Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Dawit(ፍጻሜታት ከባቢ) – ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉዳይ ጋዜጠኛ ኣቶ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ መጽሔታት ኖርወይ ዓቢ ቴማ ኮይኑ ቀንዩ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ፤ እቲ ተቓለስቲ ናይ ናጻ ሓሳብ ምግላጽ መሰል ተባሂሉ፣ ብሃገር ኖርወይ ዝምወል፣ ዓመታዊ ሽልማት ክቕበል ስለ ዝተሓርየ እዩ። ገለ ካብተን በቲ ጉዳይ ተገዲሰን ዝጸሓፋ ጋዜጣታት ድማ፣ ”ኣፍተንፖስተን” ዝተባህለት፣ ኣብ ትሕቲ ”ናይ ናጻ ሓሳብ ምግላጽ ሽልማት ንኤርትራዊ”፤ ”ዳግስ-ኣቪሰን” ዝተባህለት ድማ ኣብ ትሕቲ፣” እሱር ጋዜጠኛ ሽልማት ስዒሩ” ዝብል ኣርእስትታት፣ ብስእሊ ናይ ጋዜጠኛ ዳዊትን ስድርኡን ኣሰንየን ብሰፊሕ ጽሒፈን።

ምረት መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ወረዱ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን ክምህለል ይውዕል ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ይሕብሩ።

ኤርትራ ካብ ዓለም እታ ዝለዓለ ደረጃ ዝቕባበ (inflation) ዘለዋ ሃገር ምዃና IMF ከምዝኣመተ Taipei-Times ንሰነዳት ናይቲ ኣህጉራዊ ፋይናንሳዊ ውድብ ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ይጠቅስ።

ኤርትራዊ ኣትሌት ያረድ ኣስመሮም ኣብ ኦሳካ ጃፓን፡ 30 ዲግሪ ሰንትግሬድ ሙቐትን ብርቱዕ ራህድን ኣብ ዝነበሮ ኩነታት ኣየር ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ዝድነቕ ውድድር ብምርኣይ (ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ) ራብዓይ ደረጃ ብምውጻእ ውድድሩ ዛዚሙ’