Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

EGSእቲ ትማሊ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ዝጀመረ፡ 2ይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሎሚውን ብርሱን ሃዋሁ ቀጺሉ ውዒሉ።

egmሎም መዓልቲ መጋቢት 11 2011፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ካልኣይ ዓመታዊ  ጉባኤኡ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸፊቱ።

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓደ ካብቶም ተስፋ ህዝቢ ዝኾነ ምንቅስቓስ ምኾኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ልክዕ እዩ አብ ጉዕዝኡ ብርክት ዝበለ ዕንቅፋታት ኣጋጢምዎ ኔሩ እዩ። ድሕሪ እዚ ኩሉ ሽግራት ግን ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኑ ስለ ዝወጸ ዝተረረን ዝበርተዐን ክኽእውን ኣኺኢልዎ እዩ።

ኣብ ጉዕዞ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ኤርትራዉያን ዓመተ 2010 ብዙሓት ወሰንቲ መቐይሮታትን ሓደሽቲ ክስተታት ብምንጽብራቕ  ሓድሽ ምዕራፍ ኣመዝጊባ ዝተዛዘመት ታሪኻዊት ዓመት እያ ኔራ፡

ልክዕ ቅድሚ 49 ዓመታት ከምዛ ሎም እታ ንፓለቲካዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ: ናብ ብረታዊ ገድሊ ዘሰጋገረት ቀዳመይቲ ንጣር ቁልዒ ሓዊ: ካብታ ብሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እትምራሕ ቀዳመይቲ ጋንታ ሓርነት: አብ እምባ አዳል ተተኮሰት::

EYGM

እቲ ብዕሊ ካብ ዝምስረት ሒድት ኣዋርሕ ጥራሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ውልዶ ግን ከኣ ንጡፍ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንበት 30/05/2010 ምስ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንደን ኣካይዱ።

eygmሎም ምሸት: እቲ ብ 24 ግንቦት 1991 ዝተረኽበ መሬታዊ ነጻነት ሃገርና ኤርትራ እንዝክረሉ ዕለት እዩ:: ነቲ ዕለት ቲ ክዉን ንምግባር: ዝተኸፍለ ዋጋ ክቡር’ዩ :: ንዑዑ ንምርካብ አእላፋት ብሉጻት ደቅ ህዝቢ ብመን-ሕራይ ካብ ቤቶም ናብ በረኻ ውጺኦም: ከርተት ኢሎም እዮም::

ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣትሒዙ ፤ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽግበር ክጽውዑን ክጠልቡን ጸኒሖም እዮም።

Shefieldትማሊ ቀዳም ዕለት 01/05/2010 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ገለ ሒደት ተቐማጦ ሸፊልድ ዚተረኽብዎ ኣኼባ ዚተኻየደ ኢዩ።

Londonመጸዋዕታ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ንኩሉኹም ኤርትራውያን

london ህዝቢ ኤርትራ ንሓደ ዘመን መመላእታ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ 1991 ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተላቒቑ። ድሕሪ ናጽነት፣ ነቶም ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ደቁ ልዕሊ ኣምላኽ ብምእማን ኩሉ እንትንኡ ኣረኪቡ ክሕብሕቦምን ከምልኾምን ኣብ ዝጀመረሉ፣ ናይ ነገር ግዜ ሓቀኛ መንነቶም ብንግሁኡ በጨቕ ክብል እኳ እንተጀመረ ቀልጢፉ ዓገብ ከብሎም፣ናይ ነገር ወላዲ ኮይንዎ ርእዩ ከምዘይርኣየ ኮይኑ ክሓልፎ እዩ መሪጹ።

ለውጢ ተበግሶ ብምውስ ድኣምበር፡ ብሰናይ ድሌት ጥራይ ክረጋገጽ ዝኽእል መስርሕ ኣይኮነን። ሓልዮት ህዝቢ ዝሕመረቱ፡ ስቅያትን ሓሳረ መከራን ወገኑ ዘሕመሞን ድቃስ ዝኸልኦን መንእሰይ፡  ብዕስራ ሰነ 2009 ኣብ ዋሸንግቶን ዲሲ ዝተገብረ ስላማዊ ሰልፊን ሲምፖዝዮምን ፈላሚ ኣኼብኡ ዘስላሰለ ምጥርናፍ መንእስያት፡ ንዝሓለፉ ሸዱሽተ ኣዋርሕ ብግዝያዊ መሪሕነትን፡ ብስም ዓለም-ለካዊ ምንቅስቃስ  መንእሰያት ኤርትር ንጥፈታቱ ከኻይድን ፡ ሓያሎ ሰርሓት  ክዓምም  ከምዝጸንሐ  ኩላትና  ንፍልጦ ሓቂ እዩ።  ማሕበርና ኣብ ፈላሚ ርክባቱ  ብዝወሰኖ መሰረት ካብ ዕለት 15 ጥሪ ክሳብ 17 ጥሪ 2010 “ጥርኑፍ መንእሰይ ተስፋ  ብሩህ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንሰለስተ ምዓልታት ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጅያ ግባኤኡ ኣካይዱ።

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ “ጥርኑፍ  መንእሰይ ተስፋ ብሩህ  መጻኢ”   ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ
ዓርቢ 15 ጥሪ 2010:  ካብ ሰዓት 7 ድ. ቀ ክሳብ 8 ድ.ቀ ዶኩሜንታሪ ፊልም ብዛዕባ ናብራ መንእሰያት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት  
ቀዳም 16:   ካብ 2 ድ.ቀ ክሳብ 6 ድ.ቀ ህዝባዊ ሰሚናር

ብሰንኪዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘምእኩልን ዘይቅዋማዊን ስርዓት፡ ኣብ ህዝብና ብሓፈሻ ኣብ መንእሰያትና ካኣ ብፍላይ ኣንጠልጢሉን ኣጋጢሙን ዘሎ ሓደጋ ካብ ዝኾነ እዋን ዝኸፍኣን ኣዝዩ ኣሰካፍን ምኻኑ ንማንም ኤርትራዊ ክዉል ኣይኮነን። መንእሰያትና ብሰንኪዚ ዘይምእኩልን ዘይቅዋማዊን ምሕደራ ዝፈትዉዋ ሃረሮምን ቤተሰቦምን ራሕሪሖም ንኽስደዱ ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግርን ኣደራዕን ፍታሕ ክናደየሉ ካኣ ብቐንዱ ነቲ መንእሰይ ዝምልከትካ እንተኾነ፡ ብሓፈሻ ግን ነይ ነብስወከፍ ኤርትራዊ ሞራላዊን ዜጋዊን ሓላፍነት እዩ።

ቃል ኣቦ-መንበር ተጋ. ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ !!