Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ኣቃብሩና በሉ፡ ሓዘንኩም ንብዕሉ።

ኣቱም ሰባትኮይኑና ድዩ ትም መሪጽናጀጋኑ ኣፋኒናዕሸላት ኣንሳፊፎም  ኣብ ባሕሪ እናሰማዕና።ከመይ ‘ድዩ ኮይኑ’ዚ ግዜዘዝጎበዘ    እናገዓዘ።ወይለይ ኤርትራዊሓውኻ ዝረድኦ ሲኢኑ የእዊሓንጊድካ መሪጽካ ስቅታከይቃላሕ ብዓውታ።በል ስማዕነብሲ ሓውካፈቲኻ ጸሊእካይብላዕ ኣሎ ብዓሳንቡር ኣብ ዘይርከቦ ሬሳ።ኣንታ ንስኻ ኾንካ ሓዉከይትሰምዖ ድሃዩስቅ መሪጽካ ኪሒድካዮምስ

ኣቱም ሰባት

ኮይኑና ድዩ ትም መሪጽና

ጀጋኑ ኣፋኒና

ዕሸላት ኣንሳፊፎም  ኣብ ባሕሪ እናሰማዕና።

ከመይ ‘ድዩ ኮይኑ’ዚ ግዜ

ዘዝጎበዘ    እናገዓዘ።

ወይለይ ኤርትራዊ

ሓውኻ ዝረድኦ ሲኢኑ የእዊ

ሓንጊድካ መሪጽካ ስቅታ

ከይቃላሕ ብዓውታ።

በል ስማዕ

ነብሲ ሓውካ

ፈቲኻ ጸሊእካ

ይብላዕ ኣሎ ብዓሳ

ንቡር ኣብ ዘይርከቦ ሬሳ።

ኣንታ ንስኻ ኾንካ ሓዉ

ከይትሰምዖ ድሃዩ

ስቅ መሪጽካ ኪሒድካዮ

ምስ ባሕሪ ጓኒኻዮ

ምስ ህግደፍውያን  ዘሪኻዮ

ኣብ ፈስቲቫል ትዘልል ረሲዕካዮ።

ኣንቲ ሓብተይ

ንስኺ’ኸ ንምንታይ ተጽቅጢ

ገለ ድሃይ ዘይትፈልጢ

ካን ጨቂንኪ

ሓፍቲኺ ኪሒድኪ

ክተውደኽዲኺ

ምስ ወንጀለኛታት መሪጽኪ

ሓፍቲኺ ረሲዕኪ።

ወይ ኣነ ኣሕዋተይ

ዕድመኹም ኩቁጸ

ምኣስ ምስተመርጸ

ክንዲ መርዓ-ክንዲ ሕጸ።

ህልቂት ኣጋጢሙኩም

ኩሉ ይዘርየኩም

ካብ ቤትኩም ጀሚርኩም።
ዋይ ዋይ  ኡይ ዶ’ታ ክብል

ምእንቲ ኣማኢት ትንፋስ

ብሓንሳብ እናጠፍኡስ

ከምይ ኢለካ  ክድቀስ፡

ከምይ ኢልካ’ኸ

ትም ኢልካ ክረአ

ባሕሪ  ሬሳ እናጎስዐ

መርደእ ጀጋኑን ቃል ሓቂ ጋዜጠኛታት እናተስምዐ።

ኣየ ውርድ ወሪዱና

እናፈለጥና ዕሽሽ ካብ መረጽና

ህጣምና ካብ ኣጥፋእና

እንታይ    ይፈልየና፡

ሬሳ ካብ ዝጎሱ

ምዉታት ዝኸሱ

ጀጋኑ ኣጥፊኦም-ነብሶም ከውሕሱ

ወትሩ ዝቃለሱ።

ሰብ ግዜ-ምጽቃጥ ለሚድኩም

ጀጋኑ ኣህሊቅኩም

በጽሒ-ጎራዙ ኣንጺፍኩም

እንቋዕ ደስ በለኩም

ሬሳ ዓዲ ዘይምለስሉ

ባሕሪ ጢሒሉልኮም

ባህ ይበልኩም

ሰሚሩ ትድላይኩም

ሓርበኛታት ጉድጓድ ሰፊሮምልኩም።

ወየ   ወየ  ወየ

ኣይፋልካን ኣስተውዕል ኤርትራዊ ……የ

ክብረት ብዘይ ሓብቲ

ጣዕሚ ብዘይ ሓዊ

እቲ ነይማዕርግ ፡ እቲ ነይርዊ።

ኡይ በል  ኤርትራዊ

ድምጽኻ ኣስምዕ

ሰብ ክእከብ

ፍትሒ ክርከብ።

ኡይ በሉ ኤርትራያን ብመግሊሒ ድምጺ

ኣቃቡሩና በሉ

ንሓዘንኩም ብሓባር ንብዕሉ

ንቡር ኣይተረኽበን

ኣብ መሳጊድ -ቤተክርስትያናት

ፍትሓት   ክግበረሉ።

ኤርትራዊ   ኣቃብሩና በል

ኣልዒልካ ናይ ሓዘን ደወል

ሓውኻ እምበር-ሓዊ መን — ኣብ ባሕሪ ኢሉ ጸምበለል

ልሳንካ ምበር፡ ልሳን መን ተቆጽዩ  ብምትላል

መሰልካ ምበር፡ መሰል መን ተጨውዩ ብምዝንታል።

ኣንታ ሕዘን ጥሩምባ ንፋሕ

ኣብ ዘለኻዮ ጨርሕ

ግዓር ንባሕ

ናይ ሎሚ ህልቂት

ክወግሕ ጽባሕ።

ሓይሎም እምባየ

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ

መስከረም 2009

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT