Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Tunisድሕሪ’ዚ ኹሉ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጥፍአ መቕዘፍቲ ማእከላይ ባሕሪ፡ ገለ ካብቶም ብሕታዊ ገንዘባዊ መኽሰቦም ጥራይ ዘቋምቱ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ፡ ብፍላይ ድማ ወዲ ቐሺ ተባሂሉ ዝፍለጥ መሰጋገሪ፡ ነቶም ካብ ቅልውላው ሊብያ ኣምሊጦም ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ‘ናብ ጥልያን ብቐጥታ እትኣቱ ተተኣማምን መርከብ ኣዳልየ ኣለኹ’ ዝብል ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ናብ ሊብያ ተመሊሶም ጃልብኡ ክመልኡሉ ይጽውዖም ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ።

passportፓስፖርት ኤርትራ ክቕየር እዩ ካብ ዝብሃል ዕለት ጀሚሩ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ዓዲ ዓረብን ዓዲ ጥልያንን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዓቢ ፍርሒ ወዲቖም ይርከቡ።