Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

EritreanInkolnኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ  ኮለንን ከባቢኣ
Eritreischer Sozialverein e.V. Köln und Umgebung
ባህላዊ ምሸት ብምኽንያት ባዓል ናጽነት።

ዝኽበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ብቐዳምነት ኤርትራዊ ሰላምታና

ብሪጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ 3ይ ክፋል

ኣቐዲመ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ናይ ኣኽብሮት ሰላምታይ የቐድም። ብዙሓት ሰብ ሕልና ደለይቲ ፍትሒ፡ መሰል ውልቓዊ ናጽነተይ ብምግሃሱ፡ ንመሰለይ ምክልኻል ዓገብ ምባል ቕሬታይ ምግላጽጽ፡ ከም ቕኑዕ ሕጋዊ ሕቶ`ዩ ኣሚንኩም ኣብ ጎንካ ኣለና ኢልኩም ብኢመይል ሕልናዊ ደገፍ ሞራላዊ ምትብባዕ ዝገበርኩሙለይ፡ የቐንየለይ ክብረት ይሃበለይ ክብለኩም ኩርዓት ሓበን ይስማዓኒ።

ቶጎርባ.ኮም ይቕሬታ ዝሓተትካሉ ትደግሞ ኣለኻ ሕጋዊ ዲዩ?

 ብሪጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ 2ይ ክፋል

ከም ወትሩ ንኩሉ ደላይ ሰላም ደላይ ፍትሒ ዕዙዝ ሰላምታይ የቐድም።

ኣቐዲመ ንኩሉ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ዕዙዝ ሰላምታይ የቕርብ። ቐጺለ <ውልቓዊ ናጽነት መሰል ሰብ ምኽባር> ባህርያዊ ትዕድልቲ ደቒ ሰባት ስለዝኾነ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ከኽብሮ ዝግባእ`ዩ። መሰረታዊ መትከል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ ክብርን መሰልን ደቒ ሰባት ኢዩ።

Isaiasኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ሓደ ፈታውየይ ስልኪ ደዊሉ ኣብታ ንህግደፍን ኮራኹሮምን ጥራሕ እተተኣናግድ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት ብዛዕባይ ብሓደ <ዶክቶር> ጸጋዝኣብ ገብረጊዮርጊስ ዝተባህለ ግለ-ሰብ  ብቋንቋ እንግሊዘኛ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፉ ከምዝጠቐሰኒ ምስ ሓበረኒ ነቲ ጽሑፉ ብጽሞና ኣምቢበዮ ናይ ብሓቂ ክኣ ገሪሙኒ፣፣

ፊልፍልሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ህዝቢ

ኣብዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሰክሕ ግፍዕታት ስርዓት ኢሰያስ ተጸሚዱሉ ዘሎ ግዜ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ብሕርሻን መጓሰን ዝነብር ህዝቢ ንጥፍኣቱ ዝሃቀነ ሓድሽ መርድእ ካብ መንግስቲ ህግደፍ ተነጊሩዎ ኣሎ።

ብመሰረት ማርክሳዊ ፍልስፍና መንግስቲ ክብሃል ከሎ ሃደ ደርቢ ንኻልእ ደርቢዝምዝምዘሉ ወይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ዘእትወሉ መሳርሒ’ዩ። እዚ ትርጕም’ዚ ብፍላይ ኣብ ስሳታት ብዅላቶም ገስገስቲ ኢና ዝብሉ ወይ ንዓታቶም ዝስዕቡ መንእሰያትን ከም ቃል ኣምላኽ ዝውሰድ ዝነበረ’ዩ።

isaiasኢሳይያስ፡ እዚ ሓለቓ (ካፖ) ጥፍኣት፡ ንኸይፈልጠን ይኹን ንኸይዝክረን ዝመሓለለንን ዝጠሓለለንን ክልተ ነገራት ኣለዋ፡። ንሳተን ከኣ፡ እታ ቐዳመይቲ “ፍቕሪ ሰብ” እታ ካልኣይቲ ኸኣ “ምሕረት” እየን።’

music ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሙዘቀኛታት “ክብሪ ሞያና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ተኣኪቦም፡ ዓውዲ ሙዚቃ ኤርትራውያን ንምግምጋምን ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሞያውያን ሙዚቀኛታት ንምትብባዕን ዝዕላምኡ ውራይ ከም ዘካየዱ ምንጭታት ሓቢሮም።

