Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

asenaኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ (ሜሪላንድ) ዝምቕማጡ ስሙ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ግዱስ ኤርትራዊ ተኸታታሊ ድምጺ ኣሰና፡ “ኣሰና ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃን እትገሮ ዘላ ኣስተዋጽኦ ህዝባዊ ደገፍ ክረክብ ኣለዎ” ብምባል፡ ብሕሳብ ሓደ ዶላር ንመዓልቲ፡ ናይ ዓመት ማለት 365 ዶላር ኣመሪካ ኣበርኪቱ።

Asena Donations ድምጺ ኣሰና ሰኑይ 8 መጋቢት ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ከተቋርጽ ምዃና ድሕሪ ምሕባርና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፡ ብቴለፎንን ኢመይልን ስምባዲኦም ኣብ ልዕሊ ምግላጽ፡ ቀጻልነት ኣሰና ንምርግጋጽ፡ ከም ቀወምቲ ኣባላት ተመዝጊቦም ቀጻሊ ወፈያ ክገብሩ ድሉውነቶም የረጋግጹ ኣለዉ።  እዚ ተበግሶ እዚ ግን፡ ብተሳታፍነት ብዙሓት ግዱሳት ጥራይ ክዕወት ከምዝኽእል ብምግንዛብ ከኣ፡ ብመሰረት ርእይቶን ግብራዊ ተበግሶን ህዝቢ ነዚ ዝስዕብ ኣፈናዊ ሓሳብ ነቕርበልኩም።

londonእታ ጉጅለ ኣቐዲማ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣበርክቶ ገይራ ነይራ እያ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ውሑድ ዓቐን ዘለዎ ገንዘብ ናብ ብዙሓት ሰባት ብምምቕራሕ፡ ወርሓዊ  ኣበርክቶ ብምግባር ንቐጻልነት ድምጺ ኣሰና ከውሕስ ይኽእል እዩ ብዝብል እምነት ነቲ ተበግሶ ከምዝወሰደት ኣረዲኣ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ከምዝተኸታተልኩሞ፡ ብዓዋተን መሰልና-ደሊናን ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝቐንዐ ዝተወሃሃደ ጸለመን ዘለፋን ክካየድ ቀንዩ ‘ ሎ ። ብዙሓት ሰማዕትን ተኸታተልትን ኣሰናን እተን ወብሳይታትን ከኣ ኣብቲ ጉዳይ ዘለኩም ቅሬታን ሓዘንን ብ ኢ-መይል ቴለፎንን ክትገልጹልና ቀኒኹም። ኣንፈት ናይዚ ጸለመን ዘለፋን ካብ ሓያለ ሰሙናት ኣትሒዝና ኣስተብሂልናሉ ‘ኳ እንትጸናሕና፡ ኣብዚ ህዝብና ኣብ ዓዘቕቲ ህግደፍ ጥሒሉ ሓገዝን ተስፋን ሃንቀው ዝብለሉ ዘሎ መሪርን ከቢድን ግዜ፡ ነቲ ዝርካቡ ገጻት መርበብናን ቀለም ብርዕናን ንቖየቛን ምምልላስን ኣሕሊፍና ክንህቦ ፍቓደኛታት ኴንና ኣይጸናሕናን። ኣብዚ ሰዓት ‘ዚ ‘ውን መርገጺና ኣይተቐየረን።

Goitom

 

 

 

 ቪድዮ ንምርኣይ ኣብዚ ሊንክ “ምንኣስ ናጽነት ተቐዚፉ” ጠውቑ