Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዓቒቦም ዝጸንሑ ሚንስተራት የመን ብመንገዲ ኤርትራ ኣቢሎም ብጃላቡ ናብ ዓደን ከምዝተመልሱ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት የመን ትማሊ ቐዳም፡ እታ ካልኣይቲ ከተማ የመን ዓደን፡ ካብቶም ብ ኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሑቱ ሓራ ከምዝወጽአት ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዓቒቦም ዝጸንሑ ሚንስተራት የመን ብመንገዲ ኤርትራ ኣቢሎም ብጃላቡ ናብ ዓደን ከምዝተመልሱ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት የመን ትማሊ ቐዳም፡ እታ ካልኣይቲ ከተማ የመን ዓደን፡ ካብቶም ብ ኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሑቱ ሓራ ከምዝወጽአት ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዓቒቦም ዝጸንሑ ሚንስተራት የመን ብመንገዲ ኤርትራ ኣቢሎም ብጃላቡ ናብ ዓደን ከምዝተመልሱ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ።

ተቓወምቲ ሑቱ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት `ዚ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ካብ ዝኣትዉ ንደሓር ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክቖቡ ዝተገደዱ ፕረዚደንትን ሚኒስተራትን ናይቲ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ የመን፡ ንፈለማ ግዜ እዮም ኣብታ ከተማ ዝረግጹ ዘለዉ።

ሚኒስተር ዓብዶ ኣል-ሑዘይፊ ብዓርቢ ናብ ዓደን ከምዝተመልሱ ካብ ምርግጋጽ ሓሊፉ፡ ከመይ ኢሎም ናብ ዓደን ከምዝኣተዉ ከምዘየብርሀ ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና AFP፡ እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝውነን መዓልታዊ ጋዜጣ ኣሽራቕ ኣል ኣውሳጥ ንሓደ ብዓል ስልጣን ስለያ ስዑዲ ዓረብ ብምጥቃስ፡ እቶም ሚኒስተራት ካብ ሪያድ ናብ ኤርትራ ብነፋሪት ድሕሪ ምብራር፡ ካብ ኤርትራ ብጃልባ ናብ ዓደን ከምዝሰገሩ ከምዘመልከተ ኣገንዚቡ።

እዚ ሓበሬታ `ዚ ነቲ ስዑዲ ዓረብ ንኤርትራዊት ወደብ ዓሰብ፡ ነቶም ብኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሑቱ ኣብ ምድኻም ከም መበገሲ ትጥቀመሉ ከምዘላ ክመጽእ ንዝጸንሐ ሓበሬታታት ዳግም ዘረጋግጽ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ፈነወ ድምጺ ኣሰና ከምዝተጠቕሰ፡ መራሕቲ ስዑድያ፡ ንኢሳይያስ ናብ ስዑዲ ዓረብ ጸዊዖም፡ ንወደብ ዓሰብ ንተቓወምቲ የመን ንምውቃዕ ከም ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ክጥቀሙሉ ንዘቕረቡሉ ተሪር ጠለብ ክቕበሎ ከምዝተገደደ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም እዮም።

ካብ ዓሰብ ናብ ዓደን ናይ ኣስታት 150 ማይልስ ርሕቀት ጥራይ ከምዘሎ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • tekle July 20, 2015

    The PFDJ willo will deoe averything or go anywhere if it is possible to make friends.overall Saudi is very near to USA and if isayas says okey to Saudi he might get the chance to approach USA regardless what cost Eritrea pays.

  • tekle July 20, 2015

    The PFDJ will will do averything or go anywhere if it is possible to make friends.overall Saudi is very near to USA and if isayas says okey to Saudi he might get the chance to approach USA regardless what cost Eritrea pays.

  • sussun July 20, 2015

    In do not think Isayas is so stupit to allow the ignorant Saudis our Assab port for their barbaric activites?

  • Fitiwi July 20, 2015

    For poor and desperate Isaias Afewerki, it is time for desperate time requires desperate measures. At this critical time of his survival and staying in power anyone whether the Saudis or the Weyanes as long as they give him the extension of the breath of life would allow them any part of Eritrea to be used or exploited.

POST A COMMENT