Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንድሕነቶም ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ንምርካብ ህጹጽ ጻውዒት የቕርቡ።

ናብ እስራኤል እናተጓዕዙ ብወተሃደራት ግብጺ ተታሒዞም ኣብ ሓሲና ዝተባህለ ቤትማእሰርቲ ግብጺ ተዳጕኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ልዕሊ 30 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብ ኤርትራ ከይስጎጉ ዘለዎም ስግኣት ብምግላጽ፡ ነጻ ክልቀቑን ከም ስደተኛታት መሰሎም ክሕለወሎምን፡ ንድሕነቶም፡ ሓገዝ ኤርትራውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን

ናብ እስራኤል እናተጓዕዙ ብወተሃደራት ግብጺ ተታሒዞም ኣብ ሓሲና ዝተባህለ ቤትማእሰርቲ ግብጺ ተዳጕኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ልዕሊ 30 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብ ኤርትራ ከይስጎጉ ዘለዎም ስግኣት ብምግላጽ፡ ነጻ ክልቀቑን ከም ስደተኛታት መሰሎም ክሕለወሎምን፡ ንድሕነቶም፡ ሓገዝ ኤርትራውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምርካብ ህጹጽ ጻውዒት የቕርቡ።

ንሳቶም  ናብ ድምጺ ኣሰና ደዊሎም ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ሓለፍቲ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ብምስጢር ናብ ኤርትራ ክሰጉዎም ይሸባሸቡ ከምዘለዉ፡ ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም ከኣ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ምዃኑ ብምምልካት፡ ዝምልከቶም ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ከድሕኑዎም ተማሕጺኖም።

እቶም ኤርትራውያን እሱራት፡ ካብ ኤርትራ ኣብ ዘምለጡሉ ግዜ ኣብ ሱዳን ርግጽ ምስ ኣበሉ፡ ግዳይ ጭወይቲ ራሻይዳ ኮይኖም ከም ገላዩ ካብ ሓደ ናብ ሓደ እናተሸጡን እናተለወጡን ኣብ ኢድ እቶም ጨካናት በደዊን ሲናይ ከምዝተሳቐዩ፡ እቲ ዝተሓተቱዎ ኣሽሓት ገንዘብ ከፊሎም ካብቲ ማሕዩር ምስ ወጽኡ ድማ፡ ብወተሃደራት ግብጺ ተታሒዞም እንደገና ኣብ ቤትማእሰርቲ ከምዝተዳጎኑ ገሊጾም።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኣብታ ቤትማእሰርቲ 25 ደቂ ተባዕትዮን 8 ደቀንስትዮን ተኣሲሮም ኣለዉ።

 ክቡራት ሰማዕትና ምሉእ ትሕዝቶ ጻውዒቶም ድሕሪ ዜና ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ድምጺ ኣሰና ከነቕርበልኩም ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT