Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: Panel Discussion with Global Initiative to Empower Eritrean Grass-roots Movement Task Force – Part 1; Thursday, May 05, 2016

https://www.youtube.com/watch?v=bYbc2OU-mT8&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Tellit Asis May 6, 2016

    Way to go. Thank you good citizens!

  • Semur Ghenbar May 6, 2016

    Global Imitative to Empower Eritrean Grass-roots Movement Task Force.

    ፕሮግራምኹምን ዕላማኹምን ብጽቡቕ አቐሚጥኩሞ አለኹም ብወገነይ አድኒቐዮ ዝወጾ የብሉን።
    ” እቲ ድስቲ ተሰኽቲቱ እዩ ዘሎ ተሪፉ ዘሎ ነቲ ድስቲ አንበድቢድኻ ቕልጢፍኻ አብሲልኻ ምምጋብ ጥራሕ እዩ።
    እግዚአብሔር ይሐግስኹም፤ ንሕዝቢ ኤርትራ ድማ አምላኽ ይአኽለኻ ይበሎ።

  • Semur Ghenbar May 7, 2016

    ብድሕሪ መጋረጃኸ እንታይ አሎ ?

    አብ ቐረባ ጊዜ ብGIEEM ትጽዋዕ ሐዳስ አሳላጢት ምንቕስቓስ ኤርትራውያን ዝመጸት ርእየ ካብ ክቱር ሕንጡይነት ዝተለዓለ ንፓሮግራማ አድኒቐዮ።
    መቸስ ጉዳይ ሀገርና ድቓስ ዝህብ ስለዘይኾነ ለይቲ ምስ ደቐስኹ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክመጹኒ ሐዲሮም። ምኽንየቱ ሐውና አማኒኤል እያሱ ነዞም ሐደሽቲ አባላት GIEEM አብ ውሽጢ ጠሊቑ አትዩ ድሕሪ ባይትኦምን ተሞክሮታቶምን ስለዘየላለየናን እዩ።
    ስክፍትታተይ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

    1) በጃኻ ተጋ አማኒኤል እያሱን ፓሮፈሰር አርእያ ደበሳይን
    እቶም ካልኦት አባላት ድሕሪ ባይትኦምን አብ ምንቕስቓስ ደለይቲ ፍትሒኸ ተሞክሮኦም እንታይ ይመስል
    ኔሩ። ?
    2) እንተድአ ቅድሚ ሕጂ ምስ ገለ ውድባት ውይውን
    ምንቕስቓሳት ኔሮም ኾይኖም እሞ ንዑኡ ጠንጢኖም
    ሕጂ ምስእዛ ሐዳሽ ምንቕስቕስ መጽዮም ኮይኖም
    ንምንታይ አብቲ ዝነበርዎ ምንቕስቓስ ጸኒሖም ጉድለታት
    አሪሞምን ሐኺሞምን ዘይቐጸሉ ?ቓልስኾ ክንደይ ውረድ ደይብ ዘለዎ ትዕግስቲን ተጻውርነትን ዝሐትት ምኳኑ
    ናይ ሰላሳ ዓመታት ተሞክሮና ሚሂሩና እዩ (There is no free lunch )ናይ ጥርሑ ምሳሕእኾ የለን ።
    ፈቲኖም ኔሮም እንተኾይኖምውን እሞ ካብ ዓቕሎም
    ንላዕሊ ኾይንዎም ክቕጽሉ ተደይከአሉ አኼባ ጸዊዖም ምክንያት ካብቲ
    ምንቕስቓስ ዘይምቕጻሎም ነቲ ውዱብ ሐቢሮም
    ቐጺሎምውን ንደላይ ፍትሒ ክሕብሩ አይነበሮምንዶ ?
    ሕጂኸ ምስዛ ሐድሽ ምንቕስቓስ ክንቱራቶም ንኽንደይ
    እዩ።? ብሕልፊ ገሊኦም ምስ ገለ አቐዲመን ዝጸንሐ ምንቕስቓሳት ዝጸንሑም ብዘይ ምኽንያት ከየፍለጡን ከይሐበሩን ባዕሎም ወጽዮም ጸኒሖም እንደገና አባላት
    ናይዛ ሐድሽ GIEEM ኮይኖም ክላለይዎም ከምበሐድሽ
    ከምዝመጽዎም እዩ ዝፍለጥ። አዝዩ ዝገርም
    ” ምሳኹም አለና ምስኹምውን አለና” እዩ ነገሩ።
    አዝዩ አደናጋርን ምትእምማን ዘጠራጥረኻን ጉዳይ እዩ።

