Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

- search results

If you're not happy with the results, please do another search
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝራሕርሖ 1ይ ጸሓፊ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ነበር ኣልኣሚን ናፍዕ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ራሕሪሑ ከምዝተሸርበ ብመርበብ ሓበሬታ demo.archive.assenna.com ተጠቒሱ ዝነበረ 1ይ ጸሓፊ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ነበር ኣልኣሚን ናፍዕ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ሓቢሮም። ነቲ ሓበሬታ ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደበራ መርበብ ሓበሬታ farajat.net ‘ውን ኣረጋጊጻቶ። ኣቶ ኣልኣሚን ናፍዕ፣ “ […]

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ተኸሲቱ ንዘሎ ሻቕሎት ንምምዝማዝ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስግጋር ሰባት ክምርምር ጸዊዑ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቲቢ ኤረ ምልካዊ መራሒኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ “ብሰንኪ እቶም ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ዝበኵር ዕማም የለን፣ ብዘይብኣቶም ኳ ይሰልጠና ናይ ጉልበት ጸገም የብልናን” ፣ እናበለ “ክኸይድ ዝደለየ ይኺድ” ዝዓይነቱ ዘይሓላፍነታዊ መልእኽቲ ዝዳሕድሐ ምልካዊ ስርዓት፣ ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ […]

ኣብ ጅቡቲ፣ ሖልሖል ኣብ ዝብሃል ቦታ ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፖሊስ ጅቡቲ ከምዝተጋፍዑ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብ ጅቡቲ፣ ሖልሖል ኣብ ዝብሃል ቦታ ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፖሊስ ጅቡቲ ከምዝተጋፍዑ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ኣብቲ ቦታ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣንቀሳቐስቲ ተባሂሎም ሸውዓተ ሰባት ዓሊ ሰባሕ ሰቢሕ ናብ ዝተባህለ ካልእ ቦታ ተወሲዶም ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ይሕብሩ። እቲ ኩነታት እቶም ኤርትራውያን […]

እታ ካብ ተሳታፍነት ኣህጉራዊ ውድድራት ንነዊሕ ኣቃሪጻ ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2018 ክትሳተፍ ምዃና ፊፋ ሓቢሩ።

እታ ብሰንኪ ጃምላዊ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ተጻወቲ፣ ካብ ተሳታፍነት ኣህጉራዊ ውድድራት ንነዊሕ ኣቋሪጻ ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2018፣ ኣብ መንጎ 140 ሃገራት ተሰሊፋ ክትሳተፍ ምዃና ፊፋ ሓቢሩ። ። ኣብቲ ኣብ ራሻ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ንምስታፍ፣ ካብ 5 ክሳብ 13 […]

ንኤርትራ ካብ ሕሰም ንምድሓን ስምረት የድሊ: ጻዋዒት ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት – ኣርኣያ ደበሳይ ፕሮፈሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደላወር ኣሜሪካ (ትርጉም)

 ንኤርትራ ካብ ሕሰም ንምድሓን ስምረት የድሊ ጻዋዒት ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣርኣያ ደበሳይ ፕሮፈሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደላወር ኣሜሪካ መእተዊ- ” ድምጺ ኤርትራ” ዝተሰምየ ጉጅለ ኣብ’ዚ ቀረባ ጊዜ ክልተ ዓንቀጻት ጽሒፉ:: እቲ ናይ ፈለማ ” ቅልጡፍ ኣድማዕን ነባሪ ፍታሕ ንሕሰም ኤርትራ” ኣብ ዓዋተ.ኮም ግንቦት 16, […]

ኤርትራዊነት? ኤርትራዊት/ኤርትራዊ?

ንኹሉ ወዲ ሃገር ሓልፍነት ዝስምዖ፡ ግዱስን፡ ተቖርቛርን ብህዝቡን፡ ብሃገሩን! ንዝተሰዉኡን፡ ኣብ ቤት ማእሰርትን፡ ኣደራዕ ዝዓሰሎ ኣገልግሎትን ዝርከቡ፡ ኣብ ስደት ኮይኖም ከይደቀሱ ንዝሓድሩን፡ ኩሎም ጽንዓትን፡ ኣስተውዕሎን፡ ንጹርን ዝኾነ ኣተሓሳስባን፡ ሕላናኦም ከየዕረቡ ኣብ ቃልሲ ዝርከቡን፡ ሰላምን ትዕግስትን ምስ ኩሉ ተጻዋርነት፡ ኣብ ክብ ዝበለ ምርድዳእን፡ ምክብባርን ክህሉዉ እናተመነኹ፡ […]

ዑደት ባራክ ኦባማ፡ንገለ የሕመማ፡ ንገለ ረብሓ ሃደማ፡ንገለ ጠቐማ! ብዘሰኒታ

ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዘካየዶ ዑደት፡ ኣብ ከባቢናን ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለምን፡መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ቐኒዩ ኣሎ።ኦባማ፡ ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክገበር ምዃኑ፡ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን ዓቢይ ዛዕባ ኮይኑ ከምዝነበረ ናይ ቐረባ ተዘኽሮ’ዩ። ኦባማ፡ናይታ ዓባይን ሓያልን ሃገር ዝኮነት ኣሜሪካ፡መራሒ ከም ምዃኑ መጠን፡ ካብ ጫፍ […]

