እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።
እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።
ልክዕ ቅድሚ 49 ዓመታት ከምዛ ሎም እታ ንፓለቲካዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ: ናብ ብረታዊ ገድሊ ዘሰጋገረት ቀዳመይቲ ንጣር ቁልዒ ሓዊ: ካብታ ብሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እትምራሕ ቀዳመይቲ ጋንታ ሓርነት: አብ እምባ አዳል ተተኮሰት::
ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ማለት ኣብ ሎስኣንጀለስ፤ ሳንበርናርዲኖ፤ ሳንድያጎ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሳንድያጎ ብምእካብ ንዋዕላ ዝኽዱ ሰባት መሪጾም። እቶም ዝተመርጹ ሰባት ካብ ሰለስቲኡ ዓበይቲ ከተማታት ዝመጹ እዮም።
ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሙዘቀኛታት “ክብሪ ሞያና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ተኣኪቦም፡ ዓውዲ ሙዚቃ ኤርትራውያን ንምግምጋምን ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሞያውያን ሙዚቀኛታት ንምትብባዕን ዝዕላምኡ ውራይ ከም ዘካየዱ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ምስሪ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 70 ስደተኛታት ብነጋዶ-ሰብ ኣብ ትሕቲ-መሬት ብሰንሰለት ተኣሲሮም ከም ጅሆ ተታሒዞም ድሕሪ ምቕናይ፡ “5 ሽሕ ዶላር ኣረክቡ ወይ ድማ ህይወትኩም ክትስእኑ ኢኹም” ተባሂሎም፡ ብኤለትሪክ ክፍልታት ኣካላቶም እናነደደ ይሳቐይዩ ከምዘለዉ፡ ዛጊት 10 ካብኣቶም ብኣሰቃቒ መንገዲ ከምዝተቐትሉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ግዱሳት ኤርትራውያን ተሓባበርቲ ኣሰና ካብ ከለን፡ ጀርመን
ትማሊ ቀዳም ዕለት 01/05/2010 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ገለ ሒደት ተቐማጦ ሸፊልድ ዚተረኽብዎ ኣኼባ ዚተኻየደ ኢዩ።
መጸዋዕታ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ንኩሉኹም ኤርትራውያን
ፓስፖርት ኤርትራ ክቕየር እዩ ካብ ዝብሃል ዕለት ጀሚሩ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ዓዲ ዓረብን ዓዲ ጥልያንን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዓቢ ፍርሒ ወዲቖም ይርከቡ።
ክቡራት ኤርትራውያን ተቐማጦ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ኣቐዲምና ድሕነትኩም ንትምነ ቀጺልና ከኣ ብዛዕባ ኣብ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ተመስሪቱ ንዘሎ ሓድሽ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ክነላልየኩም ንፈቱ።
ሎምዘመን እውን ከም ዓሚ ሕብረት ኤርትራውያን/ ስዊደናውያን ብርገሳውን ፖሊቲካውን ተቃወምቲ ውድባት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ፣
ግዱሳት ኤርትራውያን ካናዳውያን ምስ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሊበራል ሚስተር ጀራርድ ከነዲ ብ29 መጋቢት ብምርኻብ ንኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።
