Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ቤትጽሕፈት ሰራሕተኛታት ወኪል ባንክ ዓለም (World Bank) ኣብ ኤርትራ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ለካቲት (02/2011) ስርሓቶም ኣጽፊፎም ካብ ኤርትራ ክወጽኡ ከምዝኣዘዘ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Shefieldትማሊ ቀዳም ዕለት 01/05/2010 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ገለ ሒደት ተቐማጦ ሸፊልድ ዚተረኽብዎ ኣኼባ ዚተኻየደ ኢዩ።

ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ለንደን፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ እገዳ ክዅንኑ ንምድፍፋእ ኣብ ዘካየዶ ናይ ‘ርድኡና’ ኣኼባ፡ ‘ሕጋዊ ኣይኮነን’ ኢሉ ናይ ጎይትኡ ኢሳይያስ መቓልሕ ካብ ምምላስ ሓሊፉ፡ ነቲ እገዳ ዝምክት ርትዓዊ ምላሽ ስለዘይረኸበ፡ “ንሶማልያ ኣጽዋር ከነቐብል እንተዄንና ብኢትዮጵያ ዝሓለፍ ንናይ ሎንደን ዝመሳሰል ናይ ትሕቲ መሬት መንገዲ ባቡር (ኣንደር ግራውንድ) ክህሉ ኣለዎ” ክብል ከምዘላገጸ ነቲ ኣኼባ ዝተኻታተሉዎ ኤርትራውያን ንድምጺ ኣሰና ሓቢሮም።