Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

norwayብዕለት 14 ግንቦት 2011 ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ፡ ሓድሽን ነጻን ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ተመስሪቱ።
ኣብ ኖርወይ፡ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ክምስረት መጀመርያኡ ኣይኮነን። ናይ ሎሚ 25 ዓመት፡ በቶም ውሑዳት ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን ዝቕመጡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመስሪቱ ኔሩ ኢዩ።

ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ማሕበረሰብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ጸቕጡ ከዛይድ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ሽወደን ዝመደበሮም ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ዜጋታትን ብዝቖመ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ሓባራዊ ጽላል ብዝተባህለ ማሕበር  ዕስራ ዓመት ዘቁጸረ መሬታዊ ነጻነት ኤርትራ ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ዝጸነሐን

ኣብ ሽወደን ዝመደበሮም ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ዜጋታትን ብዝቖመ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ሓባራዊ ጽላል ብዝተባህለ ማሕበር  ዕስራ ዓመት ዘቁጸረ መሬታዊ ነጻነት ኤርትራ ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ዝጸነሐን ዘሎን 20ዓመታት ናይ ዉርደትን መከራን መዋእል ንምዝካር፡  ከምኡ እዉን ኣቓልቦ ሕዝብን መንግስትን ሽወደንን ብኡ ኣቢልካ እዉን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎድኒ ሕዝቢ ኤርትራ ደዉ ብምባል ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከዛይዱ ዝጽዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ብምድላዉ ብድሙቕ ኣገባብ ሎሚ 18 ግንቦት ኣማስይኡ ኣብ ኣፍደገ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ተኻይዱ፡፡

ስርዓት ህግደፍ  ብመንገዲ ደገፍቱ አቢሉ ካብ  ከተማ የቶቦሪ ዘመሓላልፎ ሓድነት ህዝቢ ዝበታትን ናይ ፕሮፖጋንዳ ራድዮ ፕሮግራም ደው ከብልን አብቲ ናይቲ ራድዮ መደባት አንጻር ኤሪትራውያን  ዝፍኖ ምፍርራሕ: ሓሶትን ዘለፋታትን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድን  ብተወሳኺ  መንግስቲ ሽወደን ነቶም ብደገፍቲ ህግደፍ ዝመሓደሩ ናይ ራድዮ መደባት ጥብቂ ቁጽጽር ክገብሮሎም ከምዘለዎ ኣብ ዮቶቦሪ ዝርከቡ ግዱሳን ኤሪትራውያን አብ ዝተፈላላያ ናይ ጋዜጣ ማዕከናትን ናይ ተለቪዥን መደባትን ቀሪቦም  ኩሉ ናይ ህግደፍ  ናይ ፕሮፖጋንዳ ምንቅስቃስ ከመይ ከምዝመስል ኣቃሊዖም:: 

Stand by the people no to dictator -asenaእቲ ጽዩን ስርዓት ህግደፍ፡ ክሳዱ ኣብ መሸንቆቛ እገዳ ተቐሪባትሉ ኣብ ዘላትሉ ሰዓት፡ ኣብ ወጻኢ ፈቐዳ ጎደናን ገዛን ቶርሞስ ዝብሉ  ሃሱሳት ኣዋፊሩ፡ ነቲ ብደምን ረሃጽን ድምጽን ዘረጋገጾ ናጽነት ንድሕሪት ገዲፉ፡ ካብ ዝፈትዋ ሃገሩ ናብ ዓዲ ጓና ዘሳጎጎ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ተመሊሱ፡  “ነዚ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሌና በይኑዎ ዘሎ እገዳ ክትኵንን ናብ ጀኔቫ፡ ኒውዮርክ “ኣዋፍረኒ፡ ኣባዝሓኒ”  “ርድኣኒ፡ ርድኡኒ” ኢሉ  ‘ከማዓልካ’ ኢሉዎ ንዘይፈልጥ ሰብ ክልምን፡ “ይርዳእካ” ኣብ ዝብሃለሉ ግዜ ኸኣ፡ “ሎሚ ኣብ ሰልፊ ህግደፍ ዘይተሰለፈ፡ ካብ ውራይ ረፈረንደም ከምዝተረፈ” ኢሉ ብዅርምትኻ ዘስሕቕ፡ ዓቕሊ ጽበታዊ ሃተፍተፍ የስምዕ ኣሎ።