(ፍጻሜታት ከባቢ) – ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉዳይ ጋዜጠኛ ኣቶ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ መጽሔታት ኖርወይ ዓቢ ቴማ ኮይኑ ቀንዩ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ፤ እቲ ንተቓለስቲ ናይ ናጻ ሓሳብ ምግላጽ መሰል ተባሂሉ፣ ብሃገር ኖርወይ ዝምወል፣ ዓመታዊ ሽልማት ክቕበል ስለ ዝተሓርየ እዩ። ገለ ካብተን በቲ ጉዳይ ተገዲሰን ዝጸሓፋ ጋዜጣታት ድማ፣ ”ኣፍተንፖስተን” ዝተባህለት፣ ኣብ ትሕቲ ”ናይ ናጻ ሓሳብ ምግላጽ ሽልማት ንኤርትራዊ”፤ ”ዳግስ-ኣቪሰን” ዝተባህለት ድማ ኣብ ትሕቲ፣” እሱር ጋዜጠኛ ሽልማት ስዒሩ” ዝብል ኣርእስትታት፣ ብስእሊ ናይ ጋዜጠኛ ዳዊትን ስድርኡን ኣሰንየን ብሰፊሕ ጽሒፈን።
ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 19/03/10፤ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓ/ብሪጣንያ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ግላስጎ (ስኮትላንድ) ናይ ኤርትራውያን ኣኼባ ከካይድ ዕድመ ኳ እንተገበረ፡ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከቡ 300 ኤርትራውያን 25 ጥራይ ንዕድሚኡ ተቐቢሎም ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም።
ካብ 14 ክሳብ 21 መጋቢት 2010 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ 412 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብወገን ራማ፡ ግርሁ ስርናይን ዛላንበሳን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ምንጭታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም። ናይዞም ኣባላት ክፍላተ ሰራዊት 19ን 53ን ዝነበሩ 123 ወተሃደራት ዝርከብዎም ኤርትራውያን ዝርዝር ኩነታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ካብ 14 ክሳብ 21 መጋቢት 2010 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ 412 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብወገን ራማ፡ ግርሁ ስርናይን ዛላንበሳን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ምንጭታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም። ናይዞም ኣባላት ክፍላተ ሰራዊት 19ን 53ን ዝነበሩ 123 ወተሃደራት ዝርከብዎም ኤርትራውያን ዝርዝር ኩነታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ማሕበረኮም ዕላምኡ እንታይ እዩ? ንመን እዩኸ ከገልግል ዝግበኦ? ሽሙ ከም ዝሕብሮ ንማሕበረሰብዶ ወይስ ንውሑዳት ሰባት? ማሕበረኮም መሓውር መንግስታውያን ወይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ድዩ ክኸውን ዘለዎ ወይስ ነቲ ይውክሎ እየ ዝብሎ ማሕበረኮም ብሙሉኡ ከይፈለየ እዩ ከገልግል ዘለዎ?
ካብ 23 ለካቲት ክሳብ 10 መጋቢት 2010 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ 1523 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ኣትዮም። ዝርዝር ናይ’ዞም ናብ ሱዳን ዝኣተው 1523 ስደተኛታት ድማ፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።
ካብ 23 ለካቲት ክሳብ 10 መጋቢት 2010 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ 1523 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ኣትዮም። ዝርዝር ናይ’ዞም ናብ ሱዳን ዝኣተው 1523 ስደተኛታት ድማ፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ንሓደ ዘመን መመላእታ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ 1991 ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተላቒቑ። ድሕሪ ናጽነት፣ ነቶም ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ደቁ ልዕሊ ኣምላኽ ብምእማን ኩሉ እንትንኡ ኣረኪቡ ክሕብሕቦምን ከምልኾምን ኣብ ዝጀመረሉ፣ ናይ ነገር ግዜ ሓቀኛ መንነቶም ብንግሁኡ በጨቕ ክብል እኳ እንተጀመረ ቀልጢፉ ዓገብ ከብሎም፣ናይ ነገር ወላዲ ኮይንዎ ርእዩ ከምዘይርኣየ ኮይኑ ክሓልፎ እዩ መሪጹ።
እታ ጉጅለ ኣቐዲማ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣበርክቶ ገይራ ነይራ እያ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ውሑድ ዓቐን ዘለዎ ገንዘብ ናብ ብዙሓት ሰባት ብምምቕራሕ፡ ወርሓዊ ኣበርክቶ ብምግባር ንቐጻልነት ድምጺ ኣሰና ከውሕስ ይኽእል እዩ ብዝብል እምነት ነቲ ተበግሶ ከምዝወሰደት ኣረዲኣ።
ስርዓት ህግደፍ፡ ናብ ወጻኢ ክኸዱ ንዝደልዩ ኤርትራውያን ከምመሰጋገርቲ (Human Traffickers) ተመሲሎም ብምስራሕ ኣሽሓት ዶላራት ድሕሪ ምምልጣጦም ተመሊሶም ከእስሩዎም መምርሒ ዝህብ ምስጢራዊ ተዘዋዋሪ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ እሙናት ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ዝቃወም ደብዳበ፡ ብሽሞምን ኣድራሽኦምን ተጻሒፉ፡ ብዘይኣፍልጦኦም፡ ናብ ኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ዝተላእከ ኤርትራውያን ቁጥዐኦም ንምግላጽ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓበሬታ ኣመሓላሊፎም ።
ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ዝቃወም ደብዳበ፡ ብሽሞምን ኣድራሽኦምን ተጻሒፉ፡ ብዘይኣፍልጦኦም፡ ናብ ኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ዝተላእከ ኤርትራውያን ቁጥዐኦም ንምግላጽ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓበሬታ ኣመሓላሊፎም ።
ስርዓት ህግደፍ ብመንገዲ ደገፍቱ አቢሉ ካብ ከተማ የቶቦሪ ዘመሓላልፎ ሓድነት ህዝቢ ዝበታትን ናይ ፕሮፖጋንዳ ራድዮ ፕሮግራም ደው ከብልን አብቲ ናይቲ ራድዮ መደባት አንጻር ኤሪትራውያን ዝፍኖ ምፍርራሕ: ሓሶትን ዘለፋታትን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድን ብተወሳኺ መንግስቲ ሽወደን ነቶም ብደገፍቲ ህግደፍ ዝመሓደሩ ናይ ራድዮ መደባት ጥብቂ ቁጽጽር ክገብሮሎም ከምዘለዎ ኣብ ዮቶቦሪ ዝርከቡ ግዱሳን ኤሪትራውያን አብ ዝተፈላላያ ናይ ጋዜጣ ማዕከናትን ናይ ተለቪዥን መደባትን ቀሪቦም ኩሉ ናይ ህግደፍ ናይ ፕሮፖጋንዳ ምንቅስቃስ ከመይ ከምዝመስል ኣቃሊዖም::
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ ኤርትራውያን በስገዳድ 2% (ክልተ ሚእታዊት) እናኽፈለ ABN AMRO ኣብ ዝተባህለ ባንክ ናይታ ሃገር ብሕሳብ ቁጽሪ 425297322 ኣቐሚጡዎ ዝጸንሐ 4.8 ሚልዮን ይሮ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ ከምዘሎ ማእከል ምርምርን ስነዳን ኤርትራ ዝተባህለ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ሲቪካዊ ማሕበር ሓቢሩ።
ኣብ ስዊስ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱን ነበርትን ኤርትራውያን።
ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ኣብ ዝጭቆነሉ፣ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘይከብረሉ፣ መንእስያትና ግዳያት ናይ ምድረበዳን፣ ቀለብ ዓሳ ባሕሪን ዝኾንሉ፣ ብሰንኪ ጉጉይ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ሃገርና ትባድመሉ ዘላ ግዜ ፣ ብሑቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ እገዳ ስለ ዝተወሰነ፣ ነዚ እገዳ ዘይፍትሓዊ ኣምሲልካ፣ ንገርሂ ህዝብና ንምድንጋር ድማ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝተወሰነ ጌርካ ንዝግበር ዘሎ ሸፈጥን፣ ፋኸራን፣ ህግዳፋውያን ንምልከቶ አሎና። ንሓልዮት ህዝቢ ድማ ኣይኮነን። ነቲ ብሓይሊ ወተሃደር ስልጣን ህዝቢ መንዚዑ ዘሎ መራሒኦም ዕድሜ ስልጣኑ ንኸናውሑ፣ ዝግበርዎ ዘለዉ ኮንቱ ፈተነ ኢዩ።