ኮሎራዶ ህዝባዊ ኣኼባ፡

  ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ነባሮ ኮሎራዶ – ኣኼባ ኣብ`ዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ክዝቲ`ዩ። ንባይቶ ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፣ ንህዝብዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፣ ንሂሩ ንዝበጋግሰ ዘሎ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ኤርትራውያን ንፍትሒ፣ ንቕድሚት፡ ንሕና ከም ህዝቢ ከነተኩሮሎም ዝግባእና መደረኻዊ ጉዳያት   ንዕለት 15 ነሃሰ  2015፡ ኣብ ክለብ ኤርትራዊ […]

ከይንጠፍእ እናሰሓቕና – ብሓባር ነድሕና ሃገርና

ከይንጠፍእ እናሰሓቕና ብሓባር ነድሕና ሃገርና Tesfamariam Wel. 29/o7/2015 Norway ደገፍቲ ተቓወምቲ ምባል ይጽናሓልና ኣብ ጠልጠል ዘላ ሃገር ቅድም ነድሕና ዕድል ኣይንሃቦም ጸላእቲ ከይጎብጥና ስወር ከይትብል ኣይንዓኹም ኣይንዓና   ንጉዳይና ኣይንርአዮ ብህልኽ ብጽልኢ ኩፍእ እናረአኻ ዓገብዩ ምባል እንድዒ ብሕልፊ ኣብ ግዳም ዘለና ስደት ወጻኢ ተጠመቲ ኣይንኹን […]

እተደናጎየ ህዝባዊ ናዕቢ

ኣማኑኤል ሳህለ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ: ይብል ነበረ ንጉስ ሰሎሞን። ማለት ብናይ ሕጂ ኣዘራርባ: ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ንምንብርካኽ: ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ንዘይምንብርካኽ። ንህግደፍ ምጽዋር: ንህግደፍ ንዘይምጽዋር። ኽልተ ካብ ሚእቲ ንምኽፋል: ኽልተ ካብ ሚእቲ ንዘይምኽፋል። ኣብ መቓብር ደቅኻ ንምስዕሳዕ: ስለ ዝሳዕሳዕካ ደኒንካ ንምብካይ። ዓድኻ ገዲፍካ ንምኻድ: ንዓድኻ […]

ምኽትል ኣምባሳደር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ዝነበረ ኣልኣሚን ናፍዕ ከምዝራሕርሖ ዝተገንዘበ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ብኣጋጣሚ ኣብ ኣስመራ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ኢማራት ዓረብ ዑስማን መሓመድ ዑመር ናብ ኢማራት ከይምለስ ኣዳናጕዩዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብ 25 ሓምለ ኣብ ዜና ኣሰና ከምዝትዘርግሐ፣ ከም ምኽትል ኣምባሳደር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ዝዓዪ ዝነበረ 1ይ ጸሓፊ ኣልኣሚን ናፍዕ ከምዝራሕርሖ ዝተገንዘበ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ብኣጋጣሚ ኣብ ኣስመራ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ኢማራት ዓረብ ዑስማን መሓመድ ዑመር ናብ ምዱብ ናይ ስራሕ ቦትኡ ናብ ኢማራት […]

ተስፋ ኣፍሪቃ፣ ንዓና ንኤርትራውያን ‘ውን ይብጽሓና እዩ!

እታ ትውልዲ ዓደቦ፣ ቀዳማይ ጸሊም ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾነት ሃገረ ኬንያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፣ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ብዝገበሮ ወግዓዊ ምብጻሕ፣ ብሃፈጽታ ተስፋ ፉሕፉሕ ክትብል ቀንያ። ወሓለታት ስነጥበበኛታት ዝወቀጡዎ ምስሊ ኦባማ ዝተለጠፎ ማልያታትን ፖስተራትን ኣብ ጎደናታት ክሸጡ ዝቐነዩ ርሂጸ በላዕ፣ ትርኢትን መልእኽትን ኦባማ ከይሓልፎም […]

ዝብሉኺ እንተትሰምዕስ ዕዳጋ ኣይምተቐልቀልክን

መንነት ከም መጣልዒ– ኬነት ካውንዳ ኣብ 1924 ኣብ ኩብዋ ሰሜን ሮደዥያ ተወሊዱ:: ኣብ 1949 ጸረ-መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ መሪሕ ተራ ነበሮ:: ኬነት ካውንዳ ኣብ 1950 ዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ንናጽነት ዝተቃለሰ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ  ንዛምቢያ ናብ ናጽነት ዘብቅዐ’ዩ:: ንሱ ዛምብያ ኣብ 1964 ናጽነታ ምስ […]

