegeney teteratire nere mis dengoka
    hiji p/s tekelatifka kemtizirgah gibera eka bifilay ab hagerat europa degime enkae hagoseka ybil yekeniyeley

  • Ghbre-keniya February 10, 2012

    Alena keep writing it will help us know how you all have take part in killing eritreans back in days. But i have one question for you. where were you all this years? why you wanted to keep silent until this day? It is amazing that you called those who raise their concern about the physical abuse of zemach “tekwalu”. one thing you should remember though, you were part of the killing machine. you did not opposed the killing of the war veterans in Mai habar. And today you are praising the abuse of a war veteran, who is incapable of defending himself.
    what you have done in the past, during the killing of the maihabar is nothing different than what you have said about the abuse of Zemach, a man who lost his leg in combat;you showed you agreement with the dictator in the past by keeping quite and now you are taking part by calling those who raise their concern ” tekwalu’

    The eritrean people are tired of ” belaeti kilte sga”.you were part of the crime, what you need to do is confess you crimes and ask the people a forgiveness. otherwise say nothing.

  • Wadbahar February 10, 2012

    Of course, the atrocities and injustice the book exposes are very dangerous for those on power. Those implicated in those crimes will simply divert attention by their stupid name calling and laughable threats that sound like Gaddafi’s “Zanga Zanga”. But the blind supporters of the regime provide examples of how ignorant they are. Some of them are too fooled by their masters into believing that they are sophisticated. A sophisticated person can easily see the tornado coming and looks for a shelter by siding with the right camp. It is sad that the Arab Spring whose march nobody could stop did not teach them lessons yet. They will only learn when the ceiling falls over their heads and the regime collapses like that in Libya. Crying will not help when the bell rings and the statue falls down. Then “Adio”.

  • Ahmed saleh February 10, 2012

    The whole point is at this critical moment people have a right to get access to informations about our internal issues. People with inner patriotism had been deceived for a long time. That
    was one of the reason DIA went after our writers and journalists not to expose the ill-deeds within his circle. Nowadays after enduring the long oppression with iron fist under the cruel system the consequences as we observed is heart breaking. I remember when somebody who
    knows the true characters of those mafia group telling people his point of view against them
    was considered an enemy. Time is change now and people’s awareness has an impact to all
    writers to feel free on pursuing their talents.

  • ፍትሒ ይንገስ February 11, 2012

    ኢሳይያስ ኣፈጸይቂ : ኤርትራዊ ደምን መንፈሰን ሕልናና ዘይብሉ ዕሉል ወዲ ወዱ ንኣጼ የውሃንስ እሙን ልኡኽ ባዕዲ እዩ:: ንህዝቢ ኤርትራ ክርምስ: ክቐትል: ከሳቒ: ክረግጽ ዝመጸ ገበነኛ ሰብ እዩ:: ክንዲ ሳዕሪ ትኣክል ኤርትራዊ ስምዒትን መንፈስን ዘይብሉ ጉዳመኛ ጸሊም ተመን: ኣምሳያኡ እቲ ጠቃር ረሳሕ ታሪኽካ እነሆ ብህዝቢ ይኽሻሕ:: ምርኣይ ምእማን እዩ’ሞ እነሆ ህዝቢ መን ከምዝኾንካ ኣንዳዕዲዑ ፈሊጥካ:: ካብ ህዝቢ ስለዘይተልጥ ካኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክትፍረድ ኢኻ::

  • Delay Netsnet February 11, 2012

    Thousands of criminals has been done by Issayas, Issayas is not an Eritrean and he doesnot want Eritreans as well. His single secret was to rule Ethiopia and Eritrea together. When Issayas met Mr. Richard Copeland ( Miles Copeland) in Qagnew Asmara on 1970. Issayas avoided appearing in company of Richard Copeland and the Qagnew officials in order not to arouse the suspicion of Ethiopian security officials. So in the morning Richard Copeland arrived with an embassy Cadillac flying the American flag, curtained all over, so that no one could see who was inside, and drove out of Qagnew with Richard Copeland in the seat of the driver.
    Issayas really has killed our right and our dignity. A great CIA agent in the region.

  • Abdi February 12, 2012

    Ayeeeee,PIA doesn’t want the good of Eritrea and eritreans? Zkhewn tezareb Ede,why would somebody spends his golden age in the frost fighting the enemies of Eritrea,please have a clear respectful and objective arguments,

POST A COMMENT