Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Fish PFDJትማሊ 6 ሕዳር ‘ደሃይ ካብ ኤርትራ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብልሽውና ክሳብ ክንደይ ሳዕሪሩ ከምዘሎ ጠቒስናልኩም። ሎሚ ድማ ከም ኣብነት ናይዚ ሕማም’ዚ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍ ዝተኸስተ ጉዳይ ነቅርበልኩም።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ ኤርትራውያን በስገዳድ 2% (ክልተ ሚእታዊት) እናኽፈለ ABN AMRO ኣብ ዝተባህለ ባንክ ናይታ ሃገር ብሕሳብ ቁጽሪ 425297322 ኣቐሚጡዎ ዝጸንሐ 4.8 ሚልዮን ይሮ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ ከምዘሎ ማእከል ምርምርን ስነዳን ኤርትራ ዝተባህለ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ሲቪካዊ ማሕበር ሓቢሩ።

Cafe

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ብጥምየትን ድኽነትን ዝልሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሸማጢጡ ካብ ዘዋህለሎ ቢልዮናት ዶላራት፡ ብኸፊል፡ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ኢንተርነት ካፈታት፡ በቲ መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክኸውን ዝተመልመለ ፍሉይ ኣሃዱታት ጽኑዕ ምቍጽጻር ይገብረለን ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጥሜትን ድኽነትን ኣብ ዝሕለበሉ ዘሎ እዋን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ በቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ) ኣቢሉ፡ ካብ ንግድን እንዳስትሪን ቻይና ናብ ፉቦን ባንክ ሆንግ ኮንግ፡ 276,468,220.07 ዶላር ብምትሕልላፍ፡ መሐወሊ ናይ ባንክ 149,292.84 ዶላር ከምዝኸፈለ፡ ነቲ ናይ ምትሕልላፍ ሰነድ ምርኩስ ብምግባር ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምንጭታትና ሓቢሮም።

 

 

ብሰንኪ ‘ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ተጻባኢ ስጉምትታን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ኣምባሳደራት ኤምባሲታት ከፊተን ክዓያ ዝጸንሓ ሃገራት ኤምባሲታተን ክዓጽዋ፡ ገሊአን ናብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክሓጽሮኦ፡ ገለ ድማ ብተንቀሳቓስቲ ኣምባሳደር ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈተን ከስርሓ መደብ ሒዘን ከም ዘለዋ ንዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ናይቲ ከባቢ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።

LMሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ውልቀመለኽቲ ስርዓታት ኣፍሪቃ ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብዚ ዓመት’ዚ ጀሚሩ ክሳብ 2013 ዝኽፈል ናይ 120 ሚልዮን ይሮ ሓገዝ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክቕበል ምዃኑEuropeanVoice.com ዝብሃል ናይቲ ሕብረት መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ።