Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዕለት 08 ግንቦት 2011 ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ዕውት ክልትኣዊ ርክባት ኣብ ካርቱም ሱዳን ተኻይዱ።ብወገን ሱዳን ዝተረኽቡ፡ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣምባሳደር መሓመድ ሓምድ፣ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ቐርኒ ኣፍሪቓን ሃገራት ኣዕራብን ወ/ሮ ሳልማ ሓሰን ሓላፊት ስድተኛትት ቐርኒ ኣፍሪቓን

እቶም ብማኪና እትመጹ፣

Genevaሀ፡ ካብ  መጨረሻ  ኣውቶባን  “autoban”  ኣብ ክንዲ ናብ ኤርፖርት  ዘዎጽእ  ትወስዱ: ንጀነቭ ላክ “Genève Lac” ዝብል ተከቲልኩም: ኣብ ካልኤይቲ ሴማ-ፎሮ (ናት ትራፊክ መብራህቲ) ን የማን ወጺእኩም  ፓርኪን  “Parking “ ኣብ  ምርካባ ጀምሩ።

ብቀዳም ዕለት 19/02/2011 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ብተቐማጦ እታ ከተማ ዝተወደበን ዝተጸውዐን ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዕሱብ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተጸውዐ ኣኼባ ተኻይዱ ነይሩ። እንተኾነ ግን ብመንጽር ካብ ሞንጎ ልዕሊ 1200 ተቐማጦ እታ ከተማ ክርአ ከሎ ሒደት ዚተሳተፍዎ ኣኼባ ኢዩ ኣካይዱ።

waelaአብ  ከተማ ሎራኽ(ጀርመን)ን  አብ ከተማ ባዝል(ሰዊዘርላንድ)ን ከባቢታትን ንቕመጥ ኤርትራውያን ብቀዳም 15 ጥሪ ዘዳለናዮ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ-ህዝቢ ብድሙቕ ዓወት ተደምዲሙ፡፡

Melbourneብመከራን ስቓይን ህዝቦም ዝግደሱ፡ ኣብ መልበርን፡ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ውፉያት ኤርትራውያን፡ ሎሚ 8 ጥሪ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ትማሊ ቀዳም ታሕሳስ 18/2010 ካብ ሰዓት 2፡00 –  ክሳብ  6፡30 ድ፡ቀ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ኮሎምቦስን ሲንሲናትን ካልኦት ንኣሽቱ ከተማታት ኦሃዮን ዝነብር ነቲ ሓያል ቁርን በረድን ተጻዊሩ ብጉዳይ ሃገሩ ክዝቲ ምዕባለ ኮሚሽን ክከታተልን ንመጻኢ ጉዕዞኡ ሓሳቡ ከፍስስን  ብኣዝዩ ዘሐብን ቁጽሪ ንርባዕተ ሰዓት ዝኣክል ክዝቲ  ዉዒሉ ።

Eritreaትማሊ ቀዳም 11 ታሕሳስ 2010 ድሙቅ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ‘ዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ካብ ዝተፋላለየ ከም ፍራንክፎርት፣ ስቱትጋርት፣ ካስል፣ ማንሃይም፣ ካርልስሩሀ፣ ከለን፣ ወዘተ…. ዝኣመሰላ ከተማታት ጀርመን ዝመጹ ኤርትራውያን ተኻፊሎም።

Swedenትማሊ ሰንበት ዕለት 7 ሕዳር 2010 ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብ ፖሊቲካዊ ውድባትን ብርገሳዊ ማሕበራትን፣ ውልቀ ሰባትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኮሚስዮን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተኻዪዱ።

Ausብመሰረት እቲ ብዕለት 28  ጥቅምቲ 2010 ኣብ መርበባት ሓበረታን ከምኡ ዉን ብኣካል ዝተዘርገሐ ዕድመ ፣ ብርክት ዝበሉ ደለይቲ ፍትሒ ሃገራዉያን ዕድመ ኣኽቢሮም ዝመጹ ፣ከፋትን ነጻን ዝኾነ ኣኼባ ኣካይዶም።

Leedsብቀዳም 30/10/2010 መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ኣቶ ዓንደብርሃን ተቐማጣይ ከተማ ማንቸስተር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፈን ዜጋ ብምዃን ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ምስ መንእሰያት ኣብ ከተማ ሊድስ ኣቃኒዖም።

Osloመንእሰይ በረኸት ካሕሳይ፡ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ብምትሕብባር ምስ ኣብ ኦስሎ ዝምቕማጦም ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን ብ23 ጥቅምቲ 2010 ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።

