Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ላንጋ ላንጋ የድሕንኩም!!! መቀጸልታ ንቕሓትና ነዕብይ (ካልኣይ ክፋል)

ካብ ላንጋ ላንጋ የድሕንኩም!!! መቀጸልታ ንቕሓትና ነዕብይ (ካልኣይ ክፋል) ብዕለት 10/07/2015 ንቕሓትና ነዕብይ ቀዳማይ ክፋል ብዝብል; ዝጸሓፍክዋ ንእሽቶይ ሓሳብ; ሓደ ሓዊ ነቃፊ ረኺባ። (ኣሰና ዳት ኮም ተወከስ)። እታ ነቀፌታ ብዙሕ ዝተዋቅዑ መግለጺ ዘድልዮም ሓሳባት ከምዘለዉዋ ስለዘስተባሃልኩ መልሲ

ካብ ላንጋ ላንጋ የድሕንኩም!!!

መቀጸልታ ንቕሓትና ነዕብይ (ካልኣይ ክፋል)

ብዕለት 10/07/2015 ንቕሓትና ነዕብይ ቀዳማይ ክፋል ብዝብል; ዝጸሓፍክዋ ንእሽቶይ ሓሳብ; ሓደ ሓዊ ነቃፊ ረኺባ። (ኣሰና ዳት ኮም ተወከስ)። እታ ነቀፌታ ብዙሕ ዝተዋቅዑ መግለጺ ዘድልዮም ሓሳባት ከምዘለዉዋ ስለዘስተባሃልኩ መልሲ ክህበላ ደልየ። ኣንበብቲ ፍርዲ ንዓኹም ይገድፎ።

ኽቡር ሓው

ሰላምታ ብምቅዳም ስለቲ ርእይቶኻ ከመስግነካ እፈቱ።

ነቲ መልእኽቲ ናይቲ ጽሑፍ ብጌጋ ተረዲእኻዮ ኣለኻ ኢለ ይግምት። ብመጀመርታ ከም መእተዊ ዝተጠቀምኩሉ መልእኽቲ ንደጋፋይ መንግስትን ተቃዋማይ መንግስትን ከም ዕላማ ጌረ ኣይጸሓኩን። መልእኽተይ ብንጹር ክብሎ ዝደለኹ፡ ምህላው ተቃዋማይ ኣብ ሓደ ስርዓት ዓቢ ጥቕሚ ከምዘለዎ ‘ዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ስርዓት ዘለዎ ሃገር ትነብር ስለዘለኻ ነዚ ሓሳብ እዚ ቕኑዕ ኣይኮነን ትብለኒ ኢለ ኣይኣምንን። ንነፍስኻ ፈትሽካ መን ምዃንካ ነጊርካና ኣለኻ። ኩነታት ሕማቕ ኣካይዳ ኢሳይያስ ብጊዜ ነቒሕኻሉን እቶም ዘገዱሱኻ ስድራኻ ከኣ የህዲምካዮም። እዚ ከምዚ ናትካ ስድራ (ደቂ ካልኦት ዝበልካዮም) ዕድል ዘይረኸቡ ኸ እንታይ ይኹኑ? ንስኻ ስድራኻ ዓቂብካዮም ስለዘለኻ ሩፍታ ረኺብካ ትመስል። ግን ንዓኻ እዚ ሃስያ ወይ ውጽዓ ናይ ካልእ ስድራ ደቂ ካልኦት ኢልካ ዘጓነኻዮም ኣይስመዓካን ማለት ድዩ? እስኪ ኣብ ቦትኦም ኮንካ ኣክንድኦም ሕሰብ። እንታይ ተሰሚዑካ። እዋይ ቆርበትካ ክረጉድ፡ ክንዲ ቆርበት ሓርማዝ ዶ ይኸውን? ኣተሓሳስባኻ ክሓምቕ፡ ሓንጎልካ ክንዲ ሓንጎል ደርሆ ዶ ይኸውን? ንነፍስኻ ባዕልኻ ፍረዳ።

ንደገፍትን ተቃወምትን መንግስቲ ንኽሊቲኦም ብመዓረ ኣነኣኢስካዮም። ነቲ ለውጢ ክመጽእ ዘይደሊ ጭራ ኢልካ ጸሪፍካዮ። “ድሑር” ዝበልካዮ መሲሊካ ‘ምበር ኣይጸረፍካዮን። ናቱ ኢኻ ሂብካዮ። ጭራ እኮ ይጓዳእ ዩ። ኣቦታትና ዝጥቀሙላ ጭራ ማለተይ ‘ዬ።  ነታ ጭራ “ሰስ” ኣንተኣቢልካያ ሃመማ ትቀትል ‘ያ። ለውጢ ከይመጽእ ሰስ እንዳበሉ ዝከላኸሉ ዘለዉ እቶም ደገፍቱ ምዃኖም ኣይትረስዕ። በዚ 2% እንዳከፈሉ ንክፋእ ግብሩ (ጠባው እዝኒ ወሲካ) ዝምውለላ ካዝንኡ የህጥሩ። በቲ ካልእ መንእሰያት ኣብ ቃልሲ ኣትዮም ግዲኦም ከይወጹ ልቢ ይሰልቡ። ንሓሶቱ ሓቂ ኣምሲሎም የቃልሑ። ከም ሓጹር መካበቢያ ካብ ጸላኢ ይከላኸሉሉ። ብፍላጥ ዝሳተፉ ብዘይፍላጥ ዝስዕቡ ብዕሽነት ዘጣቕዑ ኣለዉ። ነዚኦም ካብቲ ዘለዉዎ ደልሃመት ጸልማት ክነቕሑ ነቲ ሓቂ “ሓቂ” ክብሉ ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ሓላፍነት እዩ። ደላይ ለውጢ እንተዄንካ።