ኣብ ኣቡዛቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ 1ይ ጸሓፊ ዝነበረ ኣልኣሚን ናፍዕ ፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝራሕረሖ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ኣቡዛቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ 1ይ ጸሓፊ ዝነበረ ኣልኣሚን ናፍዕ፣ በቲ ስርዓት ናይ ስራሕ ግዜኻ ኣእኪልካ ተባሂሉ ናብ ኣስመራ ክምለስ ድሕሪ ዝተዋህቦ መጸዋዕታ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ኣብ ወጻኢ ተሸሪቡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣቶ ኣልኣሚን ናፍዕ፣ ብኣባላት ኤምባሲ ናይቲ ስርዓት ኣብ ኣቡዛቢ ወግዓዊ […]

ኤርትራውያን ዝያዳ ዘሻቅለና ጉዳይ እንታይ’ዩ?

ኤርትራ ኣብ ገዛእ ርእሳን ኣብ ከባቢኣን ዘሎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ጸጥታውን  ቅልውላው፡  ከምኡ’ውን ዘለዋ እስትራተጂካዊ ኣገዳስነትን ተጠማትነትን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ትርከብ። ገለ ኣንበብትን ሰማዕትን፡ ጽቡቅ፡ ሕማቅን ዘሎኒ ስክፍታን  ስለዝገለጽኩ “ ከመይ ኣፍካ ከልቢ ይሽነሉ” ዝብሉ ኣይስኣኑን፡ ባህርያውን ዝጽበዮን’ዩ ድማ። የግዳስ  ሰላምን ብልጽግናን […]

እተገልበጠ ሕልና

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ መብዛሕትኡ ክሽነታት (መግቢ ዚስርሓሉ ክፍሊ-ቤት) ምዕራብ ኤውሮጳን ኣመሪካን: ትኪ ኣለሊያ ጢጥ እትብል መሳርሒት ኣላ። ኣብቲ ክሽነ: እቶን ወይ ጋዝ ወሊዕካ ምስ እትርስዖ: እቲ ኽፍሊ ብትኪ ይመልእ እሞ: እታ መሳርሒት ጢጥ ወይ ጭር ብምባል ንኣኻን ንኽፍሊ መጥፋእቲ ሓውን ትሕብር። ቤትካ ከይተሃሞኸ ኸሎ ኸኣ […]

ድምጽና ዝብሃል ብሞያውያን ኤርትራውያን ዝቖመ ጉጅለ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝነጥፍ ሓዱሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ብህጹጽ ንምምስራት ዘኽእል ናይ ስራሕ ውጥን ዘርጊሑ።

ድምጽና ዝብሃል ብኤርትራውያን ሰብ ሞያ ዝቖመ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ጉጅለ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝነጥፍ ሓዱሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ብህጹጽ ንምምስራት ዘኽእል ናይ ስራሕ ውጥን ዘርጊሑ። እቲ ድምጽና፣ ሎሚ 23 ሓምለ 2015፣ ውጥን፣ ንህጹጽ ትግባረ፣ ምምስራት ሓድሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝብል ኣርእስቲ […]

ዕጡቕ ተቓውሞ ኢትዮጵያ ንምምራሕ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ዝንገረሉ ብርሃኑ ነጋ ዝተባህለ ሓደ ካብ መስራቲ ናይቲ ግንቦት 7 ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ስጉምቱ ኣብ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ዝተፈላለየ ግብረመልስታት ኣለዓዒሉ።

ዕጡቕ ተቓውሞ ኣምጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምራሕ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ዝንገረሉ ብርሃኑ ነጋ ዝተባህለ ሓደ ካብ መስራቲ ናይቲ ግንቦት ሰባት ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስጉምቱ ኣብ መንጎ ‘ቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ዝተፈላለየ ግብረመልስታት ኣለዓዒሉ። ገሊኦም እህወደግ 100 ካብ ሚእቲ […]

The world economic forum ኣብቲ ብመጠን ሚእታዊት ሓፈሻዊ ዘቤታዊ እቶተን (GDP) ኣብ ዓለም ዝለዓለ ህዝባዊ ዕዳ ዘለወን ሃገራት ኢሉ ዘዋደዶ ናይ 20 ሃገራት መዝገብ መበል 6ይቲ ሰሪዑዋ።

The world economic forum  ኣብቲ ብመጠን ሚእታዊት ሓፈሻዊ ዘቤታዊ እቶተን (GDP) ኣብ ዓለም ዝለዓለ ህዝባዊ ዕዳ ዘለወን ሃገራት ኢሉ ዘዋደዶ ናይ 20 ሃገራት መዝገብ መበል 6ይቲ ሰሪዑዋ። በቲ ኣብ ጸብጻባት IMF ተመርኵሱ ዝተጻሕፈ ጸብጻብ መሰረት፣ እተን ካብ ናይ ኤርትራ ንላዕሊ ዝለዓለ ዕዳ ኣለወን ተባሂለን ተጠቒሰን […]