EYGM

እቲ ብዕሊ ካብ ዝምስረት ሒድት ኣዋርሕ ጥራሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ውልዶ ግን ከኣ ንጡፍ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንበት 30/05/2010 ምስ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንደን ኣካይዱ።

 Osloመቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ትማሊ ብ25 05 2010 እውን ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ ብዓወት ተኻዪዱ:: እቲ ሰልፊ ንእከይ ግብሪ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘቓልዐ፣ ንኮራኵር ናይቲ ስርዓት ዘሰምበደ፣ ንሞራልን ተስፋን ናይቲ ውጹዕ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዘሕነነ፣ ረዚን መልእኽቲ ዘለዎ ዕዉት ሰልፊ ነይሩ::

Conferenceብምኽትል ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ (ኣ.ሽ.ሃ.ዋ.) ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን፣ ብኣቶ ጎይትኦም ኩፍሎም፣ ኣባል ኣ.ሽ.ሃ.ዋ. ክፍሊ ሰነዳትን፣ ዝመርሕዎ ህዝባዊ ኣኼባ፣ ንተቐማጦን ሓደስቲ ስደተኛታትን ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ስዊስ ተካይዱ።

Shefieldትማሊ ቀዳም ዕለት 01/05/2010 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ገለ ሒደት ተቐማጦ ሸፊልድ ዚተረኽብዎ ኣኼባ ዚተኻየደ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመታት ታሪኽ ዕጥቃዊ ተጋድሎና, ዘይተነግሩ ‘ምበር ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ብዙሓት’ዩም። እቶም ኣዝዮም ኣደነቕቲ ስሪሒታት ካብ ሂወት ወድ ሰብ ምኽፋል ዝዓቢ ነገር ስለ ዘየሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር’ዮም ተፈጺሞም። ማዕረ ማዕሪኡ ግን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና’ውን እንተኾነ, ሰብኣዩ ሰበይቱ ዓቢኡ ንእሽቱኡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ብዘይፍለጥ ሓድነትን ሃገራዊ ኒሕን፡ ሃገራዊ ናጽነት ሽቱኡ ንኽወቅዕ፡ ንሰውራ ኤርትራ ኩሉ ይጠቅም ዝባህል ዘይገበሮ ነገር ኣይነበረን።

ብዕለት 19 መስከረም 2009 . .ብፖለቲካውያን ውድባት፤ሰልፍታት፤ሲቪካውያን ማሕበራትን ሃገራውያን ዘጋታትን አበ ከተማ ስቱትጋርት ሃገር ጀርመን ዝተዳለወ  ንተዘክሮ መበል 18 መስከረም 2001 .. ኩሉ ግፍዕታት ዲክታቶሪያዊ ስርዓት .... ንህዝቢ ጀርመንን መንግስት ጀርመንን ህዝቢ ዓለምን ንምግላጽ፤ ከምኡውን ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍላጥ ብዙሕ ህዝብና ካብ ከተማታት ፍራንክፎርት፤ ኑርምበርግ፤ ኡሉም፤ ካርልስሩሄ ከምኡውን

selfiካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ዝተኣካኸቡ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ግዳያት ግፍዕታት ህግደፍ 18 መስከረም ንምዝካርን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብምቅዋምን ኣብ ብራስለስ (በልጁም) ኣብ ፊት ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኢውሮጳዊ ሕብረት ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዝመልኦ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

FESTኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሓርነታዊ ቓልሲ ኤርትራ (ባሕቲ መስከረም) ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ዝወደቡዎ “ፈስቲቫል ሰላም”፡ ንሃገራዊ ናይ ቃልስን ሓርነትን መንፈስ ብዘለዓዕል ፍሉይን ምዕሩግን ኣገባብ ትማሊ 23 ነሓሰ ኣብ ለንደን ብዓወት ተኻይዱ።

Lonኤርትራውያን ተቐማጦ ለንደን፡ መንግስቲ ምስሪ ምስ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተሓባቢሩ፡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ ኤርትራ ምስጓጉ ብምቅዋም ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምስሪ ዕዉት ሰላማዊ ስልፊ ኣካይዶም።

demኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝኣተዉዎ ስምምዕ መሰረት፡ ትማሊ 8 ታሕሳስ ኣብ ለንደን ኣብ ቅድሚ’ቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወደበ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣኼባ ተረኺቦም ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።