ነዞም ደለይቲ ፍትሒ ንበሃል ግን ኣይገደፍካልናን። ብስሚዒት ንጎዓዝ ካብ ምዕዝምዛም ሓሊፍና ንገብሮ ነገር ከምዘየለ ጌርካ ስኢልካና። ከም ሰብ ህንጡያት ክንከውን ንኽእል ንኸውን። ካብ ተመኩሮ እቲ ቃልሲ ሕልኽላኽ ዝበዝሖ ምዃኑ ግን ኣይጠፍኣናን ኢዩ። ናይ ሓደ ክልተ ሰባት ስሚዒት ኣንቢብካ ንኹሉ ብኣልማማ ክትዝልፍ ዘርእየና እንተሃልዩ ደረጃ ፍልጠካ ‘ዩ። እንተ ናይ ሃገር ሃብቲ ክዝረፍ ከሎ ዘይሕመካ እንተኾይኑ፡ ሃገራዊ ኢኻ ኢለ ኣይሓስብን እየ። መዓልኡ ዘይተፈልጠ ወርቂ ብሻ ክትጸባጸብ ካብዘይደለኻ፡ ምናልባሽ ኣብታ ምጥፍፋእ ኢድ ከይትህልወካ ተጠርጥረካ እያ። ሓደ ካብዞም ጉጅለ ኢሳይያስ እኳ ትኸውን? መን ይፈልጥ። ከምቲ ናይ ብርዒ ሽምካ ፌክ ከይትኸውን እምነየልካ።

ለውጢ ከምዘይምልከተካ ንነፍስኻ ኣግሊልካ ተዓዛባይ ማዕዶ ትመስል። ለውጢ እንተዘይቀደወ፡ እቲ ሕሰም ስለዘየረኻኸበካ ደሓን፡ እቲ ለውጢ እንተቀደወ ከኣ ጽቡቕ ጽግዕ ኢልካ ምስቶም ለውጢ ዘምጽኡ ሕውስ ትብል። ተበላጽነት ኮይኑ ኣይስመዓካን? ኣይትሓዘለይ ‘ምበር፡ ኣነ ነዚኦም ከምዚኦም ዓይነት ኣብ ላንጋ ላንጋ ዝሰፈሩ ሰባት ተበለጽቲ እየ ዝብሎም። እዞም ብውልቆም ነፍሰ ድስከላ ዝገበሩ ኣብርክቶ ዘይብሎም ሉሙሳት ‘ዮም። ኣብቲ ዝግበር ቃልሲ ንለውጢ ጽቡቕ ሓሳብ ዘለዎም ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም።  ክእለቶም ወይ ጽቡቕ ሓሳባቶም ውሕጅ ማይ ከምዝወሰዶ ክንሓስቦ ንኽእል። ከም ርኢቶይ ኣብዚ እዩ ክነቕሑን ክበራበሩን ዘለዎም። ናብቲ “እቲ ሓቂ ‘ዩ፡ እዚ ሓሶት ‘ዩ” ኢሎም ኣብ ዝኣምንሉ ክውግኑ ይግባእ።

“ዉዑይ ኣይ ዝሑል ዝኾነ ሓቂ ዘይብሉ ኣምስሉ ዘረባታት ዝውቅጥ” ኢልካ ዝዘለፍካኒ ንውልቀይ ዝሰንዳኻያ መስደመም ‘ዩ። ከምቲ ዝበልካዮ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ካበልካ እቲ ሓቂ ትብሎ ንስኻ ዘይትውቕጦ። ወቕጦ ‘ሞ ከነንብበልካ። ኣብ ጌጋ እንተሃሊና ከኣ ነፍስና ፈትሽና ክንእረም። ሓቂ ዘይብሉ ዝበልካዮ ብመረጋገጺኡ ንገረና። ብኣምሰሉ ወቂጥና ተጋጊና ካብ ነጋጊ ኣድሕነና። ሓቂ ክነግረካ ኣነ ይወቕጥ ከከንኩስ ምናልባሽም ይጽሕትር ይህሉ ከይከውን። ለውጢ ኣብ ምምጻእ ግን ከም ክእለተይ እሳተፍ ዘለኹ ኮይኑ ‘ዩ ዝስመዓኒ። ከምዚ ብምግባረይ ግን እኾርዓሉ ‘ምበር ኣይሓፍረሉን ‘ዩ። ምኽንያት ክሳተፍ ‘ምበር ኣማዕድየ ክርኢ ዝለዘይደሊ።

ብልበይ ክመኽረካ፡ ካብቲ ኮፍ ኢልካዮ ዘለኻ ንደቂቅ ሓፍ በል። መን ምዃንካን እንታይ ትገብር ከምዘለኻን ምስ ሕልናኻ ተሟገት። ድሕሪኡ ኣጣጢሕኻ ኮፍ በል ‘ሞ፡ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ምስ ነፍስኻ ተማኸር። ሽዑ ክርደኣካ ተስፋ እገብር፡ ኢድካ ዝሓወስካሉ ፍርያት ካብ ዘይሓወስካሉ  ክርደኣካ ክጅምር ‘ዩ። ዎ ‘ዳንሕንካ!!!

እዋኑ ተነቃፊ እዋን ‘ዩ። ልዑል ጥንቃቀ ዘድልዮ እዋን ‘ዩ። ደለይቲ ፍትሒ ንቕሑ። እዋን ድቃስ ጌና ኣይመጸን ዘሎ።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ሓውኹም ደብረ

(11/07/2015)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • teshamo nfthy July 12, 2015

    teshamo nfthy

POST A COMMENT