    3) ተቐማጦ ስያትል ከምዝብልዎ ገለ አባላት አብዛ ሐዳሽ
    GIEEM ዝተሐቖፉ አብዝሐለፈ ምንቕስቓስ ደለይቲ
    ፍትሒ ጽቡቕ ( Reputation ) ተሞክሮ ከምዘይነ
    በሮም ይሕብሩ። መድረኻውያንውንኾ ፖሮግራሞም
    ዘይቕቡል ዘይኾነስ ( Reputation )ሕሉፍ ዛንታ
    ታሪኾም እዩ ሕዝቢ ምቕባል አብይዎም ዘሎ።

    አብ መጨረሽታ ክብሎ ዝደሊ ህግደፉውያን ዝኾነ ምንቕ
    ስቓስ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ቐዲሞም ወይውን ማዕረ ማዕረ እንዳተጔዓዙ ሶሊኾም እንዳአተው መርዛም ምክንያት
    እንዳሰንከቱን ፉሕ ንምባል ደቒሶም ከምዘይሐድሩን ከቢድ
    ካፒታልውን ከምዘውጽኡሉን ቕድሚ ሕጅውን ከምዝከሰቡን
    ሕጅውን ይሰርሕሉ ከምዘለዉን ንሕናውን ከምኦም ከይደቐስና ክንሕድር ይግበአና።
    “”” ይቕጽል “”””

    ነብስወከፍ ምንቕስቓስ

  • Semur Ghenbar May 7, 2016

    አብ መጨረሽታ ርእይቶይ ካብ ስክፍታን ካብ ዝሐለፈ ተሞክሮ ካብ ዝተመሀርናዮ ብምግንዛብ ካብ ስሉጥነት
    አድማዕነት ከምዝምረጽን ብድሕሪ መጋረጃኸ እንታይ ክህሉ ይክእል እንዳበልና ተጠንቒቕና
    እንዳፈተሽናን እንዳተፈታተሽናን ከሉግዜ እንዳተጠራጠርናን ክንጔዓዝ ዝግበአና
    ይመስለኒ። ምኽንያቱ ህግደፍ ሐንቲ ስምርትን ስጥምትን ሀገራዊትን ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ብህዝቢ
    ንህዝቢ ናይ ህዝቢ ምስትምስረትን ምስ ትፍጠርን ሐንቲ ለይቲ ከብዘይሐድርን ስለዝፈልጥ
    ሕጅውን ” ድሕሪ መጋረጃ እንታይ አሎ ኢልና” ህግደፍ ሶሊኾም ከይአትዉ ሐያልን ከቢድን
    ተፍትሽ ከነካይድ ይግበአና።
    ነገራት እንዳጸረየን እንዳሐሸን ይከይድ አሎ። ይኹን እምበር ተኸባቢርናን ተአራሪምናን
    እንተድአ ተጔዒዝና አብ ሐጺር እዋን ከምንዕወት ጥርጥር የብሉን።
    ከም ናይ ብሑሶት ህግደፍ ዘይኮነስ ናይ ብሐቒ ” ዓወት ንሐፉሽ “

