Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Sinaiኣብ ምስሪ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 70 ስደተኛታት ብነጋዶ-ሰብ ኣብ ትሕቲ-መሬት ብሰንሰለት ተኣሲሮም ከም ጅሆ ተታሒዞም ድሕሪ ምቕናይ፡ “5 ሽሕ ዶላር ኣረክቡ ወይ ድማ ህይወትኩም ክትስእኑ ኢኹም” ተባሂሎም፡ ብኤለትሪክ ክፍልታት ኣካላቶም እናነደደ ይሳቐይዩ ከምዘለዉ፡ ዛጊት 10 ካብኣቶም ብኣሰቃቒ መንገዲ ከምዝተቐትሉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ብዕለት 12 ጥሪ 2009 01፡36 ወጋሕታ ኣብ ጥቓ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ጸይቀ ዕሉል ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምኽትል ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ) ዝኾነ ኮሎኔል ኣፎወርቂ ሞሳዝጊ ዝርከቦም 6 ሜጀራትን 2 ካፒተናትን ከም ዝተቐትሉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

eriካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ኣብቲ ብዕለት 10ን 11ን ሰነ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ጅቡትን ዝተኻየደ  ውግእ ብወገን ኤርትራ 78 ከምዝተሞቱን 117 ዝተወግኡ ተፈሊጡ።