Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እታ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ተባሂላ ክትሽየጥ ዝወርሔት ሎተሪ ትማል መስከረም 4 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ወዲቃ። ኣብቲ ብማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ብመበል 49 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲን መበል ካልኣይ ዓመት ናይቲ ማሕበርን ዝተገብረ በዓል እያ ወዲቃ፡ ተመሳሳልውን ዝሓልፈ ዓመት ተጌሩ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። 

እታ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ተባሂላ ክትሽየጥ ዝወርሔት ሎተሪ ትማል መስከረም 4 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ወዲቃ። ኣብቲ ብማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ብመበል 49 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲን መበል ካልኣይ ዓመት ናይቲ ማሕበርን ዝተገብረ በዓል እያ ወዲቃ፡ ተመሳሳልውን ዝሓልፈ ዓመት ተጌሩ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። 

እታ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ፈተውታ ብዘበርከቱዎ ወለንታዊ ፋይናንሳዊ ወፈያ ናብ ኤርትራ ብሳተላይት እተመሓላልፎ መደባት ራድዮ ዝጀመረትን ዘሳለየትን ድምጺ ኣሰና፡ ንዝሓለፈ ሓያለ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ መሓዙት ኣሰና ብዘካየዱዎ ዘይሕለል ጎስጓስን ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ግዱሳት ብዝሃቡዎ ኣውንታዊ ምላሽን ከም ዝተጠወረት ብምምልካት፡ ናይ‘ዚ ወርሒ ‘ዚ ባጀታ ብተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ክሽፈን ዘለዋ ተስፋ እናገለጸት፡ ነታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን፡ ተቐማጦ ለንደንን መላእ ዓባይ ብሪጣንያን ኢደይ ኢድካ ክብሉ ተዘኻኽር።

ኣብ ኣመሪካ፡ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን  ብመንገዲ ወኪል ኣኽሩኽ ኣሰና ኣብ ኣመሪካ ተስፊት ክፍሉ ንወርሒ 20 ዶላር ብምውጻእ ዘዋህለሉዎ 780 ዶላር፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ገባር ሰናይ  ዳኒኤል ተወልደ 120 ዶላር፡ ኣብ ሚሽንጋን እትርከብ ሓንቲ ብመደባት ኣሰና ዝተመሰጠት ግድስቲ ስድራቤት 100 ዶላር ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብድምር ሓደ ሽሕ ዶላር ከበርክቱ ከለዉ። ኣብ በይ ኤርያ ዝነበር ሓደ ካልእ ግዱስ ኤርትራዊ 200 ዶላር ኣወፍዩ።

እታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ኣሰና፡ ክትስስን፡ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጀመረ መቓልሓ፡  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከየብኩር። ኢደይ ኢድካ በሉ ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ !

እታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ኣሰና፡ ክትስስን፡ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጀመረ መቓልሓ፡  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከየብኩር። ኢደይ ኢድካ በሉ ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ !

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ኖርዝ-ካሮላይና ዝቕመጡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ኣስታት 2 ሽሕ ዶላር ብምውጻእ፡ ኣብ ቀጻልነት ድምጺ ኣሰና ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም።