Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ  ብመንገዲ ደገፍቱ አቢሉ ካብ  ከተማ የቶቦሪ ዘመሓላልፎ ሓድነት ህዝቢ ዝበታትን ናይ ፕሮፖጋንዳ ራድዮ ፕሮግራም ደው ከብልን አብቲ ናይቲ ራድዮ መደባት አንጻር ኤሪትራውያን  ዝፍኖ ምፍርራሕ: ሓሶትን ዘለፋታትን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድን  ብተወሳኺ  መንግስቲ ሽወደን ነቶም ብደገፍቲ ህግደፍ ዝመሓደሩ ናይ ራድዮ መደባት ጥብቂ ቁጽጽር ክገብሮሎም ከምዘለዎ ኣብ ዮቶቦሪ ዝርከቡ ግዱሳን ኤሪትራውያን አብ ዝተፈላላያ ናይ ጋዜጣ ማዕከናትን ናይ ተለቪዥን መደባትን ቀሪቦም  ኩሉ ናይ ህግደፍ  ናይ ፕሮፖጋንዳ ምንቅስቃስ ከመይ ከምዝመስል ኣቃሊዖም:: 

አብቲ ብዓል መብዛሕትኦም ካብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረትላ ሃገሮም ኤርትራ ህዝቦምን ገዲፎም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተሰደዱ መንእሰያት ተረኺቦም ነጺ ጽምብል ብባህላዊን ዘመናዊን ደርፊታት ሓባራዊ ናይ ድራር ግብጃን ግብጃን ከምዝጸንበሉዎ ተሓቢሩ።