ኣቱም ሰባት
ኮይኑና ድዩ ትም መሪጽና
ጀጋኑ ኣፋኒና
ዕሸላት ኣንሳፊፎም ኣብ ባሕሪ እናሰማዕና።
ኣቱም ሰባትኮይኑና ድዩ ትም መሪጽናጀጋኑ ኣፋኒናዕሸላት ኣንሳፊፎም ኣብ ባሕሪ እናሰማዕና።ከመይ ‘ድዩ ኮይኑ’ዚ ግዜዘዝጎበዘ እናገዓዘ።ወይለይ ኤርትራዊሓውኻ ዝረድኦ ሲኢኑ የእዊሓንጊድካ መሪጽካ ስቅታከይቃላሕ ብዓውታ።በል ስማዕነብሲ ሓውካፈቲኻ ጸሊእካይብላዕ ኣሎ ብዓሳንቡር ኣብ ዘይርከቦ ሬሳ።ኣንታ ንስኻ ኾንካ ሓዉከይትሰምዖ ድሃዩስቅ መሪጽካ ኪሒድካዮምስ ባሕሪ ጓኒኻዮምስ ህግደፍውያን ዘሪኻዮኣብ ፈስቲቫል ትዘልል ረሲዕካዮ። ኣንቲ ሓብተይንስኺ’ኸ ንምንታይ
ማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ቅዋሙ ንዘስፈሮ መደብ መሰረት ብምግባር ሎሚ ዕለት 24/1/2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ የተቦሪ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣባላቱ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣዳራሽ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤኡ ኣካይዱ።
ሰንበት ዕለት 24/1/2010 ዓ.ም.ፈ. ሰዓት 16:00 ኣብ ክቪበሪ
Beväringsgatan 9 ብማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን
ፍትሕን ዝተዳለወ መስራቲ ጉባኤ ክግበር ስለዝኾነ
ኣብ ኣመሪካ፡ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብመንገዲ ወኪል ኣኽሩኽ ኣሰና ኣብ ኣመሪካ ተስፊት ክፍሉ ንወርሒ 20 ዶላር ብምውጻእ ዘዋህለሉዎ 780 ዶላር፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ገባር ሰናይ ዳኒኤል ተወልደ 120 ዶላር፡ ኣብ ሚሽንጋን እትርከብ ሓንቲ ብመደባት ኣሰና ዝተመሰጠት ግድስቲ ስድራቤት 100 ዶላር ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብድምር ሓደ ሽሕ ዶላር ከበርክቱ ከለዉ። ኣብ በይ ኤርያ ዝነበር ሓደ ካልእ ግዱስ ኤርትራዊ 200 ዶላር ኣወፍዩ።
ኦክላንድ ኣብ ወሽመጥ ምዕራባዊ ክፋል ካሊፎርኒያ ትርከብ ከተማ እያ። እዛ ካብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ብመኪና ናይ ዓሰርተ ደቒቕ ርሕቀት ዝተደኮነት ኦክላንድ ምስ ከተማ ኣስመራ ዝመሳሰል ክሊማ ኣየር ኣለዋ።ካብ ከተማ ኦክላንድ ናብታ ብባሕሪ ዝተኸበበት ምጭውቲ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ንኽትከይድ ነቲ ንኽልቲኤን ከተማታት ዘራኽብ ቤይ ብሪጅ(bay bridge) ዝተባህለ መስተንክራዊ ቢንቶ ትጥቀም። ኦክላንድ ሓንቲ ካብተን ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝቕመጡለን ከተማታት ኣሜሪካ እያ።
ዘተ ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝወሰኖ እገዳ ምስ ዝድግፉ ኤርትራውያን
እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ሓጎስ ኮነ ሽግር ብሓድነትን ምትሕብባርን ክነብር ጽኑዕ እምነት ዘለዎ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ከም መርኣያ ናይዚ ሰናይ ትምኒት ‘ዚ ንሓድሽ ዓመት 2010 ኩሉና ኤርትራውያን ብሓባር ክንጽምብሎ ምእንቲ ሁቡባት ሙዚቀኛታትን ድምጻውያንን ብምዳም ዓቢ ለይታዊ ትልሂት ንድሮ ሓድሽ ዓመት ኣዳልዩ ‘ሎ።