  • Tellit Asis May 10, 2016

    ዝኸበርካ ስሙር ግምባር፡
    ጉዳይ ሁገርና ከምዝበልካዮ ዘደቅስ ኣይኮነን አምዝበልካዮ ምጥርጣር’ውን ጽቡቕ እዩ እንተኾነ ግን ነቲ ሓሳብ ብቐንዱ ትድግፎ እንተደኣኴንካ ወይ እብ ውሽጡ እቲኻ ትቃለሶ ወይ ድማ ምስቲ ሓይሊ ዕማም ተራኺብካ ስክፍታኻ ክትሕብሮ ምሓሸ ምበልኩ።

    ይትሓዘለይ ድእ እምበር ኩሉ እዋድቓ ቃላትካ በሊሕ ትመስል እዛ እብ ክንዲ ምስቲ በዓል ጉዳይ ምምይያጥ ኣሉታዊ ጽሑፋት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምፍናው ግን ንረብሓ ህግደፍ ጥራይ ኣያ ትውዕል። ስለዚ ኣጆኻ ኣቲኻ ነቲ ኣሚንካሉ ዘለኻ ቅዱስ ሓሳብ ዝዕንቅፉ ኣብ ውሽጡ ከይህልዉ guard ግበሮ። ኣጆኻ ህዝብና ሓርነቱ ክረክብ አዩ ብሓባር እንተጽዒርና።
    ናይ ብርዒ ስመይ ከምዝሕብሮ ብጥሪኣ ምንጋር እየ ዝፈቱ እንታይ አሞ ካብ መንጋጋኦም ኣይረሓቕኩን፡ እብ ከሰላ እየ ዘለኹ።

    • Semur Ghenbar May 11, 2016

      ዝከበርኻ Tellit Asis፤

      ርእይቶኻ የኽብሮ ።
      እንተኾነ ሎሚ ደለይቲ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ “ህግደፍ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ክሰርሐሎም ዝጸንሐ ፈላለይን በታታኒን ሕሱር ስራሕን ተንኾልን ፈሊጥዎን ተረዲኡዎን ከምዚ አብ ባይታ ትርእዮ ዘለኻ ኩሉ አብ ቦቦትኡ ህግደፍ ንምጉሐፍ ተሲኡ ዘሎ። በቲ ሐደ ወገን ድማ ህግደፍን ሕሱራት ደገፍቶምን ከም ከልቢ ጭርኦም ደጒሎም ብሕፍረት ለኹሰስ ሎኽሶስ ይብሉ አለዎ። እሞ አብከምዚ ብሕጹጽ ( Grass-Roots Movement)ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ብህዝቢ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ዓለምለኻዊት ተጸዋዒት አካል ንምፍጣር አብ ንስቐላ አውቶቡስ ህግደፉውያን ሶሊኾም ምስና ከይስቐሉ ወይውን ንአውቶቡስና ፈንጂ ከየጻውዱላ ኩላህና ክንጥንቐቕን ክንሕልዋን ዓው ኢልና ብቕንዕናን ብግልጽን እንተጸዋዕና አውቶቡስና ካብ ሐደጋ ትድሕን እምበር ንሕና ንኸስረሉ ህግደፍ ዝከስቡሉ ሐንትኳ የለን።
      አናጹ አብትሕቲ ቑጽጽር ( አብ መፈንጠርያ)ከለዋ እንተሳዕሰዓን እንተሰሐቓን እሞ መንዩ ረቢሑ ዘሎ መንዩኸ ከሲሩ ዘሎ።?
      ኩነታት ተቐይሩ እዩ ዘሎ ።
      አጆኹም አጆና።

  • Tellit Asis May 12, 2016

    Dear semur Ghenbar,
    Now you are talking. Let us movivate these people who are sacrificing their golden time because they felt their people’s burdon. The higdefites are done now, it is time for us to take over all their community centers and ultimately embassies. Let us dream big and move forward. The formula is simple, give the power to the people.

POST A COMMENT