Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

- search results

If you're not happy with the results, please do another search
Post Feature Image
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዊዓ ኣሲሩዎም ዝነበረ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲን ናብ ደሴት ዳህላክ ኣግዒዙዎም።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዊዓ ኣሲሩዎም ዝነበረ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ብሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብ5 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ደሴት ዳህላክ ከምዘግዓዞም ኤሪትርያ ዎች ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

Post Feature Image
ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ካብ ስርሑ ደስኪሉ።

ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡  በቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ማለት ጸብጻባቱ ናብ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ዓሊ ዓብዱ ከመሓላልፍ ቅሩብ ብዘይምዃኑ ብዝፈጥረ ምስሕሓብ ካብ ዝነበሮ መዝነት ከም ዝደስከለ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Post Feature Image
ኣበይ ድኣ ኣለዋ ተቓወምቲ ዉድባት??

ንድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ እንተኮይኑ ዕላማስሙር ግንባር ፈጢርካ፡ ንህግደፍ ምህራማክሳብ ምኣስ እዩ ድኣ፡ ብማዕዶ ቁዝማኤርትራ ምስ ህዝባ፡ ከም ሎሚ እዃ ዘይሓሰማእንታይ ድኣ ጉደን፡ ንለዉጢ ዘይቐዳደማሃገር እናተሓመሰት፡ ኣእዛነን ዘጽምማ

Post Feature Image
ጉዳይና ንምጥምዛዝ ዳንከራ ብጉዳይ ሶማል።

ስርዓት  ህግደፍ ካብ ነዊሕ ክደፍኣሉ ዝጸንሐን  ከም መሳርሒ ክግልገለሉ ዝኸረመን ብጉዳይ ሶማል ተሓላቒ ምምሳልን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ድማ ንኢትዮጵያ ንምህዳድን  ሶማላዉያን ንዉሽጣዊ ጉዳዮም ባዕላቶም ክፈትሑ ኣብ ዘይክእልሉ ኣእትዩ ጎዛዝዩን ነቲ ሓደ ክፋል ብረት ኣዕጢቑ ነቲ ካልእ ብምልማስ ዘይርግእቲ ሶማል ንዘመናት ክርኢ ክፈላሰፍን ንፖለቲካዊ ሃዋህዉ ሃገርና […]

Post Feature Image
ዕብዳን ስዒርዎ

አንታ ሎመስ ዓቢዱ ብሓቂ ዓቢዱ ጨርቂ ዝባኑ ቀዲዱዕርቃኑ ተጋሂዱ፡ ጸሓይ ብብረሃኑ መሬት ብረፋዱዓለም ገሪመዎ አረ እንታይ ኢዩ ጉዱሰብዶ ስኣነ ዝሕዞ ቀፊዱ።

Post Feature Image
“ ኵኖ ”

ንህላዌኻ ህላዊኡ እንዳሕመድመዶ…ንምንታይ ነቲ ከንቱ ጕዕዙኡ እትኸዶ…ኣይወነኖን እኮ ነቲ ትማሊ…ጥልምት ሕዛእቱ ንሽም ኢዩ መሓሊ…

Post Feature Image
ኤርትራውያን ግዳያት ግዱድ ጥርዝያ ምስሪ ኣንታይ ኮኑ?

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ 2008 ምስ መንግስቲ ምስሪ ተሰማሚዑ በስገዳድ ናብ ኤርትራ ንዝመለሶም 740 ኤርትራውያን “ጽቡቕ ገይረ ተቐቢለዮም፡ ተሓጕሶምስ፡ ኣመስጊኖምኒ ‘ኳ” እናበለ፡ በቲ ናይ ሓሶት መናፍሑ ኣውርዩ ከምዝነበረ ትዝክሮዎ ኢኹም።

Post Feature Image
ክልተ ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ዝነበሩ ዜጋታት ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ካብ ሊብያ ተጨውዮም።

ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16 ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

Post Feature Image
ክልተ ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ዝነበሩ ዜጋታት ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ካብ ሊብያ ተጨውዮም።

ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16 ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

Post Feature Image
ዘይተዓደለ ህዝብን ሃገርን!!!

 ሎሚ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ኢዩ፡፡ 2008 ተወዲኡ 2009 ይጅምር ኣሎ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣውድኣመትን ፌስታን ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ዝርከቡ ህዝብታት ብታሕጓስን ብፍስሃን የሕልፍዋ ፡፡ ኮሎም መራሕቲ ሃገራት እውን ንህዝቦም ናይ ሓጎስ መልእኽትን ናይ መጻኢ መደባቶም ትንቢቶምን ብመራኸቢ ብዙሓን ተጠቒሞም መልእኽቶም የመሓላልፉ፡፡

Post Feature Image
ከለኻን ከለካን ኣስምሮ ሕድርካን ጻማኻን ! (መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ካብ ኣሰና)

ሎሚ መዓልቲ ኣብዛ ባሕቲ 2009 ‘ውን ከም ትማሊ ቅድሚ-ትማሊ “ርሑስ ሓድሽ ዓመት!” ክብለካ እዩ፡ እቲ መንጸሮር ኮይኑካ ዘሎ ወልቀመላኺ። ካብ ደረቕ ልቢ ዝወጽእ ጥሉል ቃላት ግን ኣይከርክኣካን እዩ። ግዜ ብዙሕ ሻዕ ፈሪዱካ እዩ ‘ሞ ሎምስ ንግዜ ብግዴኻ ፍረዶ።

Post Feature Image
ሕቶ ህዝቢ መሰረታዊ ፍታሕ ክርክብ፡ ንውዲታት ህግደፍ ክንነቕሓሉ ይግባእ

እቲ ንነዊሕ እዋን ዝተጸበናዮን ዝሓለምናዮን፡ እቲ መዳርግቱ ውሑድ ዝኾነ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉን፡ ከምሰብ ብክብረት ናይ ምንባር ባህግና ሎሚ ብመንገዲ ኣሰና ብዝቃላሕ ዘሎ ዘሐብን ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ካብ ድቕድቕ ጸላም ናብቲ ወገግ ዝበለ ብርሃን ተሰፋ ተገማጊሙ ንዕዘብ ኣሎና።

Post Feature Image
ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ሓለፍቲ ህግደፍን ኤርትራ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ይእዘዙ። ስርዓት ህግደፍ 5 ዜጋታት ይርሽን።

ኩሎም ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ኣብ ጎኒ ኤምባሲታት ኮይኖም ዝዓዩ ሓለፍቲ ህግደፍ ን10 ጥሪ ኣስመራ ክኣትዉ ብ’ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ቀጥታዊ ትእዛዝ ከምዝተዋህቦም መርበብ ሓበሬታ ኤሪትርያ ዎች ኣቐዲማ ንዘውጽኣቶ ሓበሬታ ኣሰና ኣረጋጊጻቶ።

Post Feature Image
ስርዓት ህግደፍ 19 ምልሻ ኣሲሩ።

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ሓረስቶት ዘፍረዩዎ እኽሊ ናብ ቆፎኦም ከየእትዉ፡ ከይሸጡን ከይልውጡን ንምእጋድ ዘውጽኦ ግጉይ ፖሊሲ ንዝተቓወሙ 19 ምልሻ ኣብ ማይድማ ቤት ማእሰርቲ ስርሒት ሰለስተ ሓይሩዎም ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።