Sinaiኣብ ምስሪ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 70 ስደተኛታት ብነጋዶ-ሰብ ኣብ ትሕቲ-መሬት ብሰንሰለት ተኣሲሮም ከም ጅሆ ተታሒዞም ድሕሪ ምቕናይ፡ “5 ሽሕ ዶላር ኣረክቡ ወይ ድማ ህይወትኩም ክትስእኑ ኢኹም” ተባሂሎም፡ ብኤለትሪክ ክፍልታት ኣካላቶም እናነደደ ይሳቐይዩ ከምዘለዉ፡ ዛጊት 10 ካብኣቶም ብኣሰቃቒ መንገዲ ከምዝተቐትሉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Mesfnመንቀሊ ጽሑፈይ ብዕለት 31 መጋቢት 2010 ተዳልያ ኣብ ናይ ኤትራውያን መርበብ ሓበሬታታት ዝተዘርገሐት ብ ”The lion of Afabet” ብዝብል ኣርእስቲ ብብርሃን ሓጎስ ዝተባህለ ጸሓፋይ ንኣቶ መስፍን ሓጎስ ዘመላኽዕን ብምሕራር ኣፍዓበት ፡ ወላዃ ሓጺር ይኹን ዝትሓፍሰ ዓወታትን ውጺኢቱን ዝገልጽ ጽሑፍ ኣንቢባ። ዝገርም’ዩ! ለካ ዕድመ እንተሂቡካ ብዙሕ ኢኻ ትርእን ትሰምዕን ዝተባህለስ ሓቂ’ዩ።

Bread lineስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሰብ ዘለዎን ዘይብሉን እናበለ ህዝቢ ብምፍልላይ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ሰብ ኣለዎም ዝበሎም ብኩቦን ሃለኽቲ ናይ ምግዛእ መሰሎም መንዚዑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበር ህዝብን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ቤተሰቦምን ተወሳኺ ጸቕጢ ብምፍጣር ገንዘብ ንምኽዕባት፡ ተንኮላዊ ውጥን ኣዋዲዱከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ከም ኩሉ ዝፈልጦ ኣብ ዝሓልፈ ግዜ ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጸጥታ ጉጅለ (UN Security Council) ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ናይ እግዳ ውሳኔ ከምዝሓለፈ ርዱእ ኢዩ። እዚ እገዳ እዚ ድማ  ኤርትራ ምስ ናይ ሶማልያ ግብረ-ሽበራ ተንቀሳቐስቲ ትተሓጋገዝ ከምዘላን ከምኡ’ዉን ነቲ ዕላማ ቅዱስ ዕላማ ከምዃኑ ስለትኣምነሉን ኢዩ።

ካብ 11 ዝተፈላለያ ክፍላተ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተሓርዩ ዝተዋጽአ ብ”ኮሚቴ ድሕነት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ” ዝፍለጥ ብመኮንናት ዝምራሕ ኮሚቴ፡ ነቲ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ተቓውሞን መሰረታዊ ጠለባትን ብዝተወደበ መልክዕ ምስ ላዕለዎት ልኡኻት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝዘተየሉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ነጻነት! ነዛ ነጻነትን ነጻ ንምዃንን ህዝቢ ኤርትራ ንኽንደይ ዓመታት ከርተት ኢሉ። ምእንቲዛ ነጻነት ብዙሕ ከፊሉ። ብሉጻት ደቁ ሐደ ድሕሪታ ሐደ እናተታኻኽኡ በብዝወጽዎ ስለዛ ነጻነት አብ በረኻታት ኤርትራ ተሪፎም። ስለዛ ነጻነት ተሰዊኦም። ስለዚ ዋጋቶም ብሉጻት ደቑ ዘለዝኾነት፡ ነጻነት፡ ንኤርትራውያን ብዙሕ ትርጉም ክህልዋ ግድን ኢዩ። ስለዝኾነ ድማዩ ነዛ ብመስዋእቲ ብሉጻት ደቁን ብመሪር ስቃይን ዘምጻአ ሃገርን ናጻነቱን ዝኾነ ዝትንክፈሉን ዋላውን ትንዕ ዝብለሉን ዘይፍቅድ።

መሪሕነት ኤርትራ ከም ንቡር፡ ንውሳኔታቱ ይተዓወቱ ይፍሸሉ ሓላፍነት ክስከመሎም ኣይተብዐን። እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ካብ ጌጋ ናብ ቅኑዕ ዝምለስ፡ ካብ ጌጋ ናብ ጌጋ ይሃጽጽ፡ መዓልቲ መዓልቲ ነቲ ዓፍራ “ከውሒ” እናበለ ይረግጾ። እቲ ጸገም እቲ ጌጋ ኣይኮነን፡ እቲ ጸገም፡ ካብ ጌጋኻ ክትሃድም ክትብል ኣደራዕ ህዝብን ሃገርን ምዃን እዩ። ሃገርና ኣብዚ ኩነታት ‘ዚ ኸላ ከኣ ‘ዩ ድምጺ ኵናት ዘቃልሕ